ድለ

መነባብሮ ዝቅርበልና ናኣሽቱ ጒዳያት ዘይኮነስ ዕብየት ሰማይ ንምረጽ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዓለ ፍልሠታ ለማርያም ኣብ ዝዝከረትሉ ዕለት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ንግዜኡ ባህታ ዝፈጥሩላና ናይ ዓለምና ጉዳያት ዘይኮነስ ኣብቲ ዓበይቲ ሰማያውን ጉዳያት ነማዕዱ። ነዚ ኸኣ እኖዳ ድንግል ማርያም ሕይወትና ሓጐስ ዝመልኦ ንክኸውን ቀድማነት ንእግዚአብሔር ንሃብ ከመይ ንሱ ጥራሕ እዩ ኣብ ሕይወትና ዓበይቲ ነገራት ዝፍጽም ትበለና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ሎሚ በዓለ ፍልሠታ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እነብዕለሉ ዕለት ኣብ ዝቀርበና ወንጌል፡ ኣዛ ቅድስት ድንግል ‘ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ መድሓኒየይ ደስ ይብሎ’ (ሉቃ 1.46-47) ትጽሊ።  ኣብተን ዓናቅጽ ናይዛ ጸሎት እዚኣ ምስ እንምልከት ‘ነፍሰይ ተዕብዮን ደስ ይብሎን’ ዝብላ ንረክብ። ክልተ ዓናቅጽ ‘ነፍሰይ ተዕብዮን ደስ ይብሎን’፣ መኣስ ደስ ዝብለና እንተኢልና ታሕጓስ ጥራይ በይኑ ክገልጾ ዘይክእል ብጣዕሚ ጽቡቚ ነገር ክፍጸም እንከሎ እዚ ከኣ ብውሽጥኻ ጥራይ ብልብኻ ጥራይ ምሕጓስ ዘይኮነስ ነቲ ደስታ ብምሉእ ኩነትካ ክትገልጾ እንተኾይኑ ደስ ደስ ኢሉኒ ኢልካ ክትዘልል ክትሕጐስ ንኩሉ ክትገልጾ የድሊ። ማያርምከስ በቲ እግዚአብሔር ዝገበረላ ሓጐስ ንሓጐስ ትኸውን እሞ ደስታ ይመልኣ ደስ ኢሉኒ ከኣ ትብል። መን ይፈልጥ! ንሕና’ውን ገለ ከምኡ ዓይነት ነገር ኣጋጢሙና ብጐይታ ደስ ዝበለና ግዝያት ይህሉ ይኸውን። ምናልባ ገለ ዘይሓሰብናዮ ዓወት ወይውን ደስ ዝብል ዜና ፈንጠዝያ ኣርኢና ንኸውን ናይ እኖና ድንግል ማርያም ግን ብእግዚአብሔር በቲ ፈጣሪና በቲ መድሓኒና ደስ ክብለና እያ እትዕድም እንታይ ተረኺቡ እንተበልና ከምቲ ንሳ እትብሎ ‘እግዚአብሔር ኣብኣ/ኣባና ዓበይቲ ነገራት ስለዝገበረ (ሉቃ 1.49) ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ዓበይቲ ነገራት እዚ ብካልእ ዓንቀጽ ተገሊጹ ንረኽቦ ብግዕዝ ‘ተዓብዮ’ ዝብል ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ ብዝብል ዓንቀጽ ይግለጽ። ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር - ንእግዚአብሔር ምዕባይ፡፡ ከም ሓቑ እንተኾይኑ ‘አዕበየ’ ዝብል ቃል ነቲ ጉዳይ ስለዕብየቱን ክብሩን ጽባቔኡን ኢልካ ካብ ካልእ ነገራት ፍልይ ኣቢልካ ሓፍ ክተብሎ ክተዕብዮ እዩ ዘመልክት። እኖና ድንግል ማርያም ከኣ ንክብሪ ጐይታ እያ እተዕቢ ንሱ ብሓቂ ዓቢ ስለዝኾና ከኣ ትውድሶ። ኣብ ሕይወትና ንዓበይቲ ነገራት ሃሰስ ክንብሎም ኣሎና እንተዘየሎ ደድሕሪ ደቀቅቲ ነገራት እናተጓዓዘና ደድሕሪ ንፋስ ክንጐዪ ክንነብር ኢና። እኖና ድንግል ማርያም እተስተምህረና ጉዳይ እንተልዩ ብሓቂ ደስ ክብለና እንተደሊና ቀዳምነት ንእግዚኣአብሔር ንሃብ ከመይ ንሱ ጥራይ እዩ ዓቢይ ትብለና።  ኣብ ናብራና ምልስ ምስ እንብል ክንደይ ግዜ ኢና ንዘይጠቅሙ ነገራት ልዕሊ ዓቅሞም ዋጋን ዕብየትን እናሃብና ዘይሃለልና፥ ንኣብነት ዚኣክል ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ቂመ በቀል ሓለፍኩ ተረፍኩ ዝባህርዮም ውድድራት ቅንእን ሽርሕን ቅጥዒ ኣልቦ ምድራዊ ሃብትን ህውተታን ካልእ ቊምነገር ኣልቦ ነገራትን ኣብ ሕይወትና ብቀዳምነት ብምስራሕ ዘይተጋገናን ዘየጋገናን። እዚ ኩልና ንፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ!  በዚ ብሩኽ ዕለትከስ እኖና ድንግል ማርያም ቈላሕታና ናብቲ ጐይታ ኣብ ልዕሌኣ ዝፈጸሞ ዓበይቲ ነገራት ክንገብር እሞ ምስኣ ኰና ‘ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር’ ክንብል ትዕድመና ኣላ። ንሕና እውን ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍና ጐይታ ብዙሕ ዓበይቲ ነገራት ገሩልና እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ክንዝክሮ ንጐይታ ኸኣ ስለዚ ዓበይቲ ነገራት ክንመስግኖ ስሙ ክነዕቢ ኣሎና።

ሎሚ በዚ በዓለ ፍልሠታ እንዝክሮምከስ እዞም እግዚኣአብሔር ኣብአ ዝፈጸሞም ዓበይቲ ነገራት እዮም። እዛ ንሰማይ ዝፈለሰት እኖና ድንግል ማርያም ትሕቲ ክንሳ ነቲ ስለዓለ ሰማያምዊ ክብሪ ተቀቢላ። ንሳ ከማና ፍጥረት ሰብ እያ፡ ሓንቲ ካባና፡ ኰይኑ ብነፍሳን ብስጋኣን ዘለዓለማዊ ሕይወት ተቀቢላ። ኣደና ስለዝኾነት ከኣ ደቃ ኩሎም ኣብ ገዛ ክሳብ ዚኣትው ኣብኡ ትጽበየና ኣላ። ስለዝኾነ ኸኣ ሕዝበ እግዚአብሔር ኣማልድነታ እንክምሕጸን ‘ኆኅተ ሰማይ ኣፍደገ መንግሥተ ሰማያት’ ለምንልና እናበለ ይምሕጸና። ንሕና ኣብ ጉዕዞ ኢና ዘሎና፡ ኣብ ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ቤትና፡ ሃየኸስ ሎሚ ናብ እኖና ድንግል ማርያም እንክነማዕዱ ኣብቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘለዓለማዊ ሕይወት ነተኲር። እንተደኣ ብሓዊ ተዓዚብና ሓንቲ ከማና ዝበለት ፍጥርቲ ናብቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣተዎ ክብሪ ኣትያ ከምዘላ ንዕዘብ እዚኣ ከኣ እንትርፎ እታ ንመድኀኔ ዓለም ኣብ ከርሳ ዝተሸከመት ካልእ ክትከውን ኣይትኽእልን። በዚ ከኣ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምስቲ ሓዲስ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ እታ ሓዳስ ሔዋን ዝኾነት ድንግል ከምዘላ ንዕዘብ እዚ ከኣ ንኣና ነዞም ኣብዚ ናይ ንብዓት ቆላ ኰና እነማዕዱ ኣን መንፈሳዊ ንግደት ወይ ጉዕዞ እንርከብ ዓቢ ምጽንናዕን ተስፋን እዩ።

በዓለ ፍልሠታ እኖና ድንግል ማርያምከስ ንዓና ንኩልና ብሕልፊ ከኣ ነቶም ብጥርጣሬን ሓዘንን ተፈቲኖምን ጠመተኦም ንላዕሊ ክገብሩ ብዘይምኻሎም ክንዲ ንላዕሊ ናብ ታሕቲ ምድሪ ምድሪ ኰይኑ ንዘሎ ናብቲ ዝበለጸ ሰማያዊ ሕይወት ንክማዕዱው ዝጽውዕ እዩ።  ንሰማይ ንላዕሊ ንጠምት፡ ሰማይ ክፉት እዩ፡ ፍርሒ ኣይምለኸና፡ ሰማይ ርሑቅ ኣይኮነን ከመይ ኣብኡ እትጽበየና ሕያወይቲ እኖ ኣላትና። እዚኣ ኸኣ ኣደ ኩልና እኖና ድንግል ማርያም እያ። ተፍቅረና እያ ብዓቢ ሓልዮትን ጥንቃቄን ከኣ ብክምድይስ ወላዲት ተሰንየና። ከም ማንም ኣደ ንደቃ እተፍቅር ከኣ ተፍቅረና ‘ንስኹም ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚአብሔር ምሩጻት ኢኹም! ንናእሽቱን ግዛያውን መደባትን ዝተፈጠርኩም ከይመስልከኡም ንስኹምሲ ንዓበይቲ ደስታት ሰማይ ኢኹም ተፈጢርኩም` ትብለና። እዚ ከኣ ሓቂ እዩ ከመይ እግዚኣብሔር ጭንቂ ዘይኮነስ ሓጐስ እዩ። እግዚአብሔር ሓጐስ እዩ። ሃየኸስ እኖና ድንግል ማርያም ብኢድና ሒዝና ክተታይየናን ክትመርሓናን ነፍቅደላ። ንመቚጸርያ ኣብ ኢድና ሒዝና ንቅድሚት ገጽና ናብቲ ዝለዓለ ዕላማ ሕይወት ክንስጉም ኣብ እንብገሰሉ ግዜ ከኣ ረዳኢትና እያ።

በዚ ሓወኛ ጽባቔ ክንሰሓብ እምበር ብናኣሽቱ ጉዳያት ሕይወት ከይንሕለል በዚ ከኣ ንዓበይቲ ነገራት ሰማይ ክነማዕዱ ክትድግፈና ነፍቅደላ። ኣፍደገ ሰማይ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ዕለት ዕለት ነታ ሓቀኛ ቤትና ዝኾነት ብተኣማንነትን ናይ ንየዋይ ዓለም ደስታን ክነማዕዱ ንኽንክእል ክትድግፈና ነፍቅደላ ከመይ ኣብታ ንሳ ከም ኣደ እትጽበየና ንሳ ኣብ ዘላቶ እዩ ቤትና።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 August 2019, 18:49