ድለ

2019.08.28 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ 2019.08.28 ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ  

ኣብ ቅድሚ ሱቚ ክንብል ዝእዝዙናን ስምና ዘጸልሙን ክንደሃል የብልናን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣቀድም ኣብ ወርሒ ሰነ ብዛዕባ መጽሓፈ ግብረ ሐዋርያት ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ብምቅጻል ሎሚ እውን ነቲ ብሓዋርያት ዝግበር ዝነበረ ተኣምራት ብምዝካር ‘ኣብ ቊስልታት ሕሙማት ዘሎ ኢየሱስ እዩ ነቶም ክዕቀቡ ደኣ እምበር ክጓነዩ ዘይብሎም ክቡራት ደቂ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ሕሙማት ክንከናኸኖም ዝጽውዓና’ ምስ በሉ ኣብ ፖላንድ ንዝዝከር ዘሎ መበል 80 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣመልኪቶም ከኣ ስለ ሰላም ክንጽሊ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ድሕሪ ዓዲሎምን ናይ ዕለቱ መኽፈቲ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ግብረ ሕዋርያት 5.12.15-16:

“ብኢድ ሓዋርያት ከኣ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ይፍጽሙ ነበሩ። ኩሎም እውን ብኅብረት ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይቕመጡ ነበሩ። . . . ብዝበለጸ እንከ ጴጥሮስ ኪኃልፍ እንከሎ ጽላሎቱ እኳ ኣብ ገሊኣቶም እንተወደቐ ብዝብል ሓሳብ ንሕሙማት ተሰኪሞም ኣብ መንገዲ ኣውጺኦም ኣብ ዓራታውትን ቃሬዛታትን ክሳብ ዜንብርዎም ብጐይታ ዚኣመኑ ብዙኃት ካብ ሰብኡትን ኣንስትን ይውሰኽዎም ነበሩ። ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ካብ ዝነበራ ኸተማታት እውን ብዙኃት ሰባት ንሕሙማትን ርኹሳት መናፍስቲ ዝኃደሮምን እናምጽኡ ዅላቶም እውን ይሓይው ነበሩ።”

ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ትምርቲ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ተመልኪታ እንረኽባ ማሕበረ ክርስትያን በቲ ለጋስ ጐይታ ዘወፍየሎም ዝነበረ ብዙሕ ሃብቲ ይናበሩ ነበሩ። እዚ ከኣ ዕብየት ብዝሒ ኣመንትን ክብዮ ዝወርዶም ዝነበረ ሥቃይን ስደትን ሓጐስን ምዕባብን ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ነበረ። ነዚ ሕያው ናብራ እዚ ንክገልጽ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ መጽሓፈ ግብረሐዋርያት ሓድሓደ ኣገደስቲ ቦታታት እውን ይረቚሕ። ንኣብነት ዚኣክል ‘ብኅብረት ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይቕመጡ ነበሩ’ ይብል።  ገበላ ክንብል እንከላ ሃህ ዝበለ ቦታ ኮይኑ ብላዕሊ ክዳን ኣልይዎ መጽለልን ኣብኡ ትራኸበሉን ኮይኑ ምስክርነት ዝህቡሉ ቦታ እውን ነበረ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዘቅርቦ ዝርዝራት ኣብቲ ንስብከት ሓዋርያት ዝስዕብ ዝነበረ ምልክታትን ተኣምራትን እናኣተኰረ እቶም ሕሙማት ከመይ ኢሎም ይሓይው ከምዝነበሩ ይገልጽ።

ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ናይ ግብረ ሓዋርያት እታ ሽዑ ትውለድ ዝነበረት ቤተክርስትያን ከም ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተደኮነ ሆስፒታል ኰይና ነቶም ድኹማት ወገን ማለት ንሕሙማት ከመይ ኢላ ትቅበል ከምዝነበረት ይገልጽ። ነቶም ወርቂ ይኹን ብሩር ዘይነበሮም ሓዋርያት እቲ ስቃይ ናይቲ ሕዝቢ የጒህዮም ነበረ። ሽሕ’ኳ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ከሕዊ እንከሎ ዝበሎ ወርቅን ብሩርን እንተዘይነበሮም ብስም ኢየሱስ ግን ዝሓየሉ ነሮም (ግሐ 3,6)። ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ናይ ኩሉ ግዜ ክርስትያን እቶም ሕሙማት ብቀዳምነት ነቲ ሠናይ ዜና መንግሥቲ ኣምላኽ ዝቅበሉ ኰይኖም ክርስቶስ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብኦም ዝርከብ ስለዝኾኑ ንሕና ኩልና ንክንረኽቦም ኣብ ኩሉ ዝርከቡ እዮም (ማቴ 25,36.40)። ስለዚኸስ ሕሙማማት ዝኸበሩ ኣካላት ናይታ ልቢ ክርስቶስ እትውንን ቤተክርስትያን እዮም። ናይ ኩልና ምእመናን እዮም። ከይንጋገ ሕሙማት እተወስኖም እተግልሎም ዘይኮነ ተደቢርካ እትከናኸኖምን እትሓልየሎምን እዮም። ሳህሮ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ክኾኑ ዘለዎም እዮም።

ኣብ መንጎ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ጐይታ ዝሃቦ ቅድምያ (ማቴ 16.18) ከምኡ ድሕሪ ትንሣኤኡ ዘልበሶ ተልእኮ (ዮሓ 21.15) ነቲ ጉጅለ ክመርሕ ይረኤ። ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ንሱ እዩ ቀዳማይ ስብከት ዘቅርብ (ግሐ 2,14) ኣብቲ ቀዳማይ ጉባኤ ኢየሩሳሌም እውን ንሱ እዩ ነቲ ጉባኤ ዝመርሕ (ግሐ 15 ገላ 2,1)።

ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብተን ሕሙማት ሒዘን ዝነበራ ዓራታት ይቀርብ ነቲ ሕማማት ከኣ ይለብሶ (ማቴ 8,17 ኢሳ 53,4)። እቲ ናይ ገሊላ ገፋፍ ዓሳ ጴጥሮስ ከስ ከምቲ ናይ መምህሩ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ሕሙማት ይመላለስ ኰይኑ ግን ንሱ ዘይኮነ እቲ ዝግለጽ ካልእ እዩ እቲ ሕያው ዝኾነ ክርስቶስ እናዓየየ ይግለጽ። ንሱ ምስክር ኰይኑ እቲ ዝግለጽን ዝምስከርን ክርስቶስ ይኸውን ነዚ ከኣ ብቃልን ብግብርን ይገልጾ። እዚ ከኣ ጐይታ እቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል ኣብ ታሪኽ ብቀጻሊ ክግለጽ ስለዝደለየ እዩ።

ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ከኣ (ዮሓ 14,12) ጴጥሮስ እቲ መምህሩ ዝገብሮ ዝገብር ብእምነት ናብኡ እናጠመተ ከም ክርስቶስ ይረኤ። ብመንፈስ ጐይታ ተመሊኡ ቅዱስ ጴጥሮስ ምንም ከይገብረ ብማእከል ሕሙማት ብምምልላሱ ጥራይ ጽላሎቱ ከይተረፈ ነቶም ሕሙማት ይፍውስ ጥዕና ይህብ። እዚ ከኣ ናይቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ርሕራሔን ለውሃትን ኣብቶም ሕሙማት ድንን ኢሉ ሕይወትን ድሕነትን ክብርን ይህብ። በዚ ከምዚኸስ ጐይታ ነቲ ኣምሳል ቊስልታቱ ዝኾነ ቊስልታት ደቁ መለኮታዊ ቦታ ርሕራሔ ብምግባር ቅርበቱ ይገልጽ። ኣብ ቊስልታትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ሕሙማት ሽሕኳ ብጥዕና ንቅድሚት ንምስጓም ዝዕንቅጹ እንተኾኑ ወትሩ ኣቊሳል ጐይታ ኣለው ወትሩ ኢየሱስ ኣሎ። ኢየሱስ ኣብኡ ኰይኑ ንነፍሲወከፍና ክንከናኸኖም ክንድግፎም ክነሕውዮም ይጽውዓና ኣሎ።

እቲ ብቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ምሕዋይ ተኣምር ኣብ ሰዱቃውያን ዓቢ ጽልእን ቅንእን ይፈጥር በዚ ከኣ ንሓዋያርያት ይኣስርዎም። ኰይኑ ግን ጐይታ ካብ ቤትማእሰርቲ ብመልኣኹ ገሩ የውጽኦም። ዝገብርዎ ምስ ጠፍኦም ኣፈራሪሆም ከይምህሩ ከልኪሎም ይሰጒዎም። እቲ ዘገርም እዞም ሰባት እዚኦም ሓዋርያት ብጥንቆላን ብካልእ ሓይልን ዘይኮነ ብስም ኢየሱስ ተኣምር እናገበሩ ብዓይኖም ይርእዩ ኰይኑ ግን ክቅበልዎ ኣይደልዩን ስለዚኸኣ ሓንሳእ ይኣስርዎም ሓንሳእ ይገርፍዎም። ብተኣምር ካብ ቤትማእሰርቲ ምስ ወጹ እውን እንተኾነ ክኣምንዎ ኣይደለዩን ልቡ ሰዱቃውያን ከስ ክሳብ ክንድዚ እዩ ደሪቁ ነሩ ነቲ ብዓይኖም ዝርእይዎ ምእማን ክሳብ ዝስእኑ ኰይኖም ነሮም። ኣብ ቅድሚ  ከምዚ ዝበለ ነባሪ ዝመስል ጸገም ቅዱስ ጴጥሮስ መፍትሕ ክርስትያናዊ ሕይወት እትኸውን ‘ካብ ንሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ’ (ግሐ 5,29) ይብል። ምኽንያቱ እቶም ሰዱቃውያን ‘ነዚ ነገራት እዚ ክትብሉ የብልኩም ክተሕውዩ የብልኩምን’ እንበሉ ከፈራርህዎም ምስ ጀመሩ `ኣነ መጀመርያ ካብ ንሰባት ንእግዚኣአብሔር እየ ዝእዘዝ’ ይብሎም እዚኣ ንዓና ንክርስትያን ዓባይ ትምህትን ናይ ኩሉ ግዜ መልስን እያ። ናይዚ ትርጉም ከኣ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ብቀዳምነት ንእግዚኣአብሔር ጽን ኢልካ ምስማዕ ከየውረድካ ከየደየብካ ከይወዓልካ ከይሓድረካ ንእግዚኣአብሄር ምእዛዝ እዚ ከኣ እዩ እቲ ኪዳን ምሳኡ እንኣትዎ። ምስ ኩሎም ኣብ ጒዕዞና እንረኽቦም ሰባት ነዚክንምስክር ኣሎና።

ኣብ ቅድሚ እቶም ሱቚ ክብንል ዝእዝዙናስ ይኹን ኣብ ቅድሚ እቶም ንስምና ዘጸልሙ ወላውን ንሕይወትና ዘስግኡ ንከንደሃል ሓይሉ ክህበና ንመንፈስ ቅዱስ ንለምኖ። ናይታ ፍቅራዊትን ኣጸናናዒትን ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ጐድናና ርግጽነት ክህልወና ውሳጣዊ ሓይሊ ክህበና ንለምኖ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ጻውዒት ሰላም

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ንኩሎም ነጋድያን በብቋንቋታቶምን ብዝመጽዎ ዓድን ሰበኻታትን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ካብ ሃገረ ፖላንድ ንዝመጹ ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ኣብ ሃገሮም ንዝግበር ዝኽሪ 80 ዓመት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣመልኪቶም ስለ ሰላም ክጽለ ሓደራ ኢሎም። እቲ ዝኾነ ኰይኑ እዩ ግን ዳግም ከምኡ ዓይነት ክስተት ክይርከብ ስለሰላም ንጸሊ ኢሎም። እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ሳዕቤን ውግእ ካብ ክቱር ጽልኢ ዝውለድ እንትሮ ዕንወትን ሥቃይን ሞትን ካልእ ሰለዘየለ እዚ ከይድገም ንጸሊ ኢሎም።

ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከምዝዝከር ናዚ ጀርመን ብዕናይ ሎሚ ሰማንያ ዓመት ይገብር ብዕለት 1 መስከረም ንሃገረ ፖላንድ ብምውራሩ እዩ ተጀሚሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
28 August 2019, 17:37