ድለ

ር.ሊ.ጳ ሓደ ሰነድ እንክክትሙ (ካብ መዛግብቲ ስእሊ) ር.ሊ.ጳ ሓደ ሰነድ እንክክትሙ (ካብ መዛግብቲ ስእሊ) 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ንቅዋም ናይቲ ብዮር ዝፍለጥ ተቊዋም ደገፍ ግብረ እምነት!

ብኢስቲቱቶ ፐር ለ ኦፐረ ረሊጅዮሰ ዮር ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዚፍለጥ ንእምነታዊ ተግባራት ዝኸውን ተቊዋም ቊጠባዊ ምሕደራ ቫቲካን ብ1990 ዓም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዓለምለኸ መምርሒ ክካየድን ኦዲት ብደገ ክግበርን ዝእዝዝ ቅዋም ሎሚ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክሕደስ ትእዛዝ ከምዝሃቡ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ ንኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ተግባራት ቤተክርስትያን ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንክሕግዝ ብማለት ብ1942 ዓም ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12  ዝተመሥረተ ተቊዋም ድሕሪ እቲ ብ1944 ዓም ዝተገብረ ምምሕያሻት ክሳብ ናይቲ ብ1990 ዓም ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕዳሴ ቀጺሉ።

ጉዳይ ገንዘብ ተኣፋፊ ብምዃኑ እንተተኻኢሉ ወትሩ ግሉጽነትን ቊጽጽርን ከምዘድልዮ ሥልጣን ካብ ዝሕዙ ዝቃለሱ ዘለው ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ብዙሕ ውሳኔታት እኳ እንተገበሩ ሓዲስ ኣወዳድባን ምሕደራን ንምግባር ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1990 ንዝተገብረ ቅዋም ንምሕዳስ ንክልተ ዓመት ንፈተነ ዝኸውን መምርሒ ሂቦም።

ተልእኮ (ዮር) ተቊዋም ደገፍ ግብረ እምነት

ቅዱስነቶም ነዚ ተሓድሶ እዚ ብዝምልከት ኣብ ዘብርህዎ ዕላማ ዮር ከምቲ መሥራቲኡ ዝመደብዎ ኣይልወጥን እዩ። እዚ ከኣ ‘ነቲ ተግባራት እምነት ብቤተክርስትያን ዝካየድ ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ተባሂሉ ካብ ሰባትን ሕጋውያን ኣካላትን ናብዚ ተቊዋም እዚ ዝተሰጋገሩ ዝተወፈዩን ሓደራ ንዝተዋህቡን ሃብታት ዝንቀሳቀስ ይኹን ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንምምሕዳርን ሓለዋ ንምክያድን እዩ’።

ብደገ ዝግበር ቊጽጽርን ንጽጽርን

ኣብ ኩሉ ቊጠባዊ ሥራሓት ዝግበር ብኦዲት ዝፍለጥ ሓቅነትን ትኽኽክለትን ንምርግጋጽ ዝግበር ንጽጽር ኣብዚ ተቊዋም ክተኣታቶ ብቅዱስነቶም ካብ ዝሕተቱ ሓደ እዚ ኰይኑ እዚ ከኣ ብኪኢላታት ወይን ነዚ ሥራሕ እዚ ፍቃድ ብዘለዎም ትካላት ክግበር እዩ። እዚ በቲ ዓለምለኸ ሕጊ ቊጽጽር ኣታውን ወጻእን ሚዛን ጒዕዞ ንምምዛን ብዝግበር ኣገባብ ንክግበር እዩ። ቊጽጽር ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ኰይኑ ዘይኰነ ኣብ ሠሠለስተ ዓመት ሥልጣኖም ዝልወጥ ወይ ዝሕደስ ሠለስተ ውሽጣዊ ቊጽጽር ዝገበሩ ኣካላት ነሮም። በዚ ሓዲስ ሕጊ እዚ ብወጻእተኛ ዝግበር ቊጽጽር ወይ ኦዲት ነዚኦም ክትክእ እዩ። እዚ ብደገ ዝመጽእ ተቆጻጻሪ ብኮሚሽን ብፁዓን ካርዲናላት ተሰይሙ ንሠለስተ ግዜ ክቆጻጸር እዚ ሓንሳእ ጥራሕ ዝሕደስ ተልእኮ እዩ። ቀንዲ ስርሑ ከኣ ንኩሉ ጸብጻባት ዳግም ምርኣይን ምቚጽጻርን ንኩነታት ናይቲ ተቊዋም ከኣ ሚዛናዊ ፍርዲ ምሃብ ኮይኑ ንኩሉ ናይ ኣታውን ወጻእን ይቆጻጸር ካብቲ ተቊዋም ንዘድልዮ ሓበሬታ ክሓትት ኣውን ሥልጣን ኣለዎ።

ቅርጺ ምሕደራ ዮር! ኮሚሽን ብፁዓን ካርዲናላት

ብመሠረት መምርሒ እዚ ሓዲስ ቅዋም እቲ ትካል ብኣርባዕተ ኣካላት ዝቆመ ክኸውን እዩ። ብቀዳምነት ብር.ሊ.ጳ ዝምረጹ ሓሙሽተ ካርዲናላት ቀንዲ ሓለፍቲ ኮይኖም ኮሚሽን ካርዲናላት የቊሙ። ሥልጣን ናይዚ ኮሚሽን ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት ዝሕደስ እዩ። ብድሕሪዚ ቤት ምኽሪ ተቆጻጻርቲ ይመጽእ።  ቊጽሪ ናይዞም ኣባላት 7 ኰይኑ ብኮሚሽን ካርዲናላት ይሥየሙ። መዝነቶም ንሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ሓንሳእ ጥራይ ክሕደስ ይከኣል። እዚ ቤትምኽሪ እዚ ኣብ ውሽጡ ዝሕግዝዎ ዝመኽርዎ ኮሚቴታት ከቊውም ይኽእል። ናይዚ ቤትምኽሪ ፕረሲደንት ብኮሚሽን ካርዲናላት ዝስየም ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነቲ ትካል ይውክል።

ድሕሪ ኮሚሽንን ቤትምኽርን ዋና ሓላፊ ይመጽእ። ዋና ሓላፊ ብኮሚሽን ካርዲናላት ዝምረጽ ኰይኑ ሥልጣኑ ንሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ሓንሳእ ጥራይ ክሕደስ ይከኣል። ቀንዲ ሥራሑ ከኣ ናይ ኣመሓደርትን ሠራሕተኛታትን ሥነምግባር ምስ መሪሕነት ካቶልካዊ ትምህርትን ተልእኮ ናይቲ ትካልን ዝቃዶ ምዃኑ ምቚጽጻር እዩ።

ራብዓይ ኣካል ናይዚ ቅርጺ ምምሕዳር ኮይኑ ዋና ኣመሓዳሪ ብኮሚሽን ካርዲናላት ተመሪጹ ንሓሙሽተ ዓመት ምስ ሓደ ግዜ ጥራይ ናይ ምሕዳስ ከይዲ ሃልይዎ ዋና ኣመሓዳሪ ኰይኑ ዝምረጽ ዕድመኡ 70 ምስ በጽሐ ሥልጣኑ ከረክብ ኣለዎ።

ምትካእ ኣባላት!

ብመምርሒ እዚ ሓዲስ ቅዋም መተካእታ ዝግበር ብዝኾነ ምኽንያት ንዝጐደሉ ጥራይ ዘይኮነ ዓቅሚ ንዝጐድሎም እውን ይምልከት። ከምኡ እውን ኩሎም ኣብዚ ትካል እዚ ዘገልግሉ ካልእ ተወሳኺ ሥራሕ ከካይዱ ፍቃድ የብሎምን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሓዲስ ቊዋም ብዘመልክቶ ንቤትምኽርስ ይኹን ንካልእ ጒባኤታት ቃለ ጉባኤ ዝእክብ እንኮ ዋና ጸሓፊ ንክኸውን ይእዝዝ።

እዚ ትካል እዚ ክንዮ እዚ መምርሒ እዝን ቍዋምን ብመምርሒ ሕገ ቆኖና እውን ከምዝምእዘዝ የመልክት።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 August 2019, 18:56