ድለ

ሕይወት ክርስትናን ክሓድር በሃልነትን ክሰማምዑ ኣይክእሉን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 18 ነሐሰ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ቅድሚ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ‘ብግብዝና ኣይንንበር እንታይ ደኣ ነቲ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝሕመረቱ ወንጌል ኣብ ጭቡጥ ኩነታት መስክሩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰበት ዕለት 18 ነሐሰ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃ 12.49 ኮይኑ ‘ኣብ ምድሪ እሳት ክመልስ እየ ዝመጻእኩ፡ ኣካ ድሮ ነዲዱ ከም ኮነ! ዝጥመቖ ጥምቀት ኣሎኒ፡ እዚ ኽሳብ ዚፍጸም ድማ ዓቕለይ ብዝኅ ይጸበኒ ኣሎ። ኣብ ምድሪ፡ ሰላም ክህብ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም? ኣይኮነን፡ ፍልልይ ደኣ፡ እብለኩም ኣሎኹ።’ ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገበርዎ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ቦንጆርኖ ምስ በሉ ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ሂቦም።

         ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ነርድእቱ ናይ ውሳኔ ሁመት ከምዝበጽሐት የዘኻኽሮም። ናብ ዓለም ምምጻኡ ቆራጽ ውሳኔ ናይ ምግባር ግዜ ምዃኑ በዚ ከኣ ወንጌላዊ ምርጫ ይጽንሓለይ ዘይትብሎ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ቆራጽ ውሳኔ ኣብ ግዜኡ ምግባር ከምዘድሊ ይነግሮም። ነዚ ጻውዒቱ ብዝበለጸ ንክርድእዎ ከኣ ብምሳሌ ሓዊ ይናገሮም። ነዚ ሓዊ እዚ ናብ መሬት ንከምጽእ ምእንታኡ ከምዝመጸ ይነግሮም። ኣንጺሩ ከኣ ‘ኣብ ምድሪ እሳት ክመልስ እየ ዝመጻእኩ፡ ኣካ ድሮ ነዲዱ ከም ኮነ!’ (ሉቃ 12.49) ይብሎም።   እዘን ቃላት እዚአን እቶም ሓዋርያት ዝኾነ ዝምባሌ ትህኪትስ ይኹን ሃረርታ ዓለማዊ ነገራትን ሸለልትነትን ወጊድ ኢሎም ነዚ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝገልጽ ሓዊ እዚ ሃንጐፋይ ኢሎም ክቅበልዎ የዘኻኽሮም። እዚ ሓዊ እዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዘዘኻኽረና ‘ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ፈሲሱ እዩ’ (ሮሜ 5.5)። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ ንእግዚኣአብሔርን ንብጻይናን ከምእነፍቅር ዝገብረና መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ ከኣ ኩልና ኣብ ውሽጥና

ኢየሱስ ነዕርኽቱ ከምኡ እውን ንዓና ልቡ ንዘቃጽሎ ሃረርታ ይገልጸልና! እዚ ኸኣ ናብ ምድሪ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ሓዊ ከምዘምጸኤን እዚ ሓዊ እዚ ከኣ ንሕይወት ወሊዑ የድሕን ዝደሓና ሰባት ከኣ ይገብረና። ንዓናውን ነዚ ሓዊ እዚ ናብ ዓለም ክንዝርግሕ ይዕድመና። በዚ ከኣ ሓቀኛ ሓዋርያቱ ከምዝኾና ክንፍለጥ ኢና። እዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ብመንጎኝነት መንፈስ ቅዱስ ዝትወልዔ ናይ ፍቅሪ ሓዊ ደረት የብሉን ንኩሉ እዩ። ካብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ጀሚሩ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዝረኤ ዝነበረ። ምስክርነት ወንጌል ከም ኣዎንታዊ ባርዕ ሓዊ ንኩሉ ግላዊ ምምቅቃል ግለሰባትስ ይኹን ምጉጅጃል ማሕበራትን ሕዝብታትን ሃገራትን ሰጊሩ ናብ ኩሉ ይበጽሕ። ምስክርነት ወንጌል የቃጽል  ንኩሉ ናይ ምፍልላይ መንፈስ ኣቅጺሉ እታ ፍቅሪ ንኩሉ ክፍቲ ይገብራ ምናዳ ከኣ ንድኽታትን ንዝተጓነዩን የቀድም።

 ነዚ ኢየሱስ ዘምጽኦ ናይ ሓዊ ፍቅሪ ምቅባል ንመላእ መንነትናን ህላዌናን ውሒጡ ናብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ከምኡ እውን ኣገልግሎት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይጸምደና። እታ ቀዳመይቲ ንእግዚኣአብሔር ኣምልኾ ምቅራብ ኰይና ትርጉማ ከኣ ንጸሎት ኣምልኾ ምምሃር እዩ። ነዚ ግን ብዙሕ ግዜ ንዝንግዖ። በዚ ኣጋጥእሚ እዚ ንኩልኹም ንጸሎት ኣምልኾን ስግደትን ምስጋናን ጣዕሙ ክትፈልጡ እሞ ወትሩ ክተምልኹን ክትሰግዱን ክትጽልዩን እላቦ። እታ ካልአይቲ ከኣ ኣገልግሎት ብጾትና እያ። ብዙሓት ማሕበራትን ጒጅለታት መንእሰያትን ኣብዚ ናይ ዕረፍቲ ሓጋይ ንሕሙማትን ድኻታትን ስንኩላንን ክሕግዙ ዝገብርዎ ወፈያ ብኣድናቆት እዝክሮ። ብመንፈስ ወንጌል ንምንባርከስ ነቶም ዕለት ዕለት ዘጓንፉና ሓደስቲ ጸገማት ብሓዲስ መንፈስ ፍቅሪ ክምልሹ ዝኽእሉ ኣርድእቲ ክርስቶስ ከምዝህልው ምግባር እዩ። በዚ ከምዚኸስ ብኣምልኾ እግዚኣአብሔርን ብእገልግሎት ብጾትናን ወንጌል እቲ ዘድሕን ሓዊ ካብ ናይ ነፍሲወከፍና ለውጢ ልቢ ጀሚሩ ንዓለም ምሉእ ዝልውጥ ሓዊ ፍቅሪ እግዚእብሔር ምዃኑ ይግለጽ።

         ብመንጽር እዚኣ ከኣ ነታ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል እንረኽባ ካልአይቲ ጉዳይ ክንርዳእ ንኽእል። ‘ኣብ ምድሪ፡ ሰላም ክህብ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም? ኣይኮነን፡ ፍልልይ ደኣ፡ እብለኩም ኣሎኹ’ (ሉቃ 12.51)። እዘን ቃላት እዚአን ንመጀመርያ ክትሰምዔን ከሎኻ ከሰንብዳ ይኽእላ። ከመይ ብሓዊ ገረ ክፈላሊ እየ መጺኤ ይብል። እዚ ምፍላይ እዚ ግን ጽቡቅ ካብ ሕማቅ ቅኑዕ ካብ ዘይቅኑዕ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ምፍልላይ እዚ ጸገም ይመጽእ ግን ዘሕዊ ጸገም እዩ። ከመይ ካብ ኣእምሮ ኣርድእቱ ነቲ ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኩሉ ጥዒሙካ ኣራጢጥካ እትነብረሉ ዝብል ሕልሚ ሕይወት ክርስትናን ዳርጋ ናብ ጥንቈላ ገጹ ዝዝነበለ እምነት ኣልዩ ግብዝና ቦታ ከምዘይብሉ ይገልጸሎም። እትገብሮ ምርጫ ዋጋ ከምዘኽፍል እዚ ከኣ ቅንዕናን እትብሎን እትዛረቦን ዝሳነን ክኸውን ከሎ እዩ። ነፍሲወከፍና ከኣ እዚ ሓሳብ እዝን እዚ ቅንዕና እዝን ክህልወና ኣብ እንገብሮ ምርጫ ሓቀኛታት እንብሎን እንገብሮን ዝሳነ ኸውን ኣለዎ።  ርግጽ ዋጋ የኽፍል እዩ! እዚ ከኣ ንወንጌል ብቅንዕና ተቀቢልካ ኣብ ግብሪ ምውዓል ምምስካር። ሓቀኛ ክርስትያን ብጭቡጥ ብግብሪ ንወንጌል ኣብ ምምስካር ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ፍቅሪ ብጾትን ብግብሪ ምግላጽ እንክብሉ ምስ መሃሩ ‘ቅድስተ ቅዱሳን ዝኾነት ማርያም ንልባትና በቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሓዊ ንክጸሪ ክነፍቅድ ተሓግዘና በዚ ከኣ ንሕይወትና በቲ እንገብሮ ወሰንትን ተባዓትን ምርጫታት ሕይወትና ነዚ ፍቅሪ እዚ ክነስፋሕፍሕ ክንክእል ኢና’ ኢሎም ጸልተ መልአከ እግዚኣአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 August 2019, 19:04