ድለ

2019.03.16 Progetto Ospedale Papa Francesco 2019.03.16 Progetto Ospedale Papa Francesco 

ብስም ፍራንቸኮስ ናብ ዞባ ኣማዞን ዝተላእከት ሆስፒታል መርከብ ቃል ኣምላኽን ሓለዋ ጥዕናን ተብጽሕ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነታ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 17 ነሓሰ 2019 ዓምፈ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና በለም ዶ ፓራ ናይ ሃገረ ብራዚል ብሰላም ዝኣተወት ‘ሆስቢታል-መርከብ’ ኣመልኪቶም፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ሰዲዶም።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

እታ ኣቐዲማ ካብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ዝተላእከት ብስም ፍራንቸስኮስ እትጽዋዕ ‘ሆስፒታል-መርከብ’፡ ብሰላም ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና በለም ከምዝበጽሐት እንክንገር፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብተን ብፈለግ ጥራይ ክብጽሓ ዝኽእላ ከባቢታት ናይ ኣማዞን ኣገልግሎት ክትህብ ክትጅምር ምዃና ተፈሊጡ።

ኣብ’ቲ ነታ ሆስፒታል-መርከብ ንምቕባል ዝተገብረ ናይ እንቋዕ ሓጎሰና ሥነ-ስርዓት፣ ካብ ቅድስነቶም ዝተላእከ መልእኽቲ ‘ኣነ ምሳኻትኩም ሓቢረ ዕግበተይን ሓጎሰይን እናገልጽኩ፡ ንኣምላኸይ ኣመስግን’ ድሕሪ’ሎም፡ ቀጺሎም’ውን ‘እዛ ሆስፒታል-መርከብ፡ እቲ ፈውሲ ነፍሲ ዝኾነ ቃል ኣምላኽን፡ ፈውሲ ሥጋ ዝኾነ መድሃኒትን፡ ናብ’ቶም ኣብ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪ.ሜ ዝበጽሕ ዝርግሐ ዘለዎ ከባቢታት ኣማዞን ዝቕመጡ፡ ውጹዓትን ርሱዓትን ሕዝቢ፡ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተላእከት እያ’ ምዃና ሓቢሮም።

ቅድስነቶም ኣስዒቦም፡ እዚ ተበግሶ’ዚ ጭቡጥ ኣካል ናይ`ቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልናዮ ተልእኾ ወንጌል ኮይኑ፡ ንዕላማ ናይ ጉባኤ ኣቡናት ኣማዞን ዘራጉድ’ውን እዩ ኢሎም። ብዘይካ’ዚ ቅዱስ ኣቦና፡ ነቲ ተበግሶ፡ ቀጻልነት ናይ`ቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ስብከተ-ወንጌልን ምፍዋስ ሕሙማንን ዘረጋግጽ ቅዱስ ስራሕ ምዃኑ ብምስማር፡ ንምልኣት ሕይወት ናይ ወድ-ስብ ዝጽዕት ዘሕብን ስራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ቅድስነቶም ኣብ መልኽቶም፡ ነቲ ተበግሶ ምስ ምስሊ ቤተክርስትያን ብምምስሳል፡ እዛ ሆስፒታል-መርከብ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ብዘይ ቅድመኩነታዊ ኣፈላላይ ኣብ ማያዊ ክፍሊ እተገልግል፡ ኣካል ናይ ተልእኾ ቤተክርስትያን ከም ዝኾነት ሓቢሮም።

  ናይ እምነትን ሓድነትን ምልክት

እዚ ኣብ ማያዊ ክፍሊ ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ ነቲ ኢየሱስ ብእግሩ ኣብ ባሕሪ እንክጓዓዝ፡ ነቲ ማዕበል ብምግሳጽ ጸጥ ዘበሎ’ሞ፡ ብኡ መጠን ከኣ እምነት ደቀ-መዛምርቱ ክብርትዕን ክዓብን ዝኸኣለ፡ እዛ ሆስፒታል-መርከብ’ውን፡ ኣብ’ቶም ንዕድሎም ክነብሩ ዝተረስዑ ድኻታትን ሽጉራትን፡ ህድኣትን ምጽንናዕን ከምተምጽእ ጥርጥር የብለይን ኢሎም።

ቅድስነቶም ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ኣካል ናይ’ቲ ምልክት እምነትን ሓድነትን ዝኾነ ቅዱስ ተበግሶ፡ ኣቡን ናይ ሃገረ-ስብከት ኦቢዶስ ብራዚል፡ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዶ ባህልማንን ፍራንቸስካውያንን ብምምስጋን መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል
20 August 2019, 19:44