ድለ

ካብ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ መእሰያት ኣባላት ጸያሕያነ-ፍኖት ማሕበር ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡ እዮም ካብ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ መእሰያት ኣባላት ጸያሕያነ-ፍኖት ማሕበር ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡ እዮም 

ካብ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ መእሰያት ኣባላት ጸያሕያነ-ፍኖት ማሕበር ምስ ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡ እዮም

ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ቀርሎን መጠዶስን ናይ ቅዱስ በነዲክቶስን በዓል ኖርቻን ናይ ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚን ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ኣሰር ተኸቲሎም ማሕበራዊ ጉዕዞ ፈጺሞም እቶም ቅዱሳት ብቓልን ሕይወትን ዝሃብዎ ኣብነትን ዘውረስዎ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዳግም ንምልላይን ንምንባርን ንምምስካርን

ካብ ዕለት 27 ሓምለ ክሳብ ዕለት 3 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ካብ 20 ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ ጸያሕያነ-ፍኖት መንእሰያት ብሓባር ንኽላለዩን ተመክሮታቶም ንኽለዋወጡን እቲ ናይ ሓባር ናይ ባህልን መንፈሳውን ኣናስር ብሓባር ንዳግማይ ርኽበት ናይ ሰሙን ማሕበራዊ ሕይወት ንኽነብሩ ብዘለዎም መደብ መሰረት ዕለት 3 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን መርሕ ቃል ክቕበሉ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ካብ 16 ክሳብ 21 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ኣባላት ማሕበር ጸያሕያነ-ፍኖት (ስካውት) ብሓባር ኣብቲ ዘሕብሮምን ዝቋደስዎን ኣብ ክርስቶስ ዝተማእከለ መንፈሳውነት ብሰላምን ብሕውነትን መንፈስ ንኽነብርዎን ክምስክርዎን ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ኣርባዕት ክፍለ ዓውዲ መራኸቢ ተመዳዲቦም ድሕሪ ዝነብርዎ ማሕበራዊ ተመክሮ ኣብ ዞባ ኡምብሪያን ኣብሩዞን ቶስካናን ላዚዮን ድሕሪ ዘካይድዎ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዕለት 3 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክርከቡ እዮም።

ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ቀርሎን መጠዶስን ናይ ቅዱስ በነዲክቶስን በዓል ኖርቻን ናይ ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚን ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ኣሰር ተኸቲሎም ማሕበራዊ ጉዕዞ ፈጺሞም እቶም ቅዱሳት ብቓልን ሕይወትን ዝሃብዎ ኣብነትን ዘውረስዎ ክርስቲያናዊ ባህሊ ዳግም ንምልላይን ንምንባርን ንምምስካርን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ርክብ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡

ዕለት 3 ነሓሰ 2019 ዓም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብ ዘዕርገው መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልገሰሎምን እዩ።

ካብ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ 5 ሺሕ መእሰያት ኣባላት ጸሓያነ - ፍኖት ማሕበር ምስ ር.ሊ.ጳ.
18 July 2019, 16:56