ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ማሕበራዊ ሕቶ ጥራሕ ዘይኰኑስ ቅድም ቀዳድም ሰባት እያቶም

እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጐይታ ኣሜን ዝብል ሓለቓ ሙክራብን እታ ሕማም ዝሓደራን፡ ዘቕርብዎ ሕቶ ካብ ሕማምን ሞትን ናጻ ንኽወጹ ዝብል እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ብምኽንያት ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ስደተይናታት ትእምርቲ ንጽገትን ተረፈ መረፍን ኩሉ ናይቲ ዓውሎማዊ ሕብረተሰብ እያቶም፡ ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን፡ እቶም ኣብ ስደተይናታት መዳጐኒ ሰፍር ዝዕመጹን ነቲ ከቢድ ማዕበል ዝብድሁን፡ ኢየሱስ ኣፍቅርዎምን ካብቲ ዝወደቕሉ ኣተንስእዎም ዝብለናን እያቶም ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ኵሉ ስደተይናታት ማሕበራውን ዛዕባ ስደት ዝምልከት ሕቶ ቅድሚ ምዃኖም ሰባት እያቶም፡ ናይቲ ዓውሎማዊ ዓለም ከም ተረፍ መረፍ ናይ ዝሓስቦ ኵሉ ትእምርቲ እያቶም፡ ነቶም ተስፋ ሰኒቖም ብሩህ መጻኢ ንኸናድዩ ካብ ድኽነትን ዓመጽን ውግእን ዘምልጡ መዋዕለ ሓበሬታን ቁጽርን ተገይሩ ዝንገረሎም እናሓሰቡ፥

ግዚያዊ መእለዪ ስደተይናታት፡ ቀዋሚ መእለዪ ምስ ዝቕኸውን ግዚያዊ ክትብሎ ጌጋ እዩ

ኣብቲ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ሰላሳን ኣርባዕተን ስደተይናታት ትፋእ ብሕሪ ከይኖም ዝተረኸበሉን ስዒቡ እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓም. 366 ስደተይናታት ዝተሳፈሩላ ንእሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ዝጠሓሉን ኩሎም ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምኽንያት ኣብ ላምፐዱዛ ምብጻሕ ዘካየድሉ ዕለት እናሓሰቡ፡ ካልኦት እውን እቶም ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳ ዝሃልቁን ብብዙሓት ዝታለሉን ዝዕመጹን፡ ኣብ ናይ ስደተይናታት መጽንሒ - መዳጐ ሰፈር ኣደዳ መግረፍትን ዓመጽን ዝዀኑን፡ ማዕበላት ባሕሪ ዝብድሁን ኣብዚ ጉዕዞ ባሕሪ ዝሃልቁን፡ እቶም ኢየሱስ ኣፍቅርዎም ኣተንስእዎም ዝብለና ትሑታት ኣሕዋትና ኣሓትናን እያቶም።

ሓልዮት ኣብ መንጐ ስደተይናታት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ በሸሓት ዝቑጸሩ ቀድሚምን ድሒሮምን ዝተሰዱ ኣብ ቀረባ እዋን ኢጣሊያ ዝኣተዉን፡ ኣብ መንጐኦም ዝነብርዎ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ምኽንያት ኣመስጊኖም፡ … ብላቲን ስርዓት ዝተነበ ናይ ዕለቱ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 28 ካብ ፍቕዲ 10-22፡ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 9 ካብ ፍቕዲ 18-26 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም፡

ጐይታ ነቶም ኣብ መከራን ጸበባን ስሙ ንዝጽውዑ ኣመንቲ ጸግዕን መዕረፍን እዩ፡ እቲ ዓለም ዘቕርበልና ውሕስነት ዋጋ ኣልቦ ምዃኑ ምስ እነስተውዕል ብጀካ እግዚኣብሔር ካልእ ማንም ከምዘይብልና ነስተውዕል፡ ጸሎትና ንጹሕ ይኸውን ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር በራት ሰማያት ዘርህው እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ፡ ዘድሕን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ።

ኢየሱስ ዘየጓንይን ኵሎም እቶም ንኡሳንን ትሑታንን ክፍቀሩ ዝብልን

እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጐይታ ኣሜን ዝብል ሓለቓ ሙክራብን እታ ሕማም ዝሓደራን፡ ዘቕርብዎ ሕቶ ካብ ሕማምን ሞትን ናጻ ንኽወጹ ዝብል እዩ፡ እታ ሕማማ ንጽግትን ዝተሓረገትን ዘይንጽሕትን ተገይራ ክትሕሰብ ዝደረኻን እናሓሰቡ ኢየሱስ ዘየጓንይ እዩ ቢሎም፡ እቲ ሓለቓ ምኵራብ ኰነ እታ ሰበይቲ ጸገማቶምን ኵነታቶምን ክፍቀሩ ዘለዎም ትሑታት የብሎም።

ኢየሱስ ንደቀመዛሙርቱ እቶም ትሑታት ኣብ ምንባር ናይ ፍቕሪ ስራሕ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ከምዝዀኑ ይሕብሮም፡ ኣማራጺ ኣይኰኑን፡ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብልዎ ኣብ ኣዋንና ዝተፈላለየ ዓይነት ድኽነት ኣሎ፡ ድኽህነት… ድኻታት፥ ዝተናዕቁን፡ ዝተነጸሉን ውጹዓትን ህሙማንን ትሑታትን ኣብ ሕብረተሰብ ናይ መወዳእታን ውዳቕን ተገይሮም ዝሕሰቡ ..

ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ላምፐዱዛ

ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ላምፐዱዛ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እናሓሰቡ፡ እቶም ገዓሮም ናብ ጐይታ ዘቕርቡ ትሑታት ወትሩ ኣብ ዝኽሮምን ሓሳቦምን ቀዳምነት ከዘለዎም ኣረጋጊጾም፡ ካብ ዝዀነ ይዅን መዓትን፡ ስቅያትን መቑሕን ክፋእን ናጻ ክወጹ እምሕጸን፡ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ዘስመሩሉ ሓሳብ እውን ክኸውን እንከሎ፡

እቶም ድኻታትን ትሑታትን ዝተናዕቁን ኣብ ምድረ በዳ ንኽሃልቁ ዝተጠንጠኑን፡ ኣብ ፈቖዶ መዳጐኒ ሰፈር ዝሳቐዩን ዝግረፉን ዝዕመጹን፡ እቶም ኣብቲ ዘየብቅዕ ክነሱ ግዜኣዊ መእለዪ ስደተይናታት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ሰፈር ዝሕደጉ፡ እዚኣቶም ካብቶም ኢየሱስ ከነፍቅሮምን ከነተንስኦምን ካብ ዝሓተና እያቶም!

ስደተይናታት፥ ዓውሎማነት ተረፍ መረፍ ቢሉ ናይ ዝነጽጐም ትእምሪ እያቶም

ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትናን ህልውናን ብዝተናዕቁን ዝተሓርጉን ከም ተረፍ መረፍ ብዝሕሰቡን ዝተዓመጹን ውጹዓትን ዝምዝመዙን ዝተጠንጠኑን ድኻታትን ዝሳቐዩን ዜጋታት ዘዕለቕለቐ እዩ፡ ኢየሱስ ኣብ ናይ ጐቦ ስብከቱ ብፁዓን ዝብሎም፡ ዝሳቐዩ የጸናንዕ ምሕረት ይጽግው፡ ጥምየቶም ይዕንግል ዘለዎም ጽምኢ ፍትሒ የርውይ፡ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦኣዊ ሓልዮት ክስምዖም ይገብር። ንኣኣቶም ከይዲ ናብ መንግስተ ሰማያት ይሕብሮም።

ስደተይናታት ማሕበራዊ ወይ ዛዕባ ዝስደት ዝምልከ ሕቶ ዘይኰኑ ሰባት እያቶም፡ ቅድም ቀዳድም ሰባት እያቶም፡ ሎሚ ናይቲ ዕውሉም ሕብረተሰብ ከም ተረፍ መረፍ ናይ ዝሓስቦምን ከም ውዳቕ ናይ ዝሓስቦምን ትእምርቲ እያቶም፡

ትሑታት ናብ ጐይታ ንኸብሉ ዝሕግዙ መላእኽቲ

ቅዱስ ኣቦና፥ እቲ ቀዳማይ ናይ ዕለቱ ምንባብ ዘዘንትዎ ናይ ያዕቆብ መሳልል እናሓሰቡ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ምድርን ሰማይ ተረጋጊጹን ውሑስን እዩ፡ ኩሉ ዝበጽሖ፡ ንኹሉ ዝዀነን፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ዘራኽብ መሳልል ስጉሚ ብስጕሚ ንኽትድይቦ ጻዕርን ድኻምን ጸጋን ይሓትት፡ ድኻታትን ትሑታት ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ክድገፉ ኣለዎም።

ኣንሕና እቶም ኣብቲ መሳልል ነቶም ትሑታትን ድኻታትን ስንኩላንን ህሙማንን ዝተነጸሉን እናሓቖፍና ኣብቲ መሳልል ንላዕሊ ዘደይቡን ነቶም ዝተረፉ ንላልዕሊ ንኸብጽሑ ከምዝወርዱን መላእኽቲ ኰይንና እንተንርከብሲ ክንደይ ዓቢይ ሓጐስ ምፈጠረለይ፡ እንተዘይከነ ድሕሪት ክተርፉ እያቶም፡ ሓሳርን መካራን’ዛ መሬት ምንም ጩራ ሰማይ ገና ብዓንተውኡ ከየማዕደዉ ክተፉ እዮም።

ኣብ ናይ ድሕነትን ሓርነትን ተልእዀ ምትሕብባር

ዓቢይ ሓላፍነት እዩ፡ ካብቲ ኢየሱስ ንተሳታፍነት ካብ ዝጸዋዓና ናይ ድሕነትን ሓርነትን ተልእዀ ገዛእ ርእሱ ከርሕቕ ኰነ ኣይምልከተንን ቢሉ ኣልቦ ሓላፍነት ክስምዖ ዝኽእል ማንም የልቦን፡ ኣብዚ ተልእዀ ተሓባበርቲ ንኽንከውን ኢየሱስ ይጽውዓና እንክብሉ ዝለገስዎ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም። [ Audio Embed ስደተይናታት ማሕበራዊ ሕቶ ጥራሕ ዘይኰኑስ ቅድም ቀዳድም ሰባት እያቶም]

 

08 July 2019, 18:05