ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣፍሪቃን ማዳጋስካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣፍሪቃን ማዳጋስካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣፍሪቃን ማዳጋስካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት

ቤተ ክርስቲያን-ስድራ ቤተ እግዚኣብሔር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኢዮበልኪ ኣብዕሊ! መድሕንኩም ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ቅዋሚኡ ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝተኣከበ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ካብ ዕለት 20 ሓምለ ክሳብ ዕለት 29 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ወንጌል ልኡኻን ኣብ ምዃን ሰጉሙ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዳርግቲ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዘቕርብ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን-ስድራ ቤተ እግዚኣብሔር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኢዮበልኪ ኣብዕሊ! መድሕንኩም ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓውደ ጉባኤ፥

ሕውነታዊ ሱታፌ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎን ኣብ ኡጋንዳ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ቢያንኮ ኣብ ዝተነበ መልእኽቶም፡ ንዅሎም ነቶም ንናይ ኣርብዓ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣርብዓ ልኡካን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዝተዓደሎ ጸጋታት አመስግን፡ ብፍላይ በቶም ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ ዕለት 2 ነሓሰ 1969 ዓ.ም. ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ብቕዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ፍቓድ ቆይሙ ኣብ ዘሕለፎ 50 ዓመታት ቅዋሜኡ ስለ ዝተዓደሎ ጸጋ ሕውነታዊ ሱታፌ አመስግን ኢሎም።

ህርኩት ጻዕሪ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ኣብታ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱላ ሃገረ ኡጋንዳ ንዝተኣከበ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣብቲ ዓቢይ ተልእዀ ወንጌላውነት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክበራታዕ ጸሎትም ምዃኑ ገሊጾም፡ ወንጌል ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ሕይወት ክሰርጽን በዚ ኣገባብ’ዚ ናብ ካልኦት ዝቐርብ ህያው ኣስፍሆተ ወንጌል ክኸውን ተመንዮም፡ ንኹሎም ተጋባእያን ሰላምን ሓሴት ኣብ ጐይታ መቕድም ዝገበረ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ቡራኬይ እመሓላልፍ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

መደረ ዋና ጸሓፍ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሩጋምብዋ

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖሮታዘ ሩጋምብዋ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር መልእኽቲ ኣብቲ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት መበል 18 ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ኣቕሪቦም፡ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ንኣፍሪቃ ናይ እግዚኣብሔር ምልክታ ኣብ ምዃን ክጸንዕ ኣተሓሳሲቦም፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዓቢይ ሓይሊ ክኸውን ከምዝኽእልን ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜኡ ንምብዓል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 18 ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃን ንሕዝቢ ኣፍሪቃን ናይ ተስፋ ምንጪ ንእትኸውን ቤተ ክርስትያን ንመንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕዳሴ ንኸስተንትን ዝድርዀ ዓቢይ ምልክታ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣፍሪቃን ማዳጋስካን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት
23 July 2019, 16:28