ድለ

ሲመት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ሲመት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን  

ሲመት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን

ኣብ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ኣግልግሎትን ዝዋፈሩን፡ ኣብ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ናይ ዝካየድ ዝነበረ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኪደት ቅዱስቲ መንበር ኣወሃሃዲ ኰይኖም ዘገልገሉ

ሎሚ ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማተዮ ብሩኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ንኽዀኑን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ግዚያዊ ሓላፊ ኰይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ኣለሳንድሮ ጂሶቲን ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲን ምኽትል ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ንኽዀኑ ከምሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማተዮ ብሩኒ ሓላፍነቶም ብወግዒ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ክጅምሩ እዮም። ብሩኒ ዕለት 23 ሕዳር 1976 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወልዱን ብቋንቋን ስነድርሰትን ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንዛ መንበረ ጥበብ ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኰይኖም ምግልጋል ከምዝጀመሩን፡ ካብቶም ቅዱስ ኣቦና ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋፍያዊ መገሻ ዘሰንይ ጉጅለ ኣባል ከምዝዀኑን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ኣብ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱን ኣብ ናይ ሰብኣዊ ኣግልግሎትን ዝዋፈሩን፡ ኣብ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ናይ ዝካየድ ዝነበረ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኪደት ቅዱስቲ መንበር ኣወሃሃዲ ኰይኖም ዘገልገሉን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ሕጻንን ክዀኑ እንከለዉ ቋንቋ ጣልያንን እንግሊዝይናን ስፓይኖሎን ፍረንሳን ዝዛረቡን እውን ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ክሳብ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ናይ ኣገግሎት ስልጣኖም ንዝጸንሑን ንጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲን ምኽትል ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ንኽኰኑ ብቕዱስ ኣቦና ከምእተሰምዩ ኣፍሊጡ።

ሲመት ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሃን
18 July 2019, 17:04