ድለ

ማተዮ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወስታኦም ዝዝንተዉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማተዮ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወስታኦም ዝዝንተዉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ 

ማተዮ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወስታኦም ዝዝንተዉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን ብጠቕላላ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልግል ድምጺ ቅድስቲ መንበር እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ንኽዀኑ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩን ሓላፍነቶም ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ዝጅምሩ ማተዮ ብሩኒ ምስ ቫቲካን ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየደዎ ቃለ መሕትት፡ ቅድም ቀዳድም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዘሕደሩሎም እምንቶን ነዚ ሓላፍነት’ዚ ብቑዕ ቢሎም ስለ ዝሓረይዎም ኣመስጊኖም እዚ ሲመት ኣገልግሎት ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅድስቲ መንበር ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ስርሒት ብምውህሃድን ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠናታት ዝካየድ ዘተ ብምምራሕ ዘገልገሉን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፍትን ግዚያዊ ሓለፍን ምስ ዝነበሩ ብስምረት ዝተሓባበሩ ዝነበሩን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃገረ ቫቲካን ፍጻሜታትን ብቐረባ ናይ ዝከታተሉ ልኡካን ጋዜጠይናታት ዕዮ ብምውጣን ዘገልገሉ እዮም።

ስለ ሲመቶም ክገልጹ እንከለዉ፡ ንዓይ ዓቢይ ክብሪ እዩ፡ ንኣይን ንታሪኸይን ዕዮታተይን ምስ ብጾተይ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ንዝፈጸምክውዎ ዕዮ ኩሉ ዘድንቕን ዘኽብርን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕለይ ዘንበርዎ እምንቶ በሪኸ ክርከብ ናይ ኩሉ ምትሕብባርን ጸሎትን የድልየኒ ቢሎም፡ እዚ ሲመት ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ውሽጣዊ ዕዩ ክብሪ ዝህብን ዘለዎ ሰብኣውን ፍልጠታውን ሃብትታት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ብቅዱስ ኣቦና ድላይን ብኣኦም ተመሪሑ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝረጋገጽ ንዘሎ መደብ ሕዳሴ ጭቡጥ ምልታ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሙያዊ ሕይወተይ ብዙሕ ጻዕቒ ስራሕ ዝተመልኦ እዩ ዝነበረ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ዝጥቀስ ሓላፍነትን ኣይንበረኒ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዓቢይን ንእሽተይን ዝበሃል ሓላፍነት ዘይኰነ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ሱታፌ ከከም ጸዋዕታኻ ምውሳእ እዩ ዘሎ፡ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልግል ሓላፍነት እዩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን ብጠቕላላ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልግል ድምጺ ቅድስቲ መንበር እዩ። ኣብዚ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት እቲ ዘሎኒ ተመርክሮ ድዩ ከም ኣቦ ስድራ እውን ዘሎኒ ሓላፍነትን ብበዓልቲ ቤተይን ብናይ ጓለይን ፍቕሪ ተደጊፈን ብመሳርሕተይን ኵሎም ምትሕብባርን ዝሳለጥ እዩ፡ ገና ካብ ንእስነተይ ምስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምንቅስቓስ ዝነበረኒ ተዋሳእነትን ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታት ሮማን ህልውናን ኣብ ዝካየድ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት እውን ተሳታፊ ከምዝነበሩን እዚ ዅሉ ተመክሮ’ዚ ኣብቲ ዝተወሃበኒ ሓድሽ ሕላፍነት ዓቢይ ደገፍ እዩ ቢሎም፡ ምስቲ ኵሉ ዘሎኒ ተምሳጥ ሎሚ ነታ ካብ ኣናስራ ናይ ኩሉ ብፍላይ ንድኻታት ሓላፋ ንእትብል ቤተ ክርስቲያን ፍልይ ብዝበለ መገዲ ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን ብምግልጋል ንኽነብሮ እጽዋዕ ኢሎም።

ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅድሚ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ደሓር እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ንክሰርሕ ዕድል ሂቦምንን ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ተሳታፊ ኰይነን ደሓር እውን ምስ ናይ ግረግ ቡርከን ፓሎማ ጋርሲያ ኦቨኸሮን ኣመራርሓ ተዋሳኢ ኰይነን ድሓር እውን ምስቶም ዕለት 21 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓልፍነቶም ንዘብቅዑ ዘለዉ ዓርከይን መሳርሕተይን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ብልቢ አመስግን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ማተዮ ብሩኒ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ, ብወስታኦም ዝዝንተዉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ
19 July 2019, 17:43