ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ዘይተገሃስነት ናይ ኑዛዜ ምስጢር ምስጢራውነት ቅድስቲ መንበር፥ ዘይተገሃስነት ናይ ኑዛዜ ምስጢር ምስጢራውነት  

ቅድስቲ መንበር፥ ዘይተገሃስነት ናይ ኑዛዜ ምስጢር ምስጢራውነት

እዚ እቲ ዘስካሕክሕ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ዘይብሎም ብገለገ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓቢይ ገበን ዘመኽንይ ወይ ከኣ ዕሽሽ ክበሃል ዝብል ኣይኰነን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ቃል እዩ

ናይ ቅስቲ መንበር ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ሰራዪን ዓቢይ ሓላፊ ቤት መእረምን ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸዛ ብዛዕባ ምስጢረ ኑዛዜ ምስጢራውነትን ስቱርነትን ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ካህን ናይ ምስጢረ ንስሓ ጐይታ ዘይኰነስ ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጽሞ ስርዓተ ምስጢር እዩ ስለዚህ ማንም ብፖለቲካዊ ይኹን ብሓጋጊ ተገብግሶታት ክውንኖ ዝከኣል ከምዘይኰነ ኣብቲ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ዘይተገሃስነት ምስጢረ ኑዛዜ ዝምልከት ተሓቲሙ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 30 ውስጣዊ ጉባኤን ተጋባኣያን ኣስታት 700 ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ምስተለገሰሎም፡ ብዛዕባ ውስጣዊ ጉባእያውነትን ዕቃቤ ምስጢረ ኑዛዜን፡ ዘይተገሃስነት ምስጢራውነቱ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዘውጸኦ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንፈቸስኮ ጸዲቑን ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ሰራዪ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛን ብህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ክርይስዝቶፍ ንይካይል ክታም ዝተነብሮ ሰነድ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔ ክሕበር እንከሎ፡

እቲ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፥

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፡ ናይ ምስጢረ ኑዛዜ ውሳጣዊ ጉባእያውነት ባህርዩ ኣዘኻኺሮም ንሱ ከኣ እቲ ኣብ መንጐ እግዚኣብሒርን ምእመን ዝካየድ ውስጣዊ ርክብ ዝምልከት እዩ፡ እቲ ባህርኣኡ ከምዚ ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሕ እዋን ካብ ወጻኤ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ እውን ክዝጋዕ ንርእዮ፡ ውሳጣዊ ጉባኤ (ዘተ) ብትኽክል ክስትውዓል ዘለዎ ባህርይ ናይ ኑዛዜ ምስጢር እዩ፡ እዚ ስቱርነቱ ዘይገሃስ ምስጢር ምዃኑ እዩ ዘመላኽት፡ እዚ ነቲ ናይ ዕርቂ ምስጢር ዋሕስ እዩ ኢሎም።

ዘይገሃስ ዕቃበነት

ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ (ቤተ መእረሚ) ናይ ምስጢረ ኑዛዜ ዘለዎ ምስጢራውነትን ዘይገሃስ ናይ ሕልና ዕቃበነትን ክብሪ ክግመት ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ብዙሕ እዋን ንምርዳኡን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብኣሉታዊ መገዲ ዝረአይ ይኸውን፡ ኣብ እዋናዊ እዚዩ መራኸቢ ብዙሓንን ምዕባለ ዕደ ጥበብን መራኸቢ ብዙሓን ንድልያ ሓቂ መጋበርያ ምዃን ብዝብል ትምሳለኣዊ ኪደት ዘይምራሕ ኣፈጻጽማኡ ሓሶት ይዅን ሓቂ ብዘየገድስ ዜና-ወረ ብምግናን ወይ ብምንእኣስ ከከም ውልቃዊ ረብሓታት ብዝዝርግሕ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዓበለ ሕብረተሰብ ግምት ብምሃብ ዝተደርሰ ሰነድ ምዃኑ የብርሁ።

ዝንሳሕ/ዝናዘዝ ምስ እግዝኣብሔር እዩ ዝዛረብ

በዚ ህልው ኩነታት’ዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሕግን ፍትሕን ስርዓት ምስቲ ናይ ሃገራት ግልጽነት ቅንዕናን ኣገባብ ዝብል ኪደት ሕግን ፍትሕን ዝሰማማዕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ግምት ብምሃብ ናይ ምስጢረ ኑዛዜ ስቱርነት ወይ ዕቃበነቱ ብዘይ ምንም ዓይነት ፍሉይነት ኣብ መለኰታዊ መሰልን ክብርን ዝጸንዔ ፍጹም ዘይገሃስ ምስጢራዊ ማሕተም ምዃኑ ዳግም ንምሕባር ኣገዳሲ ይኽውን፡ በዚ መሰረት’ዚ ምስጢራዊ ስታሮ ምስቲ ሙያዊ ስታሮ ክደናገር የብሉን፡ ንኣብነት ሓኪም ወይ ናይ ሕጊ ጠበቓ ናይ ገዛእ ርእሱ እቲ ሙያ ዝሓቶ ምስጢረ ዕቃቤ ስርዓት ኣለዎ፡ ተናዛዚ ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ ንእግዚኣብሔር እዩ ዝዛረብ፡ ስለዚህ ፖለቲካዊ ይኹን ወይ ናይ ሕግን ፍትሕን ተግባር ናይ ምስጢረ ኑዛዜ ማሕተም ብምንም ዓይነት ተኣምር ወይ ሓይሊ ክግህስ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ፡ እንተዘይኰነ እቲ ብነፍሲ ወከፍ ሃገራት ሕጋውነት ዘይሓትት libertas Ecclesiae - ናይ ቤተ ክርስቲያን ናጽነት ምግሃስ እዩ ዝኸውን

ምንም ዓይነት ልዝዝብ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ፡ ናይ ግብረ ገብ ናይ ሕግን ፍትሕን ካብ ወጻኢ ምስጢረ ኑዛዜ ማለት ውሳጣዊ ጉባኤ ካብ ምስጢረ ኑዛዜ ወጻኢ ዝፍጸም ምስ ዝኸውን እዚ ንገዛእ ርእሱ ብሕገ ቀኖና መሰረት ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልዩ ዕቃበ ክህልዎ ይምልከት፡ ዕቃበ ምስጢር ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ባህርይ እዩ፡ እዚ እቲ ዘስካሕክሕ ኣብ ልዕሊ ሕጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ኣብ ዘይብሎም ብገለገ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ዓቢይ ገበን  ዘመኽንይ ወይ ከኣ ዕሽሽ ክበሃል ዝብል ኣይኰነን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ቃል እዩ።

እቲ ሰነድ ምስጢረ ማሕትም ምክልኻልን ናይ ምስጢረ ኑዛዜ ቅዱስነቶም ምስ ግብረ እከይ ብሓባር ክነብር ዘይከኣል ምዃኑ የነጽር፡ እዚ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ምስጢረ ንስሓ ቅርጺ ዘሎ እዩ፡ እዚ ንቕቡልነቱን ሕጋውነቱን ኵነት ምዃኑ የብርሁ።

ቅድስቲ መንበር፥ ዘይተገሃስነት ናይ ኑዛዜ ምስጢር ምስጢራውነት
02 July 2019, 16:42