ድለ

ስምየት ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ስምየት ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ 

ስምየት ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ

ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ካንካናማላጀ ኣብ 1966 ዓ.ም. ደሓር ካቶሊክ እምነት ዝተቐበላ ካብ መበቆለን ሰዓቢት ሃይማኖት ቡድሃ ካብ ዝነበራ ኣደ ዝተወልዱ

ብፁዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲትሁዋኩ ካንካናማላጀ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከማተሰምዩ፡ ብፁዕ ኣቡነ ካንካናማላጀ ኣብ ስሪ ላንካ ናይ ሰበኻ ካህን 53 ዓመት ዝዕድመኦም ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘብ ምግልጋል ከምዝነበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ካብ ተልእዀኡ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘዛትይን እዚ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ንምግባርን፡ ምስጢረ እግዚኣብሔር ንምስትውዓልን እዚ ምስትውዓል’ዚ ንናይ ድሕነት ዘተ መሳለጢ ክኸውን ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ብፁዕነቶም ምስ ዩካነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ አካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ብሰፊሕ ይገልጹ፡

ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ካንካናማላጀ ኣብ 1966 ዓ.ም. ደሓር ካቶሊክ እምነት ዝተቐበላ ካብ መበቆለን ሰዓቢት ሃይማኖት ቡድሃ ካብ ዝነበራ ኣደ ዝተወልዱን 2002 ዓ.ም. ናብ ሮማ ተቐይሮም ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ተልእዀ መምህር ኰይኖም ዘገልገሉን ዕለት 12 ሰነ 2012 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ተሰምዮም፡ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ ናቶም ዋን ጸሓፊ ዝነበሩ ተወላዲ ስፐይን ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ክዝከር እንከሎ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ካንካናማላጀ ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ዕለት 3 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ከምዝሰመይዎም ካስተሊ ሓቢረን።

እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ’ዚ ብጳውሎስ ሻድሻይ ብመንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ 1964 ዓ.ም. በዓለ ጰራቅሊጦ ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ዝቖመን ብፍላይ ዘለናዮ ዘመን ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ነታ ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተደርሰት ናይ መድሕን ተልእዀ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽእቲ ከም ሜላዊ ኣገባብ ዝኽተል ኰይኑ 30 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ብኣባልነት ዝሓቑፍን 50 ብዝተፈላለየ መዳይ ሃይምኖትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሊቃውንቲ ዝዀኑ መማክርት ኣባላት ዘለውዎን፡ ምስ ሃይማኖት ምስልምናን ንናይ ኣፍሪቃን እስያን ዝምልከትን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሓደስቲ ሃይማኖታት ዝዝትይ ብውሽጡ ዘመሓድሮም ንኡሳን ኣባይቲ ጽሕፈት ዝሓቁፍ ከምዝዀነ ካስተሊ የዘኻኽራ።

እቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝካየድ ዘተ ዝኸታተል ፍሉይ ድርገት ከምዘለዎን፡ እዚ ድርገት’ዚ ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ዋና ጸሓፍን ካልኦት ሸሞንተ መኣክርት ዝሓቁፍ ምዃኑ ካስተሊ ኣዘኻኺረን። 

ስምየት ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ
03 July 2019, 17:00