ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ መፍትሒ እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ መፍትሒ እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ መፍትሒ እዩ

እቲ ኣብ መክሲኮ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፥ ኣቐዲምካ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ላቲን ኣመሪካ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ክሳብ ዕለት 26 ሓምለ ናብ ዝካየድ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ናብ ዝዝትይ ዕለት 20 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናብ ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምክልኻል ትሕቲ ዕምደ ሕጻናት ዕቱብ ሕቶ እዩ፡ ኵላትና እቲ ንቤተ ክርስቲያን ናብ ዓቢይ ሕፍረት ዘብጸሓ ኣባላታ ዝፈጸምዎ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና፡ ማንም ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ከይፍጽም፡ ምስ ኢየሱስ ንኸይራኸቡ ማንም ከይዕንቅጾምን፡ ዝብል ሓሳብ ዝተሰምሮ ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ መክሲኮ ናብ ዝካየድ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ኣብ ዝብል ስነ ምርምር ዝተፈላለየ ክፍሊ መጽናዕቲ ዘዛትይ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡

ኣቐዲምካ ምክልኻል

ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ መጽናዕቲ ንሕጻናት ማንም ከይጐድእን ኣብ ልዕሊኦም ናይ ወሲብ ዓመጽ ከይፍጽም ንዝግበር ጉዕዞ ኣገዳሲ እዩ፡ ገዳማዊ ይኹን ዓለማዊ ምእመን ድዩ ጳጳስ እውን ሕጻናት ምስ ኢየሱስ ንኸይራኸቡ መገዲ ኣብ ዘሰናኽልሉ እዋን፡ ግዜ ብዘይ ምጥፋእ ብቑልጡፍ ክእገዱን ዝፈጸምዎ ጸረ ሰብኣዊ ገበን እንተሎ ዋጋ ክኸፍሉን፡ ብፍላይ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክልለየ ይግባእ።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቐዲምካ ንምልክኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ከምቲ ዶን ቦስኰ ሕጻናት ካብ ዝተፈላለየዩ ሓደጋ ንምክልኻል ናብ ሓደጋ ንኸየብሉ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ውሳኔን ሕንጸትን የድሊ ከምዝብሎ፡ እዚ ኣብ ዘመነ ብርሂን ብዙሕ ህየሳ ዘጓነፎ እውን እንተነበረ፡ እቲ ንሱ ዘበገሶ መደብ ዝነበሮ ክብሪ ዓቢይ እዩ፡ ማንም ኣብ ልዕሊ ሓደ ሕጻን ዓመጽ ከይፍጽም፡ ነቲ ሕጻናት መገዱ ዘስሕት ... ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ከይፍጸም ዝድግፍ እዩ።

ሕንጸት ኣብ ስነ ኣቐዲምካ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

እቲ ኣብ መክሲኮ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፥ ኣቐዲምካ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ኣብ መክሲኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንኮ ኮፖላ፡ እዚ ኣብቲ መንበረ ጥበብ ኣብዚ መዳይ ዘተኰረ ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ዋና መቀመጢኡ ምስ ዝዀነ ማእከል ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብምትሕብባር ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ መደብ ሕንጸት ብናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምርምር ሊቕ ኣባ ዳኒኤል ትረቪዞ ፖርቲሎ ዝምራሕ ኰይኑ፡ እዚ ማእከል’ዚ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፥ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ከይፍጸም ኣቐዲምካ ኣብ ምጥንቃቕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ከሰናደው ምዃኑ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ውሳኔ መሰረት ኣብ መክሲኮ ኣብ እትክረብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 16 ሓምለ 2019 ዓ.ም.  ስለ እቶም ብኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝዀኑ ሕጻናትን ዜጋታትን ከምእተጸለየ ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንጸረ ናይ ወሲብ ዓመጽ መፍትሒ እዩ
22 July 2019, 17:26