ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማኒያ ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማኒያ ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማኒያ ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ

ምስ ደቂ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ካህናት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሮማኒያ ግላዊ ርክብ ከምዘካየዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ካብ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ዘለዉ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሩማኒያ፡ ናይ ዕለት 31 ግንቦት ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሓዋርያዊ መገሻኦም መርሓ ፍጻሜታቶም  ኣጠናቒቆም ንምሕዳሮም ቡካሬስት ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተን ሓምሳን ደቓይቕ ምስ በጽሑ፡ ኣብኡ ምስ ኣባላት ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሩማኒያ ግላዊ ርክብ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ቡካሬስት ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ንምሕዳሮም ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕንጻ ሰዓት ሽዱሽተን ሓምሳን ደቓይቕ በጺሖምን ንሓደ ሰዓት ዝኽውን ምስ ደቂ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ካህናት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ሮማኒያ ግላዊ ርክብ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኢየሱሳውያን ካህናት 14 ሩመናውያን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 22 ክምዝዀኑን፡ ኣብቲ ርክብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣማኻሪ ኣባ ባረቶን ከምኡ እውን ንናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሩማኒያ ዘጠቓልል ዞባ ኤውሮ ሜዲትራኒያን ሓለቓ ኣባ ማታራዞ እውን ክምእተሳተፉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሮማኒያ ምስ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ

Photogallery

ምስ ደቂ ማሕበሮም ኣባላት ኢየሱሳውያን ካህናት
01 June 2019, 17:42