ድለ

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ተጋባእያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር መበል 41 ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ብናይቲ ውድብ ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ኾሴ ግራዚያኖ ዳ ሲልቪያን ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ንኽትክእዎም ብዝተሓርዩ ሓድሽ ተኸታሊኦም ቻይናዊ ኵ ዶንግዩ ዝተሰነዩ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጥምየት ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ፡ ጥሜት-ባዶ ዝብል ኩሉ ዝስተይ ጽሩይ ማይ ክረክብን ስእነት መግቢ ብምውጋድን ዝብል ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውብድ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተዓትሩ ስጉምትታት እውን ንምጥቃስ ዝከኣል እተዀነ እቲ መደብ ሎሚ እውን ዓቢይ ብድሆ ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሰነ 2019 ዓ.ም. ንተጋባእያን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን መበል 41 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መርሓዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡

ናይ ኣሕዋት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰን ክብርን ምኽባር

ኣብ ዓለም ናይቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ጥምየትን ስእምነት መግብን ዘሀልዎ መሰረታዊ ምኽንያት ኣለሊኻ ንምውጋዱ ዝድግፍ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኣገዳስነት ዝገለጹ ቅዱነቶም፡ ብፍላይ ዘይምትሕልላይን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኤ ምጉዳልን ዝብል ዘይተገዳስነትን ነቲ ዓለም ሓቆፍ ግዴታ ዘቕርቦ ሕቶ ከምቲ ዝጠልቦ ዘይርከብ ማሕበራውን ፖለቲካዊ ፍቓድን እንከመምልክቱ፡

ስእነት መግብን ስእነት ዝስተይ ጽሩይ ማይን ናይ ድኻታት ሃገራት ውሽጣውን ንድኻታት ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ሕቶ እይኰነን፡ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ብቀጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ብኣገባባትና ናይ ኣሕዋት ስቓይ ክህልው ዝገብር ኩነት ኣብ ምፍጣር ንሳተፍ ንኸውን፡ ስለዚህ ኩላትና ናይቶም ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ኩነት ናይ ዝርከቡ ኣሕዋትና ገዓር ጽን ክንብልን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ተሓሊሎም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ተቐባልነት ዝረክብን ዝትግበርን መስፈርት ንምቕራብ ዝተጸዋዕና ኢና፡

ናይ ሓድሽ ወለዶ ሓላፍነት

ምብኻን ንምንካይን ምውጋድን ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ሓላፍነት ኣስተውዕሎ ምዕባይን ከምዘድልን፡ ሓድሽ ወለዶ ነቲ ኣብ መጻኢ ንዝስዕቦ ተካኢ ትውልዲ ዘሕዝን ጐዳኢ ማሕበራዊ ኵነት ነዊሕ ተቐባልነት ረኺቡን ጸርካዮ ምንባርን ዝብል ምርጫ ጠሪሹ ተቐባልነት የብሉን ዝብል ገቢራዊ ምስክርነት ንኸውርስ ዘብቅዖ ናይ ሓጺርን ናይ ነዊሕን መደብ ምሕንጻጽ ዘለዎ ኣድላይነት ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መንጐ ጥምየትን ስደትን ዘሎ ርክብ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣስዒቦም፡ ኣብ መንጐ ምህድራዊ ምዝባዕን ዘይምርግጋእን ኣልቦ ውሕስነት መግብን ጸኣት ስደተይናታትን ዘሎ ምትእስሳር ከመላኽቱ እንከለዉ፡

ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዝርአይ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ጸኣት ስደተይናታት ናይ ሓደ ሃገር ጸገም ናይ መላእ ስድራ ቤት ፍጥረት ሰብ ሽግር ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ስለዚህ ኣብቲ ተኣፋፊ ዝዀን ከባቢ ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት ከባቢ ናብቲ ዝነበሮ ሰናይን ቀጻልነቱን ብምሕያል ምንቕቓሕ የድሊ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሃብቲ ገንዘብ ብምውፋርን ዕደ ጥበብ ብምምዕባልን በቲ ሓደ ከኣ ሓዳስን ተሓባባርን ምዕባለን ዝድግፍ ፖለቲካ ምሕንጻጽ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውድብን ናይ ካልኦት ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ዕላማ

በቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገልጸ ሓሳብ መሰረት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ዘለወን ዓቢይ ግደ ምስትውዓል ይከኣል፡ ማለት ብቕዓት ዘለዎ ግብኡ ዝዀነ ጽኑዕን በሊሕን ንዅሉ ዝውሕስ ብፍላይ ንድኻታት ናይ ሓባር ሰናይን ሃብቲ ተፈጥሮን ተጠቀምቲ ንኽዀኑ ዝድግፍ መምርሒ ምሕንጻጽ የድሊ፡ እዚ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ዕላማ ብመንግስታትን ብናይ ግልን ብበርገሳውያን ማሕበራትን ክድገፍ ኣለዎ፡ ቅድስቲ መንበር ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ብምትሕብባር ጥምየትን ስእነት መግብን ካብ ምድሪ ዓለም ንምጥፋእን ብሉጽ መጻኢ ንዓለምን ሰብኣዊ ፍጥረትን ውሑስ ንምብጋር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ደገፋ ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ዝለገስዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ተጋባእያን
28 June 2019, 18:05