ድለ

ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ሩማንያ ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ሩማንያ 

ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ሩማንያ

…. ኣብዚ ንኽንሓባርን ብሓባር ውህበትን ውበትን ንኸነስተውዕል ኣብዚ ምስትውዓል’ዚ ኩላትና ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዝጸወዓና መንፈስ ቅዱስ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ጃካብኣንታል ሃዝ ርእሰ ሰበኻ ምሳሕ ተቛዲሶምን ምስ 10 ናይታ ሰበኻ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኣባላት ተራኺቦም ሰዓት ሰለስተን ዓሰርተ ደቓይቕ ተሰናቢቶም ድሕሪ ናይ 161 ጉዕዞ ኤሊኮፕተር ኣብ ያሺ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተዉ ብናይ ያሺ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፐትሩ ግሀርገልን ናይታ ከተማ ከንቲባን ርእሰ ዞባ ያሺን ህይነተ መንግስትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ንግስት ብተራዳኢ ጳጳስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም መስቀለ ክርስቶስ ምስ ተረከቡ ናይታ ካቴድራል ቆሞስ ብዝኸፈቱሎም ካልኣይ ኣፈት ኣቢሎም ኣትዮምን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ዓጽም ሰማዕት ብፁዕ ኣንቶን ዱርኮቪቺ ናይ ጽሞና ጸሎት ኣዕርጎም ድሕሪ ጸሎትን ምብራኽን ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ቅዱስነቶም ናብ ፊት ሕንጻ ባህሊ ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ንኽራኸቡን ቃለ ምዕዳን ንኽልግሱ ተረኺቦም፡

ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ሩማንያ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሓደ መንእሰይን ሓንቲ ስድራ ቤትን ምስክርነት ቀሪቡን መዝሙር ምስ ተሰምዔ ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 1. 12-14፡ 2, 1-4, 14-18 ኣብ ጸሎት ይጸንዑን ሕቡራትን ነይሮም፥  ዝብል ሓሳብ ቀንዲ ማእከል ዝገበረ ንባብ ምስ ተነበ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ሞዳን፥

ስለ ኣቲ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዕለት 1 ሰነ መዓልቲ ወለዲ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑን መርሕ ቃሉ ከኣ ናይ ኩሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ባህልን ሃገርን ወለዲ ቀዳሞት እውነተይና ሓነጽቲ ሕጻናት እያቶም ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም፡ ንዅሎም ወለዲ ብጣቕዒት ሰላምታናን ፍቕርናን ንግለጸሎም ምስ በሉ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቅድስተ ማርያም ክትሕልዎምን ኩሉ ስለ ናይ ሕጻናት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰልን ክብርን መጻኢን ክዓዪ ነማላድነት ንጸልይ ኢሎም።

ኣብቲ ርክብ ካብ መላእ ዝተፈላለያ ዓሌትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ደረጃ ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝተዋጽኡ ሩመናውያን ክምእተረኸቡ ዝተንገሮም ምዃኑ ኣውን ሓቢሮም፡ ክንየው ሩማኒያ ካብ ሞልዳቪያን ምእመናን ተጠቀምቲ ቋንቋ ስሳንጐን ፖላንድ ራሻን ከምዝርከቡ ኣውን ኣዘኻኺሮም …. ኣብዚ ንኽንሓባርን ብሓባር ውህበትን ውበትን ንኸነስተውዕል ኣብዚ ምስትውዓል’ዚ ኩላትና ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዝጸወዓና መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ብሓባር ምጉዓዝ ማለት ዓብላልነት ዘይብሉ ኩሉ ብተመክሮኡን ቋንቁኡን ባህሉን፡ ምርኻብናን ውህደትናን ኣብ ፍልልያትናን፡ እዚ እዩ ጽባቔ፡ ከምቲ ካብ ግብረ ሓዋርያት ኣብ መኽፈቲ እዚ ርክብና’ዚ ዝተነበ፡ ጴንጠቆስጣዊ ተመክሮ፡ ተመክሮ ናይቲ መንፈስ ቅዱስ ናይ ኩላትና ፍልልያት ዝሓቑፈሉን ናይ ነፍሲ ወከፍና እወታዊ ዝንባለታት መሰረት ገይርና ናይ ተስፋ መገዲ ንኸንርህው ሓይሊ ይህበና፡ … ብሓባር ምጐዓዝ ቀሊል ኣይኰነ፡ ይኹ ደኣ እምበር ኣብዚ ኪደት ብሁባሬ፡ ሓይሊ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ እዚ ጸጋ’ዚ ካብ መንፈስ ቅዱስ ንሕተት! …

ስርወ መሰረትና ንኸይንዝንግእ ክንራኸብን ምራኻብን ኣገዳሲ እዩ፥ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ጢሞተዎስ ናይ ኣዲኡን ኣደ ሓጐኡን እምነት ክዕቅብ ዝምዕዶ፡ ምዕባይን ካልእ ተመክሮ ኣብ ምኽዕባት እውን ንረኸብ እቲ ካብ ወለድን ስድራ ቤትን ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ጽባቔን ኣግራሞትን ሓደራ ከይነምክን፡ …. ኣዴኻን ኣደ ሓጐኻን ዝነገረትካን ዘመሕላለፈትልካን እምነት ኣይትረስዕ እታ ተራን ገርሄይናን ግና ጽንዕትን ተራርን ዝዀነት ንቕድሚት ናይ ምባል ቅልጽም  ኣእዳውካ ከይዝሕትል ዝገብር ሓይሊ እትረኽበሉ … ስለ እታ ኣብ ቤት እትመሓላለፍን እትንበርን እትምስከርን እምነት ቤት ነመስግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ገዛ ዝስንከት ህብስቲ ምቁር ዝኸውን፡ ኣብ ገዛ እትስራሕ እምነት … ጥልቅን ውቅብትን ምቁርን እዩ። ኣብ ቤት ናይ ውላድን ፍቑር ውላድ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ተመክሮ እተስተማቕረሉ፡ …. መንፈስ ክፍኣት ይገማምዕ ይበታትን ዘይምስምማዕ ተጻብኦነትን ዘይምትእምማንን ይዘርእ ..

ከም መረብት ዘራኽበና ዘተኣሳስረናን መንፈሳዊ ህልው እዩ፡ ክንራኸብን ክንደጋገፍን ዝለዓለ ሕድ ሕዳዊ ምፍላጥ ንኽህሉ ዝድግፈናን፡ ይዅን ደኣ እምበር ንዅላትና ዘራኽበና ረቛሒ ሰርወ ሰረትና እዩ፡ ኣብ መንጐና ሕድ ሕዳዊ ኣካላውነት ዘሎናን ናይቲ ሓደ ሕይወት ኣብቲ ናይቲ ሓደ ሕይወት ዘመልሓቐ እዩ፡ ሕድ ሕዳዊ ተማራዃስነት ዘሎና፡ …. ሕድ ሕዳዊ ኣካላውነት ዘሎና ናይ ሓደ ሓሴት ናብ ካልእ ዝመሓላለፍ፡ ሓሴት ተላገብ ምስ ዝኸውን፡ ሓጐሰይ ሓጐስካ ዝዀነሉ፡ …. ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኵሉ በለያ በሎን ልበ ወለድን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብዛዕባ ሓደ ተወላዲ ሩመንያ ባሕታዊ ቅዱስ ታሪክ ጠቒሶም፡ እዞም ቅዱስ ባሕታዊ ናይ ዓለም ፍጻሜ መዓዝ እዩ ዝብል ሕቶ ይቐርበሎም እሞ፡ ንሶም፥ ናይ ዓለም መወዳእታ ካብ ጐረቤት ናብ ጐረቤት፡ ኣብ መንጐ ጥቓውነትና ዘራኽብ መገዲ ክጠፍእ እንከሎ እዩ ቢሎም ከምዝመለሱ ሓቢሮም፡ ማለት ክርስቲያናዊ ፍቕርን ሕውነታዊ ምርድዳእን ምስ ዘይሁሉ ሽዕኡ ናይ ዓለም መወዳእታ እዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ፍቕርን ብዘይ እግዚኣብሔርን ሰብ ኣብዛ ምድረ ክነብር ዝከኣል ኣይኰነን።

ኣብ ገዛእ ርእስና ንኽንዕጸውን ተስፋ ክንቆርጽን ዝተዃቱዀና ብዙሕ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ካብ ምንጻል ዴሰታውነትን ሕይወት ካብ ምንባር ዘድሕነና ናይ ነፍሲ ወከፍና ሰናይነት ዘጠጥዕን ፍርያም ዝገብርን ተዃቱዀ ካብ እምነት እዩ ዝነቅል። ዋላ ኣብ እዋን ካብ ርሁው መገዲ ዝተሓላለኸ መገዲ ጥራሕ ኣብ እንርእየሉን ካልኦት ናይ ምግልጋል ጉዕዞ ዘልምስን ኣክንዲ ናጽነትና ብምጥቃም ንናይ ፍቕርን ንወጅህን ንጥማተን መደብ እነዅልካ ካብ ምባል ዘልምስ ዓለም ካብ ዘመላኽቶ ሲረና ወይ ጫውጫው ናይ ጐይታ ውሁድ ቅንይት ድምጺ ይብርትዕ። ንፍቕርን ንወጅህን ንጥማተን መደብ ሕራይ ምባል ናጽነት እዩ፡ ኣብ ኪደት ዘሀልወናን መሰናኽላት ንኽንሰግርን ደቅን ኣሕዋትን ኣብ መዃንና ዘሎና ጥምረት እዚ ናጽነት’ዚ እዩ።

ብሓባር ንኽንጓዓዝን እቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብዘይ ፍቕርን ብዘይ እግዚኣብሔርን ሰብ ኣይክነብርን እዩ ዝብል ናይ ነብይ ሕልሚ ናትና ንኽንገብሮ ዘብቅዓና መገዲ ንጽረግ፡ እዚ ማለት ግና ዓበይቲ ዕማመታት ምሕንጻጽን ምቕራብን ማለት ዘይኰነስ ኣባኻ እምነት ንኽትዓብይ ምፍቓድን ብቓል ዘይኰነ ብግብሪ እቲ ካብ ኣዴታትናን ኣደ ሓጐታትናን ዝተመሓላለፈልና እምነት ምንባር ማለት እዩ።

ኣብቲ ጫውጫውን ሁከትን ዘለሉ ጽን ምባል ኣብቲ ምድንጋር ዘለሉ ንስኒት ዘንቃዕርሩን ስኒት ኣስተንፍሶ ዝገብሩን፡ ኣብቲ ጽልግልግታ ዘለሉ ብሩህነት ኣብቲ ምንጻል ዘለሉ ምክፋል ኰይናን ንረኸብ፡ ኣብቲ ስምዔታውነትን ኣብቲ ህጹጽ መራኸቢ ብዙሓንን ንኸተስተንትን ህሞት ዘይህብን ውህደትን ምውሃድ ዘገድሶም ኰይና ንረኸብ፡ ኣብቲ ኣብ ዓመጽን ኣጥቃዕንትን ዘለሉ ሰላም ኣብቲ ሓሶት ዘለሎ ሓቂ ዘቕርቡን፡ ብዅሉን ኣብ ኵሉን እቲ ናብቲ ደቅን ኣሕዋትን ናይ ምዃን ሕድ ሕዳዊ ኣካላውነትና ዘመላኽተና መገዲ ሓለፋ ዝብሉ ንዅን ቢሎም መላእ መንእሰያት ንሓለዋ ማርያም ነወክፍ ቢሎም ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።

 

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ሩማንያ
01 June 2019, 17:55