ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ቃለ ምዕዳን ለጊሶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ልኡካን ሰዓት 11.30 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ቅዱስነቶ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ነቲ መጻኢኡን ተስፋኡን ናይ ዝዝመት ዘሎ ሕዝቢ ገዓር ጽን ክበሃልን ነቲ ሰላም ዘንቃዕርር ዘሎ ህዝብን መንእሰያትን ዝቐርብ ሓገዝ ክብ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ስቓይ መላእ ዓለም ከምዘሎን፡ ሶሪያን ዒራቕን ኡካርያንን ቅድስቲ መሬትን ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ኣፍሪቃዊ ስደተይናን፡ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን ኩሎም ዝሓስቡ፡ ኤውሮጳ ነተን ዝተራቓ  ምህርቲ ኣጽዋር ውግእን ንዘንቀሳቕሳ መራኽብ ክፉት ክትገብር፡ ዝጠመየን ካብ ውግእን ዓመጽን ዘምልጥ ሓጋዚ ንዝሰኣነ በራተን ክዓጽዋ ብሓቂ ዘሕዝን ክብ ምዃን ሓሊፉ ነቶን ተነቀፍትን ትሑታትን ድኻታትን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ዕለት ብዕለት ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ገይሮም ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ባህሊ ክሓንጽ የተሓሳስቡ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብምኽንያት መበል 92 ዓመት ሓፈሻዊ ምሉእ ኣኼባ ንዝሳተፉ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብምቅላሕ፡

ኣብ ሶሪያ ስግኣት ከቢድ ቅልውላው ሰብኣውነት

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ክውንታውነት ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከምእተራኸቡን ዘኪሮም እቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ብዙሓት ተስፋኦም ናይ ዝምንዝዑ፡ ብጽልእን ዓመጽን ምኽንያት ዝነብዕን ዝሳቐይን ሕዝቢ ጽን ዝብል ክኸውን  ጻውዒት ኣቕሪቦም። በደልን ዓመጽን ንዘነቓቕሑ ቁጣዔ እግዚኣብሔር ከምዘይድንጉይን፡ ናይ ውግኣ ኣጽዋር እናቕረቡ ብዛዕባ ሰላም ዝዛረቡ፡ ብሓቂ እዚ ዓቢይ ሓጢኣት ምዃኑ የብርሁ።

ኣብ ዒራቕ ማሕበራውን ሰብኣውን ረብሓ ምሕናጽ

ቅዱስነቶም ኩነታት ዒራቕ እናሕሰቡ፡ ዓመጽን ውጥረትን ዘይተፈልያ ምዃናን ኣብታ ሃገር ንናይ ሓባር ጥቕሚ ክስራሕን ኣተሓሳሲቦም ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ከካይዱ እውን ዓቢይ ድላይ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ኡክራይን፥ ተስፋን ሰላምን

ኣብ ኡክራይን ዘሎ ህልው ኩነታት ጠቒሶም፡ ሕዝቢ እታ ሃገር ብሰላም ክነብር ዘኽእሎ ዕድል ክፍልጠረሉን፡ ምእንቲ ሰላም እቲ ከባቢ ኩሉ ክተባባዕ እውን ይምዕዱ።

ኣብ ቅድስቲ መንበር፥ ኩሉ ብሰላም

ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዅሉን ናይ ኵሉን ዝዀነ ሰላም ክሕነጽን ናይ ኵሉ ናይቲ ከባቢ ተቐማጢ ህዝቢ መሰልን ክብርን ዘኽብር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጹ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብቐዳምነት ነዚ ዕላማ’ዚ ክተግሃ ሓደራ ይብሉ። …

ኤውሮጳ በራት ባሕራ እትዓጽው ክፍለ ዓለም

ቅዱስ ኣቦና ናይቶ ብዙሓት ካብ ውግእን ዓመጽን ጥምየትን ዘምልጡን ናብ ኤውሮጳ ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ንዝስደዱ፡ ኤውሮጳ እትህቦ መልስን፡ በራት ባሕሪ ምዕጻው ዝብል ዝመስል ከምዝዀነን፡ ነቶም ብዙሓት ብነኣሽቱ ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ እናሓሰቡ፡ በራት ባሕሪ ነተን ኣጽዋር ውግእን ጽዒነን ንዝንቀስቐሳን ዝተኸፍተ ነቲ ንሕጻናት እውን ዘየናሕስይ ኣጽዋር ውግእ ንዝጸዓና መራኽብ ክፉት፡ ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ግና ዕጹው ቢሎም፡ …

ናይ መንእሰይ ተስፋ ምድጋፍ  

ቅዱስነቶም ኣብ መዝሙርረ ዳዊት ምዕ. 30 ንብኽያተይ ናብ ዕልልታ ልወጥካለይ ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጥቓ ስቓይ ተስፋን ምጽንናዕን ህልዋን እያቶም፡ እዚ ክኣ እቲ ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ረድኤት ማሕበር ወጅሂ እዩ፡ እዚ ማሕበር’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮት ኣብ እግዚኣብሔር መግለጺ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ምስ ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ብሓባር ከቲሞም ዘውጽእዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ብዅሉ ክፍለጥ እዚ ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበር ኣበርቲዑ ክዓዪ ኣተሓሳሲቦም፡ ሓደራኹም እተካይድዎ ግብረ ሰናይ ኣበርትዑን መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሰብኣውነት ተሓኒጹ ክዓቢይን ብናይ ሓሶት ርእየተ ዓለም ከይጥቃዕ ደግፉን ሕነጹን ቢሎም ሰላማዊ መጻኢ ክውን ክኸውን ማንም ንድሕሪት ዘይሕደገሉን ኣድልዎ ዘይረኣየሉን ዓለም ኣብ ምሕናጽ ትግሁ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ቃለ ምዕዳን ለጊሶም
10 June 2019, 16:45