ድለ

ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፥ ሓሴትን ትውሳኤን ኣብ ኩነት ሕዝቢ ካመሪኖ

ንነፍሲ ወከፍኩም ቀረባ እየ፡ ካብ ዘለዅምሉ ናይ ሕጹጽ እዋን መነባብሮ ተላቒቕዅም ናብ ንቡር መነባብሮኹም ንኽትምለሱ ስሌዅም እጽልይ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ብርእደ መሬት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተጠቕዔ ክፍለ ከተማ ካመሪኖ ሳን ሰቨሪኖ ማርከ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ቅዱነቶም ዝተሳፈሩላ ሄሊኮፕተር ከተማ ካመሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ስፖርት ክሉል ስፍራ ምስ ዓረፈት፡ ናብ ክፍለ ከተማ ሳኤ ብምኻድን፡ ምስቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ተራኺቦም፡ ናይቲ ሕዝቢ ዓቕልን ትብዓትን ኣድኒቖም፡ ኣብታ ገና ናይቲ ርእደ መሬት በሰላ ዝረአየላን ዳግም ዘይተሓንጸት ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ እትርከብ  ካቴድራል ምብጻሕ ኣካይዶም ዘቕረብዎ ጸሎት ብሓቒ ናይ ኵሉ ልብን ቀልብን ዝመሰጠ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንነፍሲ ወከፍኩም ቀረባ እየ፡ ካብ ዘለዅምሉ ናይ ሕጹጽ እዋን መነባብሮ ተላቒቕዅም ናብ ንቡር መነባብሮኹም ንኽትምለሱ ስሌዅም እጽልይ ከምዝበሉን፡ ሕዝብን ኣባይቲ ስድራን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክበጽሖም ዝተሰምዖም ሓጐስ ዓቢይ ምንባሩን፡ ነቶም ኣብ ናይ ሕጹጽ ግዚያዊ መነባብሮ ንዝርከቡ ቀሪቦም ቃሎም ከምዝሰምዑን፡ ናይ ስቓዮምን ናይቲ ግዚያዊ ህልው ኩነታቶምን ተኻፋሊ ምዃኖም ከምዘረጋገጽሎም ዝሓበራ ካስተሊ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ፡ ብናይ ተፈጥሮን ሰብ ሰርሖን ሓደጋ ምክልኻል ኣባላት ተሰንዮም ድሕሪ ርእደ መሬት ነቲ ቐይሕ ከባቢ ተባሂሉ ዝተፈልየ ኣዚዮ ዝተጐድኤ ማንም ንኸይኣትዎ ክልኩል ዝበሃል ስፍራ በጺሖምን ኣብታ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይና ዘላ ክፋል ውድመት ዘጋጠማ ካቴድራል በጺሖምን፡ ናይ ጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርግሉ ስፍራ ቅድሚ ምኻዶም ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከባ 32 ናይ ሰበኻ ካመሪኖ ክፍለ ከተማታት ከንቲባ ከምእተራኸቡ ካስተሊ ገሊጸን።

ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፥ ሓሴትን ትውሳኤን ኣብ ኩነት ሕዝቢ ካመሪኖ
17 June 2019, 15:04