ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዓፋኒ ርእየት ዓለም ሰዓሪ እዩ ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዓፋኒ ርእየት ዓለም ሰዓሪ እዩ 

ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዓፋኒ ርእየት ዓለም ሰዓሪ

ቅዱስ ኣቦና ሓደ ብሓደ ኣስማት ናይቶም ሸውዓተ ሰማእታት እምነት ዝዀኑ ጳጳሳት እናጸውዑ፥ ካርዲናል ዩሊዩ ሆሱ፡ ኣቡነ ቫሲለ ኣፍተናይ፡ ኣቡነ ዮኣን ባላን፡ ኣቡን ቫለሪዩ ትራኢኣን ፍረንቲዩን፡ ኣቡነ ዮኣን ሱቺዩን፡ ኣቡነ ቲት ሊቪዩ ቺነዙን፡ ኣቡነ ኣለክሳንድሩ ሩሱን፡ ናይዞም ሓደስቲ ብፁዓን ቅዱስ ምስሊ ዝተነብሮ መቓን ናብ ቅዱስነቶም ምስ ቀረባ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ (ብናይ ሮማኒያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 08.00) ካብቲ ኣብዚ ናይ ሮማኒያ መገሻኦም ካብ ዝዓርፍሉ ኣብ ቡካሬስት ካብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ተሰናቢቶም ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ቡካሬስት ናብ ሲቢዩ ከምዝነቐሉን፡ ድሕሪ እዚ ናይ 213 ኪሎ ሜትር ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ሰዓት ሸሞንተ ኣርብዓን ደቓይቕ ሲቢዩ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ብናይታ ከተማ ከንቲባን ርእሰ ዞባ ሲቢዩን ህየንተ መንግስትን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብቐጥታ ብሄሊኮፕተር ን 46 ኪሎ ሚትር ተጓዒዞም ብላጅ ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ዝተሳፈሩላ ሄሊኰፕተር ዓሪፋን ኣብኡ ብናይ ፋጋራስ ሺ ኣልባ ዩሊያ ሰበኻ ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሉቻን ሙረሻንን ብናይታ ከተማ ከንቲባን ናይ ርእሰ ዞባ ብልጅን ህየንተ መንግስትን ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም

ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብቐጥታ ናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ ኣደባባይ ናጽነት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን በጺሖምን ሰዓት 10.00 ኣብ ሩማኒያ ኣብ እዋን ምልካዊ ዴሳዊ ስርዓተ መግንስቲ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ሸውዓት ኣብ ሩማኒያ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት፥ ካርዲናል ዩሊዩ ሆሱ፡ ኣቡነ ቫሲለ ኣፍተናይኣቡነ ዮኣን ባላንኣቡን ቫለሪዩ ትራኢኣን ፍረንቲዩን ኣቡነ ዮኣን ሱቺዩንኣቡነ ቲት ሊቪዩ ቺነዙንኣቡነ ኣለክሳንድሩ ሩሱን ብፅዕና ዝእውጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን፥

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለት ቀዳማይ መልእኽቲ፥ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 16. 16-34

                                                 ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 9. 1-38

ምስ ተነበ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ቅዱስ ኣቦና ኵሎም ከምቶም ናይ ናጽነትን ምሕረትን መሰኻኽር ዝነበሩ ሓደስቲ ብፁዓን ክዀኑን፡ ልክዕ ከምቲ ንኣኣቶም ዘጋጠሞም ብዶሆ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ፡ ኣንሕና እውን ቃልስና ኣብ እዋንና ምስቶም ሰብኣዊ ክብርን ክብሪ ሕይወትን ስድራ ቤትን ዘሕስሩ ሓደስቲ ርእየተ ዓለምን እዩ፡

እቲ ኣደባባይ ናጽነት፡ ሕዝቢ ሩመኒያ ብሔራዊ ሕልና ዘጽነዓሉ ክቡር ስፍራ እዩ፡ እቲ ኣብ 1948 ዓ.ም. ነቶም ኣብታ ሃገር ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሮማ መንበረ ር.ሊ.ጳጳስ ዘለዋ ርክብ ክትበትኽ ንዘቕረቦ ትእዛዝ ዝነጸገትን በዚ ምኽንያት ዘስካሕክሕ ስደትን መክራን ዝወረዳን ናይ ደም ሰማዕትነት ከምዝኸፈለት ዝምስክር ነቶም ነቲ ዓፋኒ ስርዓት እምቢ ዝበሉ ሸውዓት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሮማኒያ ተኣሲሮምን ኣብ ቁርን ኣሰሓይታን ካብ ኩሉ ተነጺሎምን መሰሎምን ክብሮም ተነፊግዎም ከየብቅዕ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ እዮም።

ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቶም ቅዱስ ኣቦና ብፅዕና ዝኣወጁሎም ጳጳሳት ናይ እምነት ሰማእታት ናይ ቀረባ ስድራ ቤት ዝዀኑ ዝርከብዎም 80 ሺሕ ምእመን ከምእተሳተፉን፡ መብዛሕቲኦም ኣብቲ ቅዳሴ ንኽርከቡ ምሉእ ለይቲ ኣብኡ ዝሓደሩ ምዃኖም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ድቦራ ዲኒኒ ኣስዒበን፡ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሩመኒያ ርእሰ ብሔር ክላውስ ዮሃኒስን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ናይ ሩመኒያ መራሒት መንግስቲ ዲዮሪካ ዳንቺላን ናይ ብላጅ ከንቲባን ናይ ሩማኒያ ልዕልቲ ማርገሪታን እውን ከምእተሳተፉ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ሓደ ብሓደ ኣስማት ናይቶም ሸውዓተ ሰማእታት እምነት ዝዀኑ ጳጳሳት እናጸውዑ፥ ካርዲናል ዩሊዩ ሆሱ፡ ኣቡነ ቫሲለ ኣፍተናይኣቡነ ዮኣን ባላንኣቡን ቫለሪዩ ትራኢኣን ፍረንቲዩን ኣቡነ ዮኣን ሱቺዩንኣቡነ ቲት ሊቪዩ ቺነዙንኣቡነ ኣለክሳንድሩ ሩሱን፡ ናይዞም ሓደስቲ ብፁዓን ቅዱስ ምስሊ ዝተነብሮ መቓን ናብ ቅዱስነቶም ምስ ቀረበ ደወል ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ክስማዕን ንመላእ ሃገር ሩመንያ ዓቢይን ክቡርን ታሪኻዊ ዕለትን ኰነ።

ኣብቲ እዋን እቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ጥራሕ ዘይኰነ መላእ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩመኒያ ከይተረፈ ኣደዳ ኣሳዶን መከራን ናይቲ ነበር ኢእግዚኣብሔራዊ ምልካዊ ስርዓተ ዴስነት ግዳይ ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ዘኪሮም፡ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ሕይወትን እምነት ገዛእ ርእሱ ከንብርን ናይ ናጽነት ቦታን ኩነትን ኩሉ ክሓክኽ ነዚ ዅሉ ብቐረባ ዝተሞከረ ሕዝቢ ሩማኒያ፡ ተሳቕዩን ተዓፊኑን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ቅድሚ እቲ ጨካን ዓፋኒ ስርዓት እቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ኣብነታዊ ዝዀነ እምነትን ፍቕሪ መስከሩ።

እቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስ ተዳጐኑ፡ ሓደ ካብቶም ሰማዕታት ብዕድመ ዝዓበየ ጳጳስ ብፁዕ ትሪኣን ፍረንቲዩ ኣብ ቅዳሴ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ጽዋዕን ወንጌልን ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕርግሉ ስፍራ ተነቢሩ ከምዝነበረን፡ ቅዱስነቶም እቶም ሸውዓተ ሰማዕታት ነቲ ዅሉ ሓዲጐምልና ዝሓለፉ ውርሻ፡ ናጽነትን ምሕረትን ብዝብሉ ክልተ ቃላት ጸሚሮም፡ ካብ 1700ዓ.ም. ምስ ሮማ ውህደታን ንመንበረ ጴጥሮስ ተኣዛዝነታን ዝመስከረት ኣብ ሩማኒያ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዛ ዓባይ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓቢራ ሓደስቲ ብፁዓን ኣብ እትቕበለሉ ሰዓት ትምስክርን ነዚ ዓቢይ ጸጋ ከምዝበቕዔትን ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቀሳቢ ርእየተ ዓለም ብምቅዋም ሕይወቶም ከምዝሰውኡን፡ ነቶም ኣሳደድቶም ጽልኣት ዘይኰነ ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር ዝተማሕጸኑን ስሌኦም እውን ዝጸለዩ ከምዝዀኑ ዝዘከሩ ቅዱስነቶም፡ መሰኻኽር ምሕረት እንክብሉ ይገልጽዎም፡ ሓደ ካብኦም ካርዲናል ብፁዕ ሆሱ፥ ናብዚ ናይ ስቓይ ደልሃመት ምሕረት ከነብጽሕን ክንምስክርንን ስለ እቶም ኣሳደድቲ ንኽንጽልይ ልኡኻት ኢና እንክብል ዝተዛረቦን ሎሚ ኣብ ናይቶም ሓደስቲ ብፁዓን ናይ ታሪኽ ማህደር ተዘጊቡ ዘሎ ምስክርነት ቃል ጠቒሶም፡ እዚ ምስክርነት ምሕረት እዩ ኢሎም።

ነቶም ጨካናት ኣሳደድቶም ዝነበርዎ ዓይነት ዝንባለ ምሕረት፡ ነቢያዊ መልእኽቲ እዩ፡ ስለምንታይ ሎሚ ብፍቅርን ምሕረትን እምነት ክርስትና ብስኒትን ብትብዓትን ብምንባር ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ድላይ ንኸነሰንፍ ዝዕድም ብምዃኑ፡

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሎሚ እውን ንሕዝብታት ካብ ባህሉን ሃይማኖቱን ንኽምሕዉ ካብ ዝወጣወጡ እዋናዊ ሓደስቲ ርእየተ ዓለም ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡

ናይ ሰብኣዊ ክብርን ክብሪ ሕይወን ምስጢረ ተኽሊልን ስድራ ቤትን ዘናሽው ጐናይ ዝምባለ ምስቲ ዝሓለፈ ኢእግዚኣብሔርነት ባህሊ ዝመዓራረይን ብፍላይ ንመንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣልቦ ኣናስር ክዀኑ ዝገብር ተበላላጽነትን ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ መዝማዝን ከሳብ ንምዃን፡ ከም ሰብ ዘይኰነ ከም ግኡዝ ክጥቀመሉ ዝብል ሓድሽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ርእየተ ዓለም ከምዘሎን ካብዚ ምጥንቓቕ የድሊ፡

ፍርሕን ምግምማዕን ነቲ ናይዛ መሬት ዘደንቕ ውርሻ ከባድም ዝፍትን  ንኣብነት እቲ ኣብ 1568 ዓ.ም. ብቶርዳ ዝተሓትመ ኣኽራርነትን ጸንፈይናነትን ሕድ ሕዳዊ ሃይማኖታዊ ምቅብባል ብምንቕቓሕ ምቅላስ ዝብል ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ዝዀነ ውርሻ ቅዱስነቶም ናይቲ ዘቕርብዎ  ምዕዳን ማእከል ገይሮም

ናይ ወንጌል ብርሃን ኣብ እትነብርሉ እዋን ክተቕርቡን ልክዕ ከምቶም ሓደስቲ ብፁዓን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ርእየተ ዓለም ተቃለሱ፡ ልክዕ ከምቲ ቃልሶም፡ ሎሚ እቲ ቃልሲ ናትና እዩ፡ ሕውነትን ዘተን ኣብ ልዕሊ ምግምማዕ እናቃላሕኩም፡ ኣብቲ እዋን ኣሳዶ ዘተኸፍለ መስዋዕትነት ኣብ ታሪኽ እቲ ሰዓርን ጽኑዕን ዝዀነ ክርስቲያናዊ ዕሴት ዝምስክር ውርሻ ናይ ደም ኣሕዋት ዝገብረኵም ብደም ዝተኸፍለ ሕውነት እናነበርኩም ናይ ናጽነትን ምሕረትን መሰኻኽር ኩኑ!

ቅዱስ ኣቦና ስብከቶም ካብቲ ናይ ዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ዝተበገሰ ምዃኑ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዶኒኒ፥ ቅዱስነቶም፡ እቲ ዓይነ ስወር ኰይኑ ዝተወልደ ካብ ኢየሱስ ዝተዓደሎ ናይ ምርኣይ ናይ የዕይንቲ ምክፋት ጸጋን ነዚ ስዒቡ ዝተለዓለ ክትዕን ኣመልኪቶም፡ ሎሚ እውን ኣክንዲ ሰብን ሰብኣውነትን ውልቃዊ ረብሓን መለለይኻን ርእየተ ዓለምን ዝማእከል እንተድኣ ኰይኑ፡ ኣክንዲ የዕንቲ ምክፋተን ስለ እቲ ዝተፈጸመ ተኣምር ምድናቕን ምምስጋንን፡ ስለምታይ እዩ ዝዓወረ እቲ ሓጢኣት ናይ መን እዩ ኣብ ዝብል ዓይነት ክትዕን ምወዳቕ እዩ ዝኸውን፡ ኢየሱስ ኣብ ረቒቕ ሓሳብን ክትዓትን ዘይኰነስ ወጅሁ ንሰብ ይገልጽ ኣብ ናይ ሰብ ኣቑሳልን ታሪኽን ዝበጽሕ ምዃኑ ከምዘብርሁ የዘኻኽራ።

ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዓፋኒ ርእየት ዓለም ሰዓሪ እዩ
ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ንሸውዓተ ሰማዕታት ጳጳሳት ብፅዕና ኣዊጆም፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ዓፋኒ ርእየት ዓለም ሰዓሪ እዩ
02 June 2019, 14:04