ድለ

ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብ ናብኡ ክትምለስን ጸልዩ ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብ ናብኡ ክትምለስን ጸልዩ 

ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብ ናብኡ ክትምለስን ጸልዩ

ኤውሮጳ ናይ መስረትታን ድላይን ሕልምን ኰይና ክትርከብ ተመንዮም፡ እቲ ኣብ ሩማንያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ዝዛዘሙሉ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ምዃኑ ዘኪሮም

ቅዱስ ኣቦና እቲ መበል 30 ካብ ዕለት 31 ግንቦት ክሳብ ዕለት 2 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሩማንያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ብላጅ ምስ ሕዝብታት ዓሌት ሮማኒ ተራኺቦም ድሕሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ሰዓት ሰለስተን 20 ደቓይቕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናብ ናይ ብላጀ ስፖትር ሜዳ በጺሖምን ብናይ ፋጋራስን ኣልባ ዩሊያን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሙረሳን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብሄሊክፖተር 46 ኪሎ ሜትር ተጓዒዞም ሲቡኡ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ቅዱስ ኣቦና ኣብኡ ብናይ ሮማኒያ ርእሰ ብሔርን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ናይ መንግስቲ ኣጋይሽ ምስ ርእሰ ብሔር ሓጺር ግላዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ናብ ነፋሪት ብኣሰነይቶም ተዓጂቦም ቅድሚ ምድያቦም ናይ ክቡር ወተሃደራዊ ሰላምታ ቀሪቡን ወግዓዊ ምፍናው ተገይሩሎም ካብ ሲብኡ ሰዓት ኣርባዕተ ፈረቓን ነቒሎም ሰዓት ሽዱሽተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ድቓይቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፊው ሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሖም ናብ መንበሮም ብሰላም ኣትዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ንምምላሶም ዝተሳተፉላ ነፋሪት ምስ ዘሰንይዎም ናይ ውሽጥን ወጻእን መራኸቢ ብዙሓል ልኡካት ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ቃለ መሕትት ናይ ፖለቲካ ኣካል ፍርሕን ጽልእን ዘይኰነስ ዘራኢ ተስፋ እዩ ክኸውን ዘለዎ  ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልሲ ከምዝሃቡ ክፍለጥ እንከሎ፡

ኤውሮጳ ናይ መስረትታን ድላይን ሕልምን ኰይና ክትርከብ ተመንዮም፡ እቲ ኣብ ሩማንያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ዝዛዘሙሉ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሃን ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ሓሳብናን ጽቡቕ ምንዮትናን ናባኹምን ብዛዕባዅምን እዩ እንክብሉ ነቶም ጋዜጠይናታት ገሊጾም፡ ካብቲ ዘለኩም ናይ ስራሕ ውዕሊ ክንየው መጋበርያ ርክብ ክትዀኑ ሓደራ፡ ብዘለኵም ሞያ ናይ ምርኻብን ርክብን መሰኻኽር ኢኻትኵም ምስ በሉ፡

ቲቪኤር (ናይ ሩማንይ ናይ ተለቪዥን መደብር) ልእኽቲ ጋዜጠይና ዲያና ኮኣዳ ዱሚትሮስኵ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ሕዝቢ ሩማኒያ ከምእተሰደን ይስደድ እውን ምህላዉ ገሊጸን፡ ንስራሕን መነባብሮ ንምምሕያሽ ንእትስደድ ስድራ እንታይ ትመኽሩ?

ምስዳድ ምፍልላይን ምርሕሓቕን ናብ ምንፋቕን እዩ ዝድርኽ፡ ምስዳድ ደቕኻ ዝጐድሎም ነገር ከይሁሉ ቢልካ እትወስዶ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ፡ … ስደት መፍትሒ ኰይኑ ስለ ዝርከብ እዩ፡ ስደት ብዙሕ ግዜ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝግለጽን ዝትግበርን ፖለቲካ ውጽኢት እዩ፡ ናይ ኵሉ ሚዛን መኽሰብ ብምዃኑ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ዴስነት ኣብ ሩማኒያ ልክዕ እቲ ናይ ዓለም ሕጊ ኤኮኖሚ ዘተኣታተዎ ቅልውላው ዘርከበላን፡ ብሓፈሻኡ ናይቲ ዓለም ለኻዊ ኢፍትሓውነት ኣደዳ ኰይና እያ፡ ብዙሓት ካልኦት  ሃገራት እውን፡ ብዘይ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ዝንበር፡ ህልው ኵነታት ዓለም ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር እውን ኣይመስልን፡ ሩማንያ ከም ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዲ ውልዶ ዘየጥቀዓ ሃገር እያ፡ መንእሰይ ሩማኒያዊ ስራሕ ክረክብን ብሰላም ሕይወቱ ክመርሕ ምግባር ናይ ሩማኒያ ጻዕሪ ጥራሕ ዘይኰነ ዓለም ለኻዊ ከይዲ ቁጠባዊ ምትኽኻል ኣገዳሲ እዩ። ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር የድሊ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሩማኒያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተረይና ኣቦ መንበር እያ እንክብሉ ይምልሱ።

ናይ ማርያም መደብር ራዲዮ ጨንፈር ሩማንያ ጋዜጠይና ክርስቲና ሚካቺ ኣውን ብወገነን፥ ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ቃል ብዙሕ ግዜ ዝተቓልሓሉ መገሻ እዩ ነይሩ፡ ንዓና እንታይ ትመኽሩና፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንኣብነት ኣብ መንጐ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ዓሌታትን ናይ ፖለቲካ ዓለምን እንታይ ዓይነት ርክብ ክህሉ ትምዕዱና፡   

ግጭትን ምስሕሓባትን ኣብ ዘለሉ እዋን ናይ ኢድ ሰላምታ ምልውዋጥ ዝረኣየሉ፡ … ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ምቅርራብን ንኻልእ ጽን ናይ ምባልን ባህሊ ኣገዳሲ እዩ፡ ዓቢይ ልብን ሊቕን ዝዀኑ ናይ ስነ ኣበው ምድረ በዳ ሰቂለ ህሊናውነት ኣጥቢቖም ዝፈልጡ፡ ኣብ ጀርመን ዝተምሃሩ፡ ጸላይ ዝዀኑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣለውዅም፡ ቀሪብካ ክትዛረቦም ዝከኣል እዩ፡ ከም ክልተ ኣሕዋት ኢና ዝመኸርና ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ሓሳብ ካብ ቅድም ዝብሎ እዩ፡ ውህደት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ድሕሪ ክትዕ ዝብጻሕ ኣይኰነን፡ ብሓባር ኣብ ምጉዓዝ እዩ፡ … ውህደት ኣብ ደም ናይ እምነት ሰማዕታት፡ ክርስቲያን ዘጽንት ስርዓት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቶም ዝቕተሉ ዝነበሩ ክርስቲያን በቶም ኣሳደድቶም ካቶሊክ ዲኻ ክርስቲያን ኣርቶዶክስ እናተበሃሃሉ ኣይኰነን ዝሕተቱ ዝነበሩ፡ ክርስቲያን ዲኻ ኣይኰንካን ዝብል ሕቶ እዩ ዝቐርበሎም ዝነበረ፡ እቲ ካልእይ ውህደት ከኣ ናይ ዕዮ ውህደት (ናይ ወፍሪ ውህደት) እዩ፡ ድኻታት ኣብ ምእላይን ሕሙማንን እሱራትን ኣብ ምብጻሕን ኰታ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ዝብሎ፡ ብሓባር ንምጉዓዝ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃወንቲ ተኻቲዖም ድሕሪ ዝበጽሕዎ ኣብ ናይ ሓባር ቅዳሴ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝብል ስምምዕ ክፍጸም ዘይምጽባይ፡  ምርኻብን ተመክሮ ምልውዋጥን …. ብሓባር ኣብ ሓድነትን ሕውነትን ሰላምታ ኣብ ምልውዋጥን ምጉዓዝ እምበር ዘይምትሕምማይ፡ ኣበር ዘይብሉ ማንም የልቦን፡ እቲ ዘገድስ ብሓባር ምጉዓዝ እዩ።

ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብ ናብኡ ክትምለስን ጸልዩ

ናይ ኢ-መዲያ ልኡኽ ጋዜጠይና ኻቪየር ለ ኖርማንድ፥

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይ ሩመኒያ ሓዋርያዊ መገሻዅም ናብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል ኢኹም ምብጻሕ ዘካየድኵም፡ ብሓቂ ደስ ዘብልን መሳጥን እውን እዩ ነይሩ፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ኣብ ዝዓርገሉ እዋን ብሓባር እውን ኣብቲ ርክብ እንትነበርኵም እቲ ጸሎት ብሓባር ክትደግሙ ኣይተራእየን፡ ብጣዕሚ ዝኸበደ እዋን ነይሩ ክብል ይኽእል፡ እቲ ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማእ እትንበር ብቋንቋ ሩማኒያ ክድገም እንክሎ ንስኹም ኣብ ጽሞና ኢኹም ዝነበርኩም፡ እንታይ ከ ተስተንትኑ ኔርኵም?

ብቋንቋ ሩማኒያ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ክጽለይ እንከሎ ኣየስቀጥኵን ወይ ሱቕ ኣይበልኩም፡ ብጣንልያንይና ቋንቋ ኣነ እውን ብውሽጠይ ነቲ ጸሎት እየ ዝደግም ዝነበርኩ፡ እቶም ኣብቲ መደብ ርክብ ዝተሳተፉ ምእመናን፡ ብላቲን ድዩ ብሩማኒያ ቋንቋ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ዓው ቢሎም ይደግም ነይሮም፡ እዚ ኸኣ ክሳብ ክንደይ ሕዝቢ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዘሎ ተስተውዕል፡ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር ንጓዓዝ ከምዘሎና ንምርግጋጽ ስነ ሜላዊር ርክባት ምዕሩይ ኽኸውን ንሻቐል፡ ኣብ በይንና ብሓባር ንጽልይ፡ እዚ እውን ምስ ብዙሓት መጋብያንን ኦርቶዶክሳውያንን ዘሕለፍክዎ ተመክሮ እዩ፡ …. እቲ ሕድ ሕዳዊ መውቕቓስ መልሲ ኣይኰነን፡ ኣነ ንካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን እየ ዝጸለዅ፡ ….

ማኑኤላ ቱሊ ናይ ኣንሳ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና፥

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየዱ ምርጫታት ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኣብ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ንኣብነት ከም ማተዮ ሳልቪኒ ትእምርተ ሃይማኖት ሒዞም፡ መቝጸርያ ድዩ፡ ንንጹሕ ልቢ ኢየሱስ ውካፈን ክገብሩ ተራእዩ እዩ፡ ንስኹም እንታይ ትሓስቡ፡ ምስ ሳልቪኒ ንኽትራኸቡ ከምዘይደልዩ እዩ ዝንገር፡ ሓቂ ድዩ?

ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮንተ ንሶም እውን ንስነ ሜላዊ ርክብ መሰረት ብዘቕረብዎ ሕቶ ግላዊ ርክብ ኣካይደ፡ ብሓቂ ሰናይ ርክብ እውን እዩ ዝነበረ፡ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ዝተኻየደ ርክብ እውን እዩ ኔሩ፡ ካብ ምኽትሎም ድዩ ካብ ካልኦት ሚኒስትራት ምስ ር.ሊ.ጳ. ንምርኻብ ብስነ ሜላዊ ርክባትና ዝቐረበ ሕቶ የሎን፡ ብዙሕ ግዜ ከምዝሓበርክዎ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ የንብብ፡ ብዙሕ ኣገዳሲ ዝዀነ ትንተናን ኣናባቢ ሓሳባት እውን ይረኽበሉ፡ ድሕሪኡ ኢል መሳጀሮ እተሰይመ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣርእስታቱ ብዓቢይ ዝጸሓፍ ብምዃኑ እውን ይኸውን ኩሉ ዘይኰነ ሓሓሊፈ ኣርእስታቱ የንብብ፡ እብቲ ነዝሒ ወረን ርእይቶታትን ዝውክሉ ዜናታት ክኣትው ኣይደልን ኣይኣተዅን እውን፡ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዘካይድኦ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ዝምልከተኒ ኣይኰነን፡  ዝዀነ ይኹን ነገር ትኽክለይና ሓበሬታ ከይሃለወኒ ርእይቶ ክህብ እውን ኣይደልን፡ ጥንቃቔ ወሳኒ እዩ፡ ምእንቲ ዅሎም እጽልይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢጣሊያን ስኒቱን ሓድነቱን እጽልይ፡ ኣነ ካብ ስደተይናታት ኢጣሊያዊት ስድራ ቤት ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወለድኵ ጣሊያናዊ ደም ዘሎኒ እየ፡ ኵሎም ኣሕዋተይ ኣብ ኣርጀንቲና እውን ዝተወልዱ ናይ ኢጣሊያ ዜግነት ኣለዎም፡ ንሳቶም ዜግነት ንኽውሃቦም ሕቶ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ኣነ ድሮ ጳጳስ እየ ኣይሓተትኵን እውን፡ ጳጳሳ ወዲ ሃገር እዩ ክኽውን ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝነበረኒ ድማ ዜግነት ኣይሓተትኵን፡ …. ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ፖሊቲካ ምግባረ ብልሽውና ኣሎ፡ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ ዝሓመመ እዩ ኣይኰንኵን ዝብል ዘለዅ ፡ ምግባረ ብልሽውና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይረአይ እየ ዝብል ዘለዅ፡ …. ናይ ፖለቲካ ኣካላት ቅኑዓት ክዀኑን ክንድግፎን እዩ ዝግብኣና፡ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ሰንደቓዊ ክኸውን የብሉን፡ ብጸርፍን ስምምጽላምን ብመሰናኽላትን ክካየድ የብሉን፡ … ብዙሕ እዋን ፍራሕን ጽልእን ክትዘርእ ብሓቂ የሕዝን፡ ተስፋ እዩ እቲ ዘድልይ፡ ንሃገር ክመርሕ ዘለዎ ተስፋ እምበር ፍርሕን ጽልእን ክኸውን የብሉን።

ኤቫ ማሪያ ሁወስካር ፈርናንደዝ ልእኽቲ ጋዜጠይና ረዲዮ ኮፐ

ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካየድክምዎ ርክብ ምስ ኣቦ ሓጐን ኣደ ሓጐን  ክራኸቡን ክዝትዩን፡ መእንሰይ ስሩ ዘለዎ ክኸውንን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐን ምሕላም ከየቋርጹ ክትብሉ ተላቢኹም፡ ንስኹም ንበነዲክቶስ መበል 16 ብዙሕ ግዜ ከም ኣቦ ሓጐይ ቢልኩም ትገልጽዎም፡ ብቐጻሊ ትራኸብዎም ዶ?

ናብኦም ብዙሕ ግዜ ክኸይድ እንንከለኹ፡ ብሓቂ ኣቦ ሓጐይ ከምዝዀኑኒ እዩ ዝስምዑኑ፡ ሰላም እብሎም ኢዶም ሒዘ ቃሎም ክሰምዕ ባህ ይብለኒ፡ ክዛረቡንን ኣን እውን ጽን ቢለ ክሰምዕን ደስ እዩ ዝብለኒ፡ ናይ ብርኪ ምድካም እንተዘይኰነ ሓንጐሎም ብሓቂ የደንቕ፡ ኣብኦም ስርወ ሓይሊ ይረክብ፡ ቤተ መዘክራዊ ዘይኰነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ኣብኦም ህያው እዩ፡ ባህሊ ሱር እዩ፡ እቲ ሱር ባህሊ ቤተ ክርስቲያን እዩ ኣንሕና ናብቲ ሱር እንጽጋዕን እንዕንብብን ኢና፡ ሱር ንትክእ ኣይኰንና፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ኣብ ምንቅስቃስ እዩ፡ ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ሞንዳ ንናይ ስነ ሙዚቃ ሊቅ ጉስታቮ ማህለር ዝገበሩሎም ቃለ መሕትት ኣብ ቀረባ እዋን ኣንቢበዮ ነይረ፥ ማህለር፥ ባህሊ ናይ መጻኢ ውሕስነት እምበር፡ ዝዕቅበ ሓሙዅሽቲ ወይ ኣብ ቤተ መዘክር ዝቕመጥ ማለት ኣይኰነ፡ ዝበልዎ ቃል ብሓቂ ዓባይ ጥቕሲ እዩ፡ ባህሊ ዝዕቀብ ሓሙኹሽቲ ኣይኰነን፡ ወይ ናይ ዓቃብያንን ናፍቖትን ኣይኰነን፡ ባህሊከምቲ ኦም ክዓብን ንጥጥዕ ፍረ ክህብን ዋሕስ እዩ፡ እቲ ፍረ ካብቲ ዝተቐብረ ሱር እዩ፡ ኣብ ያሲ ብተንቀሳቓሲት ናይ ር.ሊ.ጳ. መኪና እናተዘዋወርኩ ንህዝቢ ሰላምታይ ኣብ ዘቕረብክሉ እዋን ሓንቲ ኣደ ሓጐ ወዲ ወደን ወይ ወዲ ጓለን ዝሓቖፋ ርእየ ብሓቂ እውን ተመሰጥኩ፡ ሱር እዚ እዩ፡ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ርክባት ብኣሳእል ዝቕርብ ነታ ስእሊ ድሮ ቀሪጽዋ ብሓቂ አመስግኖ። ቫቲካን ኢንሳይደር እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ነታ ስዕሊ ሓቲምዋ እውን ርእየ፡ ኣቦ ሓጐታት ወይ ኣደ ሓጐታት ደቂ ደቆምን ደቂ ደቀንን ምስ ረኣያ ታሪኽ ይቕጽል ከምዘሎ የረጋግጻን ምሕላም እውን ይጅምሩ ወይ ይጅምራ፡ ዘይሓልሙ እንተድኣ ኰይኖም ጸቕጢ እዩ ዝስምዖም፡ መጻኢ ከምዘሎ የስተውዕሉ፡ መንእሰይ ስዒቡ ይንበይን ታሪኽ ይገብርን፡።

ሉካስ ፍራን ሀልሙት ዋይገልማን ናይ ሄርደር ኮረስፖንደንዝ ልኡኽ ጋዜጠይና

ኣብዘን መዓልታት ብዛዕባ ሕውነት ኣሕዛብን ብሓባር ምጉዓዝን ዝብል ሓሳብ ደጋጊምኩም ተዛሪብኵም፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤውሮጳ እቶም ሕውነት ኣሕዛብ ዘይደልዩን ንበይኖም ክጓዓዙ ዝደልዩ ይበዝሑን ይዕብልሉን ኣለዉ፡ እዚ ንኽልወጥ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሉ?

ኣብ ስትራስበር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ተዛሪበን፡  ኣይተሓዘለይ ብዛዕባይ ደጋጊመ እንተተዛረብኩ፡ ሽልማት ካርሎ ዓቢይ ምስ ተቐብልኩ ኣብ ዘስማዕክዎ መደረን ምስ ናይ አውሮጳ ርእሳነ ብሔርን መራሕያን መንግስትን ብምኽንያት ዝኽሪ ውዕሊ ኤውሮጳ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዘካይድክዎ ርክብን …. ኤውሮጳ ባዕልኹም ትፈልጡ፡ ተጓዓዙን ክትብል የብላን፡ ብሓባር ኩሉ ብሓላፍነቱ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ክጓዓዝ ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር፡ ኤውሮጳ ውሱጥ ዝዀነ ዕብየት እንተድኣ ዘይብላ መጻኢኣ እዩ ዝቕህም፡ ኤውሮጳ ኣደ ሎሚ ኣደ ሓጐ፡ ኰይና ኣላ፡ ኣብዚ ደው ክትብል የብላን፡ ቀጻልነት የድሊ፡ ምናልባት ገሊኡ ብውሽጡ እቲ ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ዝተሓልመ ሕልሚ ይጠፍእ ኣሎ ዶ ይኸውን? ቢሉ ክሓስብ ይኸውን፡ ኣብ ኤውሮጳ ዶባትን ሓጹርን ይርአይ ኣሎ፡ ኣብ ሕድ ሕድ ኣባላት ሃገራት ከይተረፈ፡ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ሕልሚ ሰቂለ ህሊናውነትን ዳግም ምንባር የድሊ፡ ኣብቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ሕልምን ራእይን ገዛእ ርእሳ ከተለልን ምስ ገዛእ ርእሳ ክትራኸብን በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢላ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝወጣወጥ ዘሎ ምግምማዕ ክትብድህ መታን፡ ብርግጽ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሱ መንነታዊ መለለዪ ኣለዎ፡ ክዕቅቦ ይግባእ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእስኻ መንነት ምልላይ ንምርኻብ እምብር ኣብ ገዛእ ርእስኻ ንኽትዕጸው ክኸውን የብሉ፡ እንተዘይኰይኑ ግና መንነትካ እውን ምልላይ ከጸግም እዩ፡ ምርኻብ ምስ ካልእ መንነትካ ከተዕሙቕ ይድግፍ፡ ሓደራ ኤውሮጳ ብጽልሙታውነትን ብርእየት ዓለምን ከይትጉበጥ ኣብ ርእየት ዓለም ተዓጺፍካ ምንባርን ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ተገማሚዕኻ ዝንበረላ ክፍለ ዓለም ከይትኸውን ሓደራ። እተገማመዔት ኤውሮጳ ሕስብ እሞ ኣብሉ፥ እንይታ ከምዝተኸስተን እንታይ ከምዘስዓበን ፍሉጥ እዩ፡ ካብ ታሪኽ ንመሃር ሓደራ ንድሕሪት ኣይንመለስ~

እንክብሉ ዝሃብዎ መልሲ ዛዚሞም ንዅሎም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ሩማንያ ብርቱዕ ዝናም ይዘንም ብንምባር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብማኪና ክንቀሳቐሱ ከምእተገዱን ዘኪሮም፡ ብሓቂ ስለ እቲ ዝናም አመስግን፡ ኣብ ውሽጢ ሩማንያ ብማኪና ክጓዓዝ እቲ ዘደንጽው መልክዓ ምድራ ብቕረባ ክርእይ ዕድል ስለ ዝዀነኒ እመስግን፡ ስለ ኤውሮጳ ጸልዩ ሓደራኹም፡ ጐይታ ጸጋኡ ይዓድለና፡ ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብ እጽልይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

(Sintesi non ufficiale raccolta da Andrea Tornielli)

ኤውሮጳ ናይ መስረትታ ሕልምን ራእይን ኰይና ክትርከብn ናብኡ ክትምለስን ጸልዩ
03 June 2019, 17:10