ድለ

2019.06.06 ናይ መላእ ኤውሮጳ ሃገራውያን ናይ ጸዋዕታ ማእከላት ኰስኰስቲ ምስ ር.ሊ.ጳ 2019.06.06 ናይ መላእ ኤውሮጳ ሃገራውያን ናይ ጸዋዕታ ማእከላት ኰስኰስቲ ምስ ር.ሊ.ጳ 

ጸዋዕታ እንኪበሃል ንምሉእ መዋእልካ ዝግበር ጒዕዞ ስለዝኾነ ሕያው ኰንካ ምንባሩ የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንኰ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብዚ ሶሙንዚ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነት ንምዝታይ ተጋቢኦም ዝቀንዩ ሓለፍቲ ኲስኰሳ ጸዋዕታ ክህነት ናይ መላእ ኤውሮጳ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ‘ክርስቶስ ሕያው ስለዝኾነ እቶም ንኣኡ ክለእኹ ዝመረጹ እውን ሕያው ክኾኑ ኣለዎም ከመይ ጸዋዕታ ንምሉእ መዋዕልካ ዝግበር ጒዕዞ ስለዝኾነ` እንክብሉ ጒዕዞ ጸዋዕታ ንምሉእ መዋዕል ሕይወት ዝግበር ጒዕዞ ምዃኑ ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ መላእ ኤውሮጳ ሃገራውያን ናይ ጸዋዕታ ማእከላት ኰስኰስቲ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነትን ዘሎ ግድላትን ንምዝታይ ተጋቢኦም ድሕሪ ምቅናይ ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም። ህልው ኩነታት ሕይወት ደቂ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ምናዳ ኸኣ ኣብተን ማዕቢልና ዝብላ ሃገራት ሕይወት ፋሕ ብትን ኣትዪዋ ኣብ ገሊኡ ከኣ ብብርቱዕ ቈሲላ ትርክብ ምህላዋ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ናይዚ ኩሉ ጸገም ካብቲ ቀንዲ ፈጣሪኣን መራሒኣን ዝኾነ ክርስቶስ ብምርሓቃ እዩ ኢሎም። ኣብ ክርስቶስ ምጥባቅ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ኣማራጺ ከምዚ ብምግባር ከኣ ክርስቶስ መምህር ኮይኑ ነታ ባዕሉ ዝፈጠራን ዝፈልጠላን ሕይወት ክመርሓን ጉዳዩ ክፍጽምን ምፍቃዱ የድሊ እንተዘየሎ ኩሉ ብዝገደደ መልክዑ ፋሕ ብትን ክብል ስለዝኽእል እታ እንኮ መንገዲ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ምምስራት ምዃኑ ገሊጾም።

ንመንእሰያት ንኣገልግሎት ክህነት ክትኲስኲስ ምስናይከስ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኽታት ወንጌል ከበስር ንዝቈስለ ልብታት ክፍውስን ክጽግንን ንባሮት ሓርነት ክእውጅን ዝገበሮ ተልእኮ ንክኽተሉ ምስናዮም ስለዝኾነ ኩለንትናኻ ወፊኻ ብቀዳምነት ኣብ ክርስቶስ ክትጠብቅ ደሓር ንሱ ክመርሓካን ከሰንየካን ምፍቃዱ የድሊ ኢሎም። ነዚ ንምግባር ዝሕግዛ ሠለስተ መሠረታውያን ነገራት ከምዘድልያ ንሰን ከኣ ቅድስና ሕይወት ንግዜኡ ዘይኮነ ንመላእ መዋዕል ሕይወትካ ዘሰኒ ከምኡ እውን ውህደትን ወይውን ሓድነት ከም ዓንዲ ማእከል ጸዋዕታ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መወዳእታ ከኣ እታ ጸዋዕታ ንባዕላ ህያብ ጐይታ ምዃና ተገንዚብካ ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባላን ብክብሪ ምሓዛን ከምዝደሊ ኣብሪሆም።

ጸዋዕታ ንምሉእ መዋዕል ሕይወትካ ክትክተሎ ዘሎካ ጉዳይ እዩ!

ቅዱስነቶም ናብ ሕይወት ደቂሰባት ይኣትው እሞ ንእስነት እታ ዝበለጸት ዘመን ሕይወት ኰይና ኩልና ክንሕብሕባ ዘሎና ዓባይ ህያብ ስለዝኾነት ክትኩስኰስን ክትስነን ዘለዋ እያ። ዝጽውዕ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ነዚ ዕድመ እዚ ግቡእ መልሲ ንምሃብ ቅድሚ ዝኣገረ ጸዋዕታኻ ኣለሊኻ ንምኽኣል ነዊሕ ጒዕዞን ጸሎትን ምኽርን የድሊ።

ብዙሕ ግዜ ንጸዋዕታ ጉዳይ ግላዊ ኣጋጣሚ ገርና ንጥምቶ እሞ ነቲ ግለሰብ ጥራይ ዝምልከት ገርና ንሕና ዝብል ቦታ ኣይንህቦን። ከም ሓቁ ግን በይኑ ዝድሕን የብልናን ቅዱሳን ዝኽወን ብሓባር እዩ። ሕይወት ነፍሲወከፍና ምስ ሕይወት ኣሕዋትና ዝተታሓሐዘ እዩ በዚ ከኣ ንሓባራዊ ቅድስና ሕዝቢ እግዚአብሔር ክንሰርሕ ንተዓጠቅ። በዚ ከኣ ብሓባር ክንግስግስ ንኽእል።

ብሓባር ምግስጋስ!

ጒስነት ነፋሳት መንፈስ ሲኖዶስ ወይውን ብሓባር ናይ ምስጓምን ምግስጋስን መንፈስን እምበር ካልእ መንገዲ ክኽተል ኣይኽእል። እዚ ሲኖዶሳዊ መንፈስ ከኣ ካብ ውህደትን ሓድነትን ይውለድ። ዝመጸ ይምጻእ በዚ መንፈስ ውህደት ቤተክርስትያን ሓደስቲ ጸዋዕታታት ከምዝውለዱ ክንኣምን ኣሎና።

ኣብ ናይ ዘመንና ባህሊ ኤውሮጳ ዘሎ ገለ ኩነታትን ብዙሕ ጥዑም ዘይኮነ ፖሎቲካዊ ታሪኻን ከም መጠንቀቅታን ደፋኢ ሓይልን ክኸውን ይኽእል እዩ። እታ እንኮ ፍታሕ ግን ሓቀኛ ማሕበረ ክርስትያን ምዃና ክንቅበሎን ብክፉት ልቢ ክንቀባበልን ብሓባር ክነብርን እንተኽኢልና መጻኢና ብሩህ ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰያትና ከኣ ናይዚ መንፈስ እዚ ጽምኢ ኣለዎም።

ሓጐስ ነጻነትን ማሕበርን!

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ኣሻቃልን ቀንዲ መዛረብን ዝነበረ ብዛዕባ ጸዋዕታ ምዃኑ ዝጠቀሱ ቅዱስነቶም ጉዳይ ጸዋዕታ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ኣነ ዝፈልጦም ገሊኦም ማሕበረሰባት ምስ መንእሰያቶም ኣብ ዝዋስኡሉ ጊዜ ጸዋዕታ ትብል ቃል ከይትመልቖም ብዙሕ ይቃለሱ ከመይ መንእሰያት ነዛ ቃል እዚኣ ስለዝፈርሕዋ ንከይከስርዎም ክብሉ ትም ሕትም ይመርጹ። እዚ ግን እናረኣኻን እናሰማዕካን ንውድቀት ምዕዳም እዩ። ከመይ ጸዋዕታ ትብል ቃል ካብ መዝገበ ቃላት እምነት ምውጻኣ ቀዲምካ ወይ ድሒርካ ንዕንወትካ ኢኻ ትሰርሕ ዘሎኻ ማለት እዩ።

ናይ እግዚአብሔር ሰባት ኰንካ ከም ዓለማውያንስ ይኹን ከም ሰብ ውፉይ ሕይወት ምንባር ምስ እግዚኣአብሔር ዘራኽብ መሠረታዊ ነገር እዩ። እንተዘየሎ ናይ ዕሚም ወይውን ምጉርምራም ኣምላኽ እናኣገልገልካ ንግዜኡ ባሕ ንዝብል ነገራት ጥራይ ሃሰስ ክትብል ጸሓይ ክትዓርበካ እያ።

እታ ሓቀኛን መሠረት ዘለዋን ታሕጓስ ግን ግዝያዊት ኣይኮነትን። ከመይ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮም ዘተስፍውዋ ታሕጓስ ንእሽቶይ ጸገም እንከጓልንፍ ስቃይ እንክገጥም ብኡ ንብኡ ኣብ ተስፋ ቊርጸት ይወድቑ። ሓቀኛ ታሕጓስ ግን ነባሪት እያ ከመይ እቲ ፍቅሩ ዘይልወጥ ኢየሱስ እዩ ምንጫ።

ቅዱስነቶም ከም መወዳእታ ነጥቢ ዘቅረብዋ እታ ብሓባር ምግስጋስ ትብል ነጥቢ ኰይና ጸዋዕታ ወትሩ ንካልኦትን ምስ ካልኦትን እዩ ከመይ ኣብ ቤተክርስትያን በይንኻ ዝግበር የለን ሓቀኛ ናጽነት ከኣ እዚ እዩ ይብሉ።

ሓቂ እዩ ጸዋዕታ ትብል ቃል ንመንእሰያት ተፍርሆም እያ ከመይ ብኣተሓሳስባኦም ናጽነትካ እተጥፍእ ይመስሎም። ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ንናጽነትና እኳ ደኣ ናጽነት ነፍስወከፍና ኣጸቢቁ ይሕልዎ እዩ። ነዚኣ ወትሩ ዘክርዋ። ንመንእሰያት ብግሎምስ ይኹን ብሓባር እንከተሰንይዎም ሓራ ከምዝኾኑን ናይ ማንም ጽግዕተኛ ከምዘይኮኑን ኣረድእዎም። እንተዘየሎ ነቲ ናይ ምዕባይን ምብሳልን ጒዕዞኦም ይዕፍኖ። ወትሩ ሕጻናት ኰይኖም ከምዝተርፉ እውን ስለዝገብሮም ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

ብዘይ ድምጺ ዚዓቢ ዱር!

ቅዱስነቶም ንኩሎም እንከተባብዑ ‘ኣጆኹም ብስም ጐይታ መርበባትኩም ዘርግሑ፡ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ገና ንጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን እናኣስተንፈሰ እዩ። ምንም ድምጺ ከይገበሩ ኣብ ምግባረ ሠናይን ተልእኮ ስብከተወንጌልን ተዋፊሮም ዝሰርሑ ብዙሓት ሰብ ውፍይ ሕይወት እሞ ሕዝቡ። ካልእስ ይትረፍ እታ ሡር እምነትን ባህልን ናይ ኤውሮጳ ዝኾነት ገዳማዊ ሕይወትውን ገና ብዙሕ ጸዋዕታ ትስሕብ ኣላ እሞ ኣጆኹም።

ናብ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ንምእዋጅ ዘጋጥም ግድል ኣይትፍርህዎ። ቤተክርስትያን የድልይዋ እዮም። መንእሰያትን እሙናት ሰብ ዉፉይ ሕይወት ክረኽቡ እንከሎ ፍጹማት ብምዃኖም ዘይኮነስ ምስ ኣምላኽ ብዝለዎም ርክብን ምስክርነትን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸዋዕታ ክሓቱን ከስተንትኑን ከምዝኽእሉ ከረጋግጸልኩም እፈቱ እንክብሉ ምኽሮም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 June 2019, 20:33