ድለ

ናይ ክርስቶስ እንተዀንካ ኣጽድቆ ርእስ ኣሸኒፍካ ንክርስቶስ ምምስካር የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሶሙን ዝጀመርዎ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ዘተኮረ ትምህርቲ ብምቅጻል ሮቡዕ ዕለት 12 ሰነ 2019 ዓፈ ከም ልማዶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ሰላም ድሕሪ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ድሕሪ ዓዲሎምን እዚ ዚስዕብ ቃል ኣምላኽ ተነቢቡ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቃል አምላኽ፥ - ጴጥሮስ ከኣ ‘ስለዚ ሓደ ኻብዞም ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ይመላለስ ኣብ  ዝነበረለን ግዝያት ካብ ዮሓንስ መጥምቅ ኣትሒዙ ክሳብ እታ ካባና ዚዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበሩ ሰባት ምስክር ትንሣኤኡ ኪኸውን ይግባእ’ በለ። ንሳቶም ከኣ ንክልተ ነቲ ዮስጦስ ቢሎም ዝጸውዕዎ በርስባስ ንዚበሃል ዮሴፍን ንማትያስን ኣቅረቡ፣ . . . ጸለዩ ዕጫ ኸኣ ኣውደቁሎም። እታ ዕጫ ድማ ናብ ማትያስ በጽሐት ምስቶም ዓሠርተ ሓደ ሓዋርያት እውን ተቘጽረ። (ግሐ 1.21-26) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ነዚ ዚስዕብ ትምህርተ ክርስቶስ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ንጒዕዞ ወንጌል ዝምልከት ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚርና ነርና። እዚ ጒዕዞ ወንጌል እዚ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት ተመልኪቱ ከምዘሎ ኰይኑ ቃለ ወንጌል ከመይ ኢሉ ናብ ኩሉ ከምዝበጽሐ የዘንቱ።

ኩሉ ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ይጅምር። እዚ ፍጻሜ እዚ ሓደ ካብ ፍጻሜታት ትብሎ ዘይኮነስ ናይ ሓዲስ ሕይወት ምንጪ እዩ። ሓዋርያት ነዚ ጽቡቕ ገሮም ይፈልጥዎ ነሮም ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ከኣ ብሓድነት ኣብ ጸሎት ጸኒዖም ተጸሚዶም ነበሩ። ኣብ ዙርያ ኣዲኦም ዝኾነት ማርያም ከቢቦም ነቲ ኣቦ ዘተስፍዎ ሓይሊ እግዚአብሔር ክቅበሉ ነዚ ከኣ ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ውህደት እናኣጽንዑ ገበርዎ።

እታ ቀዳመይቲ ማሕበርከስ ከባቢ 120 ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን የቊሙዋ! እዚ ቁጽሪ እዚ ነቲ ምልክት ነገደ እስራኤል ዝኽዕነ 12 ሓቑፉ ይርከብ። ንነገደ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነ ንቤተክርስትያን እውን ምልክታ እዩ ከመይ በቶም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመረጾም 12 ሓዋርያት እያ ቈይማ። ኮይኑ ግን ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ሕማማት ኢየሱስ ሓዋርያት 12 ኣይኮኑን ሓደ ይጐድሎም 11 ጥራይ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ይሁዳ የለን በቲ ዝገበሮ ተስፋ ስለዝቆረጸ ሕይወቱ ባዕሉ ኣሕሊፉ።

ገና ኢየሱስ ምስኦም እንከሎ ጀሚሩ ይሁዳ ክንጸል ጀሚሩ ነሩ ካብ ንጐይታን ነሕዋቱን ናብ ገንዘብ ጠቢቁ በቲ ንድኻታት ዝዕደል ዝነበረ ሽም ክረክብን ክዕበን ጀሚሩ ተመሪዙ ከኣ ካብ ዓርኪ (ማቴ 26.50) ናብ ጸላኢ ተቀዪሩ ነቶም ንኢየሱስ ክሕዙ ዝመጹ ክመርሕ ተረኽበ (ግሐ1.17)። ይሁዳ ናይቶም ቀረባ ኣዕሩኽቲ ኢየሱስ ክኸውንን ኣብ ተልእኮኡ ክሳተፍን ዓቢ ጸጋ ተቀቢሉ ነበረ ኮይኑ ግን ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ንሕይወቱ ከድሕና ኣይከኣለን በዚ ከኣ ኣጥፊእውው (ሉቃ 9.24)። ብልቡ ናይ ኢየሱስ ምዃን ኣቋሪጽዎ በዚ ከኣ ካብ ኣሕዋቱስ ይኹን ካብ መምህሩ ክግለል ጀሚሩ። ሓዋርያ ምዃን ኣቋሪጹ ልዕሊ መምህሩ ተላዒሉ። ብዋጋ ዓመጽ ሸይጥዎ ኰይኑ ግን እዚ ዋጋ ዓመጽ ብደሙ ተቈጽዩ (ግሐ 1.18-19)።

ይሁዳ ክንዲ ሕይወት ሞት እንተ መሪጹ (ዘዳ 30.10 ሲራ 15.17) መገዲ ረሲኣን ከኣ እንተስዒቡ ትረኽቦ ብርግጽ ጸልማትን ጥፍኣትን እዩ (ምሳ 4,19 መዝ 1.6) እቶም ዝተረፉ ዓሠርተ ሓደ ግን ሕይወትን ቡራኬን ተቀቢሎም ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ካብ ሕዝቢ እስራኤል ናብ ቤተክርስትያን ከምትመሓላለፍ ገበርዋ።

ሉቃስ ወንጌላዊ እቲ ካብ ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ምጒዳል ዓቢ ቊስሊ ምዃኑ ይሕብረና ኣብ ክንዳኡ ካልእ ምምራጽ ግድን ከምዝኾነ ከኣ የብርሃልና። ነዚ ሓላፍነት እዚ መን ይሸከሞ! ንዝብል ሕቶ ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ሓበሬታ ይህቦም። እቲ ዝምረጽ ካብ ጥምቀት ዮሓንስ መጥምቅ ጀሚሩ ክሳብ ዕርገቱ ንኢየሱስ ዝኽተል ዝነበረ ክኸውን ኣለዎ ይብሎም። ንጉጅለ 12 ክምልኡ ኣለዎም። ነዚ ንክትገብር ግን እግዚአብሔር ከብርሃልካ ናይ ምልላይ ብርሃን ምልማን ከምዘድሊ ይምህሩና። እዚ ከኣ ወትሩ ብዓይኒ ሓድነትን ውህደትን ክኸውን ከምዘሎ የመልክቱ።

ኣብቲ መረጻ ዝሕጸዩ ክልተ ነበሩ ዮሴፍ ባርሳባን ማትያስን። ንመኖም ክመርጹ ከምዘለዎም ጐይታ ንከብርሃሎም ከኣ `ኦ ናይ ኩሉ ልቢ እትፈልጥ ጐይታ እዛ ይሁዳ ናብ ናይ ገዛእ ቦታኡ ንኺኸይድድ ዝሓደጋ ስብራ ኣገልግሎትን ሓዋርያነትን ኪቕበልሲ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ንመኒኦም ከምዝሓረኻ ግለጽ` እናበሉ ብሕብረት ጸለዩ (ግሐ 1,24-25)። ብዕጫ ገቢሩ ኸኣ ጐይታ ንማትያስ የመልክት ንሱ ምስቶም 12 ይቚጸር። በዚ ከምዚኸስ እቲ ናይ ውህደት ምልክት ዝኾነ ናይ 12 ኣካል ምልኣት ይረክብ ውህደት ንምምቅቃልን ምንጻልን ንብሕተይ ንዝብል ፍጹም ባዕላውነትን የሸንፍ። እዚ ፍጻሜ እዚ ምልክት ውህደት ኮይኑ ሓዋርያት ዘቅርብዎ ቀዳማይ ምስክርነት እዩ። ኢየሱስ ድሮ ኣብ ወንጌል ‘ንሓድሕድኩም እንተደኣ ተፋቒርኩም በዚ ኵሎም ሰባት ኣርድእተይ ምዃንኩም ኪፈልጡ እዮም’ (ዮሓ 13.35) ኢሉ ነሩ።

እዞም 12 ሓዋርያትከስ ነቲ ጐይታ ዝበሎም ቀጥ ኢሎም ይኽተልዎ ከምዝነበሩ መጽሓፍ ግብረ ሐዋርያት የመልክተልና። ንተግባር ድሕነት ክርስቶስ ንምምስካር ዝተመደቡ ብምዃኖም ንዓለም ፍጽምናኦም ከርእዩ ምቅላስ ዘይኮነስ ብጸጋ ሓድነት ብሓዲስ መንገዲ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ንምንባርን ንምግልጋልን እዩ። ሓዋርያት ኣብ ትሕቲ ልዑላውነት ናይቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብጽኑዕ ሓድነት ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይ እንኮ ሃዋህው ይፍጠር።

ንሕና ነዛ ጽባቄ ምስክርነት ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ካብ ናይ ኣጽድቆ ርእስ ኣተሓሳስባ ውጽእ ኢልና ጸጋታት እግዚአብሔር ክመርሓካ ፍቃደና ብምዃን መንጎ መንጎ ምዃን ወጊድ ኢልና ዳግም ሃሰስ ክንብላ የድልየና። እዚ ዳግመ ስርርዕ ናይ ሓዋርያት ንማሕበረ ክርስትያን መሠረታዊ መንነታን ምልክታን ኮይኑ ካብ ገዛእ ርእሶም ሓራ ኰይኖም ንፍልልያት ከይፈርሑን ናብ ጥቅሚ ውህበታትን ከይጠበቁ ንሰማዕትነት ስንድዋት ኮይኖም ሓድነት ክቀድሙ ኣለዎም። ሰማዕትነት ክንብል ከሎና ናይቲ ሕያው ዝኾነ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ከኣ ወትሩ ዝሠርሕ ጐይታ ብሩሃት መሰኻኽር ምዃን እዩ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 June 2019, 18:17