ድለ

ቋንቋ ሓቅን ቋንቋ ፍቅርን እንተተዛረካ ኩሎም ክርድኡኻ እዮም! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፥ - ‘በዓለ-ሓምሳ ምስ ኣኸለ ድማ ኲላቶም ኣብ ሓደ ተአኪቦም ከለው፥ ሓደ ድምጺ ከም ናይ ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ብሃንደበት መጽአ እሞ፡ ንብዘላ እታ ተቐሚጦምዋ ዝነበሩ ቤት መልኣ። ከም ልሳናት እሳት ዝተኸፋፈለ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ኪዓልብ ተራእዮም። ኲላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ መልኡ እሞ፡ ከምቲ መንፈስ ኪናገሩ ዝዓደሎም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።’ (ግሐ 2.1-4)

ዝተፈቶኹም ኣሐኣትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ ኣብቲ ገዛኦም ኮይኑ ዝነበረ ምስ ኣደ ጐይታ ማርያም ሓቢሮም ዝቅመጡሉን ናይ ሕብረት ምልክትን ዝነበረ ጽርሓ ጽዮን ሓዋርያት ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ዝኾነ ፍጻሜ የጋጥሞም። በቲ ሳንቡእ ናይ ምስትንፋሶም ዝነበረ ጸሎት ተጸሚዶም ይጽልዩ ነበሩ። ብዘይ ጸሎት ሓዋርያ ኢየሱስ ክኽወን ዘይከኣል እዩ። ብዘይ ጸሎት ክርስትያን ክንከውን ኣይንኽእልን! ጸሎት እስትንፋስና ኮይኑ ሳንቡእ ሕይወት ክርስትና እዩ። ሓዋርያትከስ ኣብ ጸሎት ከለው ብናይ እግዚአብሔር ሓይሊ ይሽፈኑ። እዚ ሓይሊ እዚ ምዕጻው ኣይጻወርን። ንማዓጹ ብሓይሊ ህቦብላ ንፋስ ይጋልህ። እዚ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝጥቀስ ሩሕ ቀዳማይ እስትንፋስ የዘክር። ነቲ ሓይሊ ክትለብሱ ኢኹም ኢሉ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝሃቦ ተስፋ ከኣ ይፍጽም። ብሃንደበት ካብ ላዕሊ ይመጽእ (ግሐ 2.2)

ኣብ ልዕሊ ንፋስ ከኣ ሓዊ ይውሰኽ! እዚ ሓዊ እዚ ነቲ ኣብ ሙሴ ኣብ ትነድድ ቊጥቋጥ ዝረኣዮ ሓዊ ከምኡ እውን ኣብ ምዕዳል ዓሠርቱ ቃላት ኣብ ደብረሲና ንዘጋጠመ የዘኻኽር (ዘጸ 19.16-19)። ኣብ ልማድ ቅዱስ መጽሓፍ ሓዊ ኩሉ ግዜ ምስ ግልጸት እግዚአብሔር ይተሓሓዝ። ብሓዊ ነታ ንመጻኢ እተርሑ ሕያውን ሓያልን ዝኾነት ቃሉ ይህብ (ዕብ 4.12) ሓውኸስ ነቲ ናይ ሙቀት ባህርዩ ብምልክት ይገልጽ ከምኡ እውን ንልብታትን ኣብሪሁ ጥበብ ምዕዳሉን ንተግባራት ደቂሰባት ንምንጻሖምን ሓዲስ ሕይወት ንክህቦምን ኣብ ዝህቦ ጽንዓት ይግለጽ። ኣብ ደብረ ሲና ዝተሰምዔ ድምጺ እግዚኣአብሔር እንክኸውን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ግን እቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ልዕሊኡ ኪሃንጽ ዝመረጾ ቅዱስ ጴጥሮስ ይዛረብ። እታ ድኽምትን ንእግዚኣአብሔር ክሳብ ምኽሓድን ዝበጽሐት ቃሉ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተተንከፈ ሓይሊ ይረክብ እሞ ንልብታት ክትንክፍን ናብ ለውጢ ከንቀሳቅስን ይርከብ። ከም ሓቁ እኳ እግዚአብሔር ነቶም ሓያላት ከሕንኽ ኣብ ዓለም ንድኹም ይመርጽ (1ቆሮ 1.27)።

ቤተክርስትያንከስ ካብ ሓዊ ፍቅሪ ኣብ ዕለተ ጰራቅልጦስ ብዝወረደ ቃጸሎ ትውለድ ነታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝቀረበት ሓይሊ ቃል ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ከኣ ትገልጽ። ከም ኪዳን ደብረሲና ኣብ እምኒ ብዝተጻሕፈ ቃል ዘይኮነ እዛ ሓዳስን ወሳኒትን ኪዳን እዚኣ በቲ ንኩሉ ነገራት ዘሐድስን ናይ ሥጋ ልቢ ዝሰኩዕን ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ትጸሓፍ።

ቃል ሓዋርያትከስ ብመንፈስ ናይ’ቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ መሊኣ ሓዳስ ቃል ኮይና ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ናብ ኩሉ ቋንቋታት ብቀጥታ ትትርጐመን ክትርደኣ እትኽእልን ትኸውን። ስለዝኾነ ከኣ ‘ነፍሲ ወከፍ ብገዛእ ቋንቋኡ ኺዛረብ ስለዝሰምዖም ከኣ ዚብልዎ ጠፍኦም’ (ግሐ 2,6)። ብዛዕባ ጉዳይ ቋንቋ ሓቅን ፍቅርን እዩ ዚዛረብ ዘሎ ስለዝኾነ ከኣ ኣድማሳዊ ቋንቋ ብምዃኑ ወላ እቶም ዘይተማህሩ እውን ክርድእዎ ክኢሎም። ቋንቋ ሓቅን ፍቅርን ኩሎም ይርድእዎ። ኩሎም ክርድእዎ ዝኽእልዎ ቋንቋ እዩ። ንሓቂ ኣብ ልብኻ ሒዝካ ምስ እትጐዓዝ ብቅንዕናን ብሓቅን እናተመላለስካ ብፍቅሪ ምስ እትጐዕዝ ኩሎም ክርድኡኻ እዮም። ክትዛረብ እንተዘይከኣልካውን ብእትገብሮ ሓቀኛን ፍቅራውን ክሳብ ዝኾነ ኩሎም ክርድኡኻ እዮም።

መንፈስ ቅዱስ በቲ ንዝተፈላለየ ቃናታት ኣወሃሂዱ ዘቅርቦ ድምጽታት ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ቅኒት ኣወሃሂዱ ብምምራሕ ንዓበይቲ ትግባራት እግዚአብሔር መዝሙር ውዳሴ የቅርብ።  መንፈስ ቅዱስ ናይ ውህደት ፈጣርን ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ግሪኽን ባሮትን ነጻን ዘሎ ፈላላዪ መናድቅ ኣወጊዱ ዕርቂ ዘውርድ እሞ ንኩሉ ሓደ ኣካል ዝገብር እዩ። ነትን ብዙሓት ኣባላት ምስ ቀንዲ ኣካል ኣወሃሂዱ ናይ ኣመንቲ ማሕበር ይፈጥር። ቤተክርስትያን ክንዮ ድሩትነት ደቂሰባት ማለት ሓጢኣትን ዝኾነ ዕንቅፋትን ብምጒዓዝ ከም እትዓቢ ይገብር።

ዘደንቅ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ እዩ። ኣብ ዕለተ ጴጠቆስጠ ገሊኦም ኣታ እዞም ሰባት እዚኦም ሰኺሮም ከይኮኑ ዚሓትት እውን ኣይተሳእነን። ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ጴጥሮስ ብስም ኩሎም ሓዋርያት ክዛረብ ይጅምር ነቲ ኢዮኤል ነቢይ ኣብ ምዕራፍ 3 ዝተነበዮ ከኣ ሓዲስ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ። ተከተልቲ ኢየሱስ ኣይሰኸሩን ከምቲ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ዝብሎ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ምስካር’ ኣጋጢምዎም ኣብ ማእከል ሕዝበ እግዚአብሔር ብሕልምታትን ራእያትን ትንቢት እዮም ክንበዩ ጀሚሮም።  እዚ ውህበት ትንቢት ንገሊኦም ጥራይ ዝተሓዝኤ ኣይኮነን ንኩሎም ስም ጐይታ ዝጽውዑ ዝዕደል እዩ።

ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ነቲ ደቂ ሰባት ኣብ መስቀል ዝሸንከርዎን እግዚአብሔር ከኣ ‘ካብ ሥቃይ ሞት ሓራ ብምውጻእ’ (ግሓ 2.24) ካብ ሙታን ብዘተንሠኦን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዓደለት ድሕነት ንኽቅበሉ ልብታት ከንቀሳቅስ ይርከብ። ንሱ እዩ ነቲ ኩሎም ክሰምዕዎ ዝኽእሉ ብዙሕ ዝማሬ ውዳሴን ምስጋናን ዘወሃህድ መንፈስ ቅዱስ ኡፍ ኢሉ ዝሃበ። ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ጰንጠቆስጠ ማለት እዚ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእግዚዠብሔር ኣብ ኣቢሉ ናባይ ይመጽእ እሞ ናብ ውሽጡ ይስሕበና’ (ስብከት 3 ሰነ 2006) ከምዝበልዎ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብመለኮታዊ ስሕበት ይሰርሕ! እግዚአብሔር ብፍቅሩ እዩ ዝስሕበና በዚ ከኣ ምሳኡ ከም እንተሓባበር ንታሪኽ ከም እነንቀሳቅስን ነቲ ሓዲስ ሕይወት ከምእንነፍን ይገብረና። መንፈስ እግዚኣአብሔር ጥራይ እዩ ንዝኾነ ፍጻሜ ሰብኣዊ ካብቶም ዝቅበልዎ ጀሚርካ ለዊጡ ሕውነት ክፈጥር ዝኽእል።

ንጐይታ ንልባትና ዘስፍሕን ንስሚዒታትና ምስ ናይ ክርስቶስ ዘወሃህድን ሓዲስ ጴንጠቆስጠ ከም እንረክብ ክገብረና ንለምኖ።  በዚ ከኣ ከይሓፈርና ንዝልውጥ ቃሉ ክንሰብኽን ንዝረኸቦ ኩሉ ናብ ሕይወት ንእትጽውዕ ክእለት ፍቅሩ ክንምስክርን ኢና። እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 June 2019, 13:10