ድለ

ቅንኢ ንሕይወትና ካብ ዕረ የምርሮ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ሎሚ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ሓዋይራት ጴጥሮስን ጳውሎስን ምስ ብዙሓት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ምናዳ ኸኣ ነቶም ሎምዘመን መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ተቀቢሎም ከም ምልክት ኣክሚም ዝተቀበሉ ሓደስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ተሰንዮም ድሕሪ ቀዲሶም ፍርቂ መዓልቲ መልአከ እግዚአብሔር ምስቶም ነጋድያንን ምእመናንን ቅድሚ ምድጋሞም ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ሎሚ በዓሎም እነኽብር ዘሎና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ገገሊኡ ምስልታቶም ንሕንጻ ቤተክርስትያን ደጊፎም ይረኣዩ። እዚ ነቲ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ‘ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ኣብ ልዕሊ እዛ ከውሒ እዚኣ ከኣ ቤተክርስትያን ክሓንጽ እየ’ (ማቴ 16,18) የዘኻኽረና። ኣብዚ ጥቅሲ እዚ ኢየሱስ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ቤተክርስትያን እትብል ቃል ዘውጽእ ኰይኑ ግን ኣብታ ናይ ዋንነድ ክንዲ ሽም ናተይ እትብል ክነተኩር እደሊ ቤተክርስትያነይ። ኢየሱስ ብዛዕባ ሓደ ካብኡ ወጻኢ ዝኾነት ቤተክርስትያን ዘይኮነስ ናቱ ምዃና በቲ ፍቅሩ ዝቅልባ ምዃኑ ንምግላጽ ቤተክርስትያነይ ይብላ። በዚ ከኣ ቤተክርስትያኑ ንዓና ከምዘፍቅረና የርኢ። ቅዱስ ጳውሎስ ‘ንስኻትኩም ኣሳብኡት ከኣ ከም’ቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ዘፍቅራን በዣኣ’ውን ሕይወቱ ዘሕለፈን ከማኡ ገይርኩም ነንስትኹም ኣፍቅሩወን’ (ኤፈ 5,25) ብማለት ኢየሱስ ንቤተክርስትያን ከም መርዓቱ ከምዘፍቅራ ይገልጽ። ንጐይታ ንሕና ሓደ ጒጅለ ኣመንቲ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበር ዘይኮነ መርዓቱ ኢና። ጌጋታትናን ክሕደታትናን ብዘየገድስ ንቤተክርስትያን ብዓቢ ርሕራሔ እዩ ዝጥምታ ብፍጹም ተኣማንነት ይፈትዋ። ከምቲ ሽዑ ንጴጥሮስ ሎሚ ንዓናውን ቤተክርስትያነይ ይብለና ኣሎ።

ሎሚ ነዚ ንሕናውን ክንደግሞ ንኽእል ቤተክርስትያነይ። ነዚ ዕጽው ብዝኾነ ንኣና ንብሕትና ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ ንኩሉ ዘጠቃልል እዩ። ካብ ካልኦት ንክንፈላለን በይንና ክንዕጾን ዘይኮነ ምስ ካልኦት ምርኻብ ጣዕሙ ክንመሃር ከመይ ኢየሱስ ሓደ ክንከውንን ክፉታት ክንከውንን ይደልየና። ቤተክርስትያን ናይ ግለይ ናተይ ኣይኮነትን ኣነ ኣብታ ናታ ናተይ ስለዘጥሕል ናይ ኩልና ትኸውን፣ ናተይ እውን ኣያ ከመይ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ኣነውን ብፍቅራዊ ሕውነተይ እድግፋ ስለዚ ኣባይ እውን ትህነጽ።

ኣብ ሓንቲ ካልእ ምስሊ ናይዞም ቅዱሳን ከኣ ሰላም ክበሃሃሉ ክደጋገፉ የመልክት። ኣብ መንጎ መዓት ፍልልይ እዩ ነሩ ገፋፊ ዓሳን ካብ ፈርሳውያን ፈሪሳውን ተመኲሮ ሕይወቶምስ ይኹን ጠባዮም እውን ይፈላለ ነበረ። ክትዕን ምጒትን እውን ኣይተሳእነን (ገላ 2,11) ዘተኣሳስሮም ግን ብዘይመጠን ዓቢ ነበረ። ናይ ክልቲኦም ጐይታ ኢየሱስ ነበረ ክልቲኦም ከኣ  ጐይታይ ቤተክርስትያነይ ይብሉ። ብብእምነት ኣሕዋት ኰይኖም ኣብ ቤተክርስትያን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን እንክትነብር ንዝርከብ ታሕጓስ ክነስተማቅር ይዕድሙና። ኣብ’ዛ ንክልተ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎም ሓዋርያት ሓደ ትገብር ዓባይ በዓል እዚኣ ‘ኦ ጐይታ ስለ እቲ ካባይ ፍልይ ዝበለ ሓው ወይ ሓውቲ ኣመስግነካ ከመይ ንቤተክርስትያን ሓደ ትዕድልቲ እዩ’ ኢልና እንተንጽሊ ክንደይ ምጠዓመ። ናይ ካልኦት ቊምነገር ግምት ምሃብ ጥዕና ይህበና! ብዘይ ክፍኣትን ተንኮልን ቅንእን ንካልኦት ከም ዓቢ ትዕድልቲ ምፍላጥ ጽቡቅ እዩ። ቅንኢ ኣብ ውሽጥና ዕረ የምጽኣልና ኣብ ልብና ከአ ከም መጺጽ ኣቸቶ እዩ። ንሕይወትና መራር ይገብራ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከምዘድልዮ እንተንርዳእ ክንደይ ምጠዓመ! ከመይ ሓንቲ ሃይምኖት ሓንቲ ፍቅሪ ሓንቲ ተስፋ ሓደ ጐይታ ስለዘለውና። እቲ ዘደንቅ ምሥጢር ቤተክርስትያናኸስ ነንሕድሕድና ስለዝኾና እዩ።

ኣብ መጨረሻ ወንጌለ ዮሓንስ ጐይታ ንጴጥሮስ ‘ኣባግዔይ ጓሲ’ (ዮሓ 21.17) ይብሎ። ብዛዕባና እዩ ዚዛረብ ዘሎ ኣባዔይ ይብለና ኣሎ ነታ ቤተክርስትያን ቤተክርስትያነይ ብዝበሎ ርሕራሔ እዩ ናተይ ኣባግዔይ ዝብለና ዘሎ። እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ እዩ ንቤተክርስትያን ዚሃንጽ። ብኣማልድነት ሓዋርያት ንቤተክርስትያና እነፍቅረሉ ጸጋ ንለምን። ኣብኣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክርእያ ዝኽእላ ኣዕይንትን ንካልኦት ከምቲ ናይ ኢየሱስ ገርና ብፍቅሪ ክንቅበለሉ እንኽእል ልብን ክህበና ንለምን።  ስለእቲ ከም ናትና ዘይሓስብ ክንጽሊ ሓይሊ ክህበና ንክንጽልን ክነፍቅርን ብድሕሪኡ ከኣ ንከንሓሚ ጸጋኻ ሃበና ንበሎ። እታ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ስምምዕን ፍቅርን ሕውነትን ብምንጋሥ ምሳኦም ትጽሊ ዝነበረት (ግሐ 1.14) ድንግል ማርያም ኣብ ቤተክርስትያን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ትሓልወና እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 June 2019, 19:31