ድለ

ንመጀመርያ ግዜ ከምእንቅበሎ ኰና ናብ ቅዱስ ቊርባን ንቅረብ! ር.ሊ.ጳ

ነቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝሓለፈ ሓሙስ ዝዘከረቶ በዓል ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኩሉ ንክሳቶፎ ንሰንበት ተሰጋገሩ ዕለት 23 ሰነ 2019 ዓምፈ ክብ ብዝበለ ድምቀት እንክበዓል ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ኣማስያኡ ክቅድሱን ዑደትን ቡራኬን ክፍጽሙን እንተነበሮም ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ልሙድ ጉባኤ መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃቡሉ ‘ንድሕነት ዓለም ዝተወፈዩ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓቢ በዓል ስለዝኾነ እስከ ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ ከም እንቅበሎም ጌርና ንቅረቦም` እንክብሉ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም ነተን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ እስፐይን ብፅዕናአን ዝተኣወጀ ማርያ ካርመን ላካባ ኣንድያን 13 ኣሕዋታ ብሰማዕትነት ዝሞታ ደንግል እውን ዘኪሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መብዛሕትኤን ቊምስናታት ዘመና ትንሣኤ ንሕጻናት ንመጀመርያ ቊርባን ብምስንዳው ምናዳ ኣብ ከባቢ በዓላት ጰራቅሊጦስ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኖም ሻሽ ክመስሉ ኣብ ዝተፈላለየ በዓላት ዝሳተፉ ሕጻናት ክትርኢ ባህ ዘብል እዩ። እወ መጀመርያ ቊርባን ክንብል እንከሎና ሕጻናዊ ውጥምናን ባህግን ክውን ዝኾነሉ ወለድን ኩሎም ሥድራን ብዓቢኡ ከኣ ንሓንቲ ቊምስና ዓቢ ሓጐስ ዝፈጥር ሃዋሁ እዩ። ቅዱስነቶም ነዛ ሁመት እዚኣ ወትሩ ክንዝክራ ሓደራ ድሕሪ ምባል ሎሚ በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ኣብ ዝዝከረሉ ዓቢ በዓል ነፍሲወከፍ ነታ ዕለት መጀመርያ ቊርባን ብምዝካር ንመጀመርያ ከም እንቅበሎ ኰና ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቀርብ ዓዲሞም።

“ብልማድን ደረቅ መንፈስን ዘይኮነ ልብና ብምስጋና መሊኡ ብዓቢ መንፈሳውነት ንቊረቦ። በዘልማድ ከምእንገብሮ ካልእ ነገራት ጌርና ተሰሪዕካ ብልማድ ምቊራብ ወጊድ ንበሎ። ቅዱስ ቊርባን ክንቅበል ናብ መንበረ ታቦት ኣብ እንጐዓዘሉ ወትሩ ነቲ ኣብ ዕለተመጀመርያ ቊርባንና ዝበልናዮ ኣሜን በኣማን ኣመንኩን ንዝብል በቲ መንፈስ እቲ ክነሐድሶ ሓደራ። ብልማድ ካህን ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ክብል እንከሎ ኣሜን በኣማን ኣመንኩ ንብል። ነዚ ግን ሓደራ ብልማድ ኣይንገብሮ። ከመይ እዚ እቲ ዘድሓነና ሓቀኛ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እናክንቈርብ ኢየሱስ ክርስቶስ እንደግና ሓይሊ ከልብሰና ይመጽእ። በጃኹም ነዚ ብልማድ ኣይንገብሮ። ወትሩ እናክንቈርብ ከምቲ ናይ መጅመርያ ቊርባን ሁመት ንቀበሎ ኢሎም።”

አምር ንዘሎካ ምክፋል!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ወንጌል ሉቃስ 9.11 ብዛዕባ እቲ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ንሓሙሽተ ሽሕ ከምዝመገበን ተረፍ ከኣ 12 መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ነበረ። እዛ ተኣምራት እዚኣ ኣብ ኩለን ወንጌላት ከምእንረኽባ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ኢየሱስ እንታይ ከምዝገብር ይፈልጥ እንተነበረ ነቶም ብኩነታት እቲ ሕዝብን ራሕቂ ቦታን ምድረበዳነቱን ተሰኪፎም ከሰናብቶም ዝሓተቱ ሓዋርያቱ ‘ዝብላዕሲ ንስኹም ሃብዎም’ ኢሉ ከደንቆም ይርከብ።

“ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ነፍሲወከፍ ንገዛእ ርእሱ ይሕለ ንዝብል ኣምር ገዲሮም ኣብ ኣምር ናይ ዘሎካ ምክፋል ከሰጋግሮም ይርከብ። ነዚ ከኣ በተን ዝነበራኦም ቁሩብ ቁራቦ ይፍጽሞ። ማለት ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ንኩሉ ንክኸውን ብምውፋይ ከኣ ሓልዮቱ የርእዮም።”

ክእለትን ርሕራሔን ኢየሱስ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ተቀቢሉ ይባርኾ ይቈራርሶ ነቶም ሓዋርያት ከኣ ነቲ ሕዝቢ በብሓምሳ ኰፍ ከብሉ ኣዚዙ እንኩ ሃብዎም ይብሎም ሓዋርያት ይዕድሉ። ክሳብ ዝጸግቡ ከኣ እቲ መግቢ ኣይውዳእን። ብርግጽ እዚ ተኣምር እዚ ሓይልን ክእለትን ናይቲ መሲሕ እንክገልጽ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ርሕራሔ ኢየሱስ የመልክት።

“እዚ ተኣምራት እዚ ሓደ ካብቶም ኢየሱስ ዝገብሮም ዝነበረ ተአምራት ጥራይ ኰይኑ ኣይተርፍን እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ፍጻሜ ክገብሮ ዘለዎ ዝክሪ ናይ መሥዋዕቱ ምሥጢረ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ንድሕነት መላእ ዓለም ዘወፍዮ ምልክት ኣቀዲሙ ይህቦም። ናይ ኩሉ ሕይወት ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ዝዛምከስ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኮይኑ ንፍቅሪ ኣቦን ኣሕዋትን ዝፍጸም እንኮ መሥዋዕቲ እዩ።”

ዑደት ቅዱስ ቊርባን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ድራር ኅብስቲ ኣልዒሉ ባሪኹ ቈሪሱ ንሓዋርያቱ ክህቦ እንከሎ ‘እዚ ምእንታኻትኩም ዝቊረስ ሥጋይ እዩ’ ኢሉ ዘይድምሰስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ሞቱን ትንሣኤኡን ምዃኑ እውን ይገልጸሎም። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ነዚ ተቀቢላ በዚ ዕለት እዚ ከኣ በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ እንክትዝክር ነዚ ቅዱስ ሥጋ እዚ ሒዛ ዑደት ብምግባር ተኽብሮ።

“ኣነ እውን ሎሚ ምሸት ኣብ ካዛል በርቶነ ዚበሃል ካባቢ ሮማ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርግ ዑደት እውን ክገብር እየ እሞ ንኩልኹም ክትሳተፉ ብኣካል እንተዘይከኣልኩም ብመንፈስ ብረድዮስ ይኹን ብተለቪዥን ክትሳተፉ እዕድመኩም ቢሎም።”

ናይ ጅግንነት እምነት!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ‘ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣምልኾን ስግደትን እንቀርበሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነትን ብፍቅርን ንክንስዕቦ ትሓገዘና’ እንክብሉ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር  ምስ ኣዕረጉ  ነተን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ እስፐይን ብፅዕናአን ጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቹ ንኣኦም ወኪሎም ንዝኣወጅወን ብሰማዕትነት ዝሞታ ደናግል ማርያ ካርመን ላካባ ኣንድያን 13 ኣሕዋታን ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም።

“እዘን ከምተን ሓሙሽተ ለባማት ደናግል ኣብ ብሕትውና ዝነብራ ዝነበራ መነኮሳት ንምጽኣት ናይቲ መለኮታዊ መርዓዊአን ብጅግንነታዊ እምነት ተጸብየን። ሰማዕትነተን ከኣ ንዓና ንኩልና ኣብ ግዜ ፈተና ሓያላትን ጽኑዓትን ንክንከውን ይዕድመና ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
23 June 2019, 10:33