ንመጀመርያ ግዜ ከምእንቅበሎ ኰና ናብ ቅዱስ ቊርባን ንቅረብ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብ መብዛሕትኤን ቊምስናታት ዘመና ትንሣኤ ንሕጻናት ንመጀመርያ ቊርባን ብምስንዳው ምናዳ ኣብ ከባቢ በዓላት ጰራቅሊጦስ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኖም ሻሽ ክመስሉ ኣብ ዝተፈላለየ በዓላት ዝሳተፉ ሕጻናት ክትርኢ ባህ ዘብል እዩ። እወ መጀመርያ ቊርባን ክንብል እንከሎና ሕጻናዊ ውጥምናን ባህግን ክውን ዝኾነሉ ወለድን ኩሎም ሥድራን ብዓቢኡ ከኣ ንሓንቲ ቊምስና ዓቢ ሓጐስ ዝፈጥር ሃዋሁ እዩ። ቅዱስነቶም ነዛ ሁመት እዚኣ ወትሩ ክንዝክራ ሓደራ ድሕሪ ምባል ሎሚ በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ኣብ ዝዝከረሉ ዓቢ በዓል ነፍሲወከፍ ነታ ዕለት መጀመርያ ቊርባን ብምዝካር ንመጀመርያ ከም እንቅበሎ ኰና ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቀርብ ዓዲሞም።
አምር ንዘሎካ ምክፋል!
ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ወንጌል ሉቃስ 9.11 ብዛዕባ እቲ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ንሓሙሽተ ሽሕ ከምዝመገበን ተረፍ ከኣ 12 መሶብ ከምዝተላዕለን ዝገልጽ ነበረ። እዛ ተኣምራት እዚኣ ኣብ ኩለን ወንጌላት ከምእንረኽባ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሽሕ’ኳ ኢየሱስ እንታይ ከምዝገብር ይፈልጥ እንተነበረ ነቶም ብኩነታት እቲ ሕዝብን ራሕቂ ቦታን ምድረበዳነቱን ተሰኪፎም ከሰናብቶም ዝሓተቱ ሓዋርያቱ ‘ዝብላዕሲ ንስኹም ሃብዎም’ ኢሉ ከደንቆም ይርከብ።
ክእለትን ርሕራሔን ኢየሱስ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ተቀቢሉ ይባርኾ ይቈራርሶ ነቶም ሓዋርያት ከኣ ነቲ ሕዝቢ በብሓምሳ ኰፍ ከብሉ ኣዚዙ እንኩ ሃብዎም ይብሎም ሓዋርያት ይዕድሉ። ክሳብ ዝጸግቡ ከኣ እቲ መግቢ ኣይውዳእን። ብርግጽ እዚ ተኣምር እዚ ሓይልን ክእለትን ናይቲ መሲሕ እንክገልጽ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ርሕራሔ ኢየሱስ የመልክት።
ዑደት ቅዱስ ቊርባን!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ድራር ኅብስቲ ኣልዒሉ ባሪኹ ቈሪሱ ንሓዋርያቱ ክህቦ እንከሎ ‘እዚ ምእንታኻትኩም ዝቊረስ ሥጋይ እዩ’ ኢሉ ዘይድምሰስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ሞቱን ትንሣኤኡን ምዃኑ እውን ይገልጸሎም። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ ነዚ ተቀቢላ በዚ ዕለት እዚ ከኣ በዓለ ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ እንክትዝክር ነዚ ቅዱስ ሥጋ እዚ ሒዛ ዑደት ብምግባር ተኽብሮ።
ናይ ጅግንነት እምነት!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ‘ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣምልኾን ስግደትን እንቀርበሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነትን ብፍቅርን ንክንስዕቦ ትሓገዘና’ እንክብሉ ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ኣዕረጉ ነተን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃገረ እስፐይን ብፅዕናአን ጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ዋና ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቹ ንኣኦም ወኪሎም ንዝኣወጅወን ብሰማዕትነት ዝሞታ ደናግል ማርያ ካርመን ላካባ ኣንድያን 13 ኣሕዋታን ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም።