ድለ

ሕይወት ምስንባት ትምህረና! ር.ሊ.ጳ ኣብ ሥርዓተ ፍትሓት ነፍሰኄር ኣቡነ ካለንጋ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ምስ ብዙሓት ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ብኁባሬ ብገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣካላት ዲፕሎማስን ተሰንዮም መፋነዊ ቅዳሴን ጸሎተ ፍትሓትን ፈጺሞም። ኣጋጣሚ ንጉባኤ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኩሎም ሓዋርያውያን እንደራሴታቶም እውን ብኁባሬ ቀዲሶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከትማ ቫቲካን

ንመዋቲ ሓውና ደሓን ኩን ክንብሎ እንከሎ እቲ ብቋንቋ ጣልያን ኣድዮ ዝብል ትርጉሙ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ክኸይድ ነፋንዎ ማለት እዩ ክብሉ ስብከቶም ዝጀመሩ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ካብ ግሐ 20 ብዛዕባ ስንብት ጳውሎስ ኣብ ሚሊጦስ ምስ ሰብ ኤፈውሶን ምናዳ ኸኣ ምስቶም ንሱ ዝሾሞም ከምኡ እውን ወንጌል ዮሓንስ 14 ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ክሰናበት እንከሎ ኣጆኹም ኢሉ ቦታ ምስ ኣሰናደወ ናብኡ ክስሕቦም ምዃኑ ዝገልጽ ንባባት በብሓደ ምስ ተንተኑ ምስንባት ምፍልላይ ዝምህረና ዓቢ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ሓዲግካ ምኽኣል ምስ ምንም ዘይምጥባቅ እቲ ዝበለጸ ከኣ ናብተን ምእንታኻ ቆሲለን ተዘርጊሐን ዝጽበያኻ ዘለዋ ኣእዳው መሓሪ ትኸይድ ስለዘሎኻ ደስ ዘብል እዩ እንክብሉ ሰበኾም። ኣብቲ ንባባት ተመሊሶም እንደገና በብሓደ እንታይ ከምዝምህር ምናዳ ሓደ ጓሳ ክገብሮ ዘለዎ ብምስክርነት ጀሚሮም ተፈሊኻ ምኽኣልን ትንቢትን ጸሎትን ተስፋን ንዝብላ ቃላት በብሓደ ተንቲኖም።

ምስክርነት!

ሓደ ጓሳ ይብሉ ቅዱስነቶም! ሓደ ጓሳ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሚልጦስ ምስ ሰብ ኤፈውሶን ዝገበሮ ወትሩ ምስ መጓሰኦም ይሰናበቱ። ታሪኽ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዘመልክቶ ኩሎም ይበኽዩ ከምዝነበሩ ይገልጽ፣

ሓደ ጓሳ ሕይወቱ ወትሩ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ከም እትንቀሳቀስ እናሓበረ ናብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሕብሮ ንምኻድ ክሰናበት ክኽእል ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ።’ (ግሐ 20.22) እቲ ኣብዚ ዘምጸኣኒ መንፈስቅዱስ ሕጂ ከኣ ናብ ክኸይድ ይእዝዝ ኣሎ ኣሞ ደሓን ኩኑ ክብል ክኽእል ኣለዎ።

ተፈሊኻ ምኽኣል!

ኣብ ሕይወት ብዙሕ ካብ ዝለመድካዮ ክትፍለ ሓያል እዩ። ኰይኑ እዚ ተሰናቢትካ ምኽኣል እንብል ክትፍለ ከምዘሎካ እውን ስለዝሓትት ተፈሊኻ ምኽኣል የድሊ። ምናዳ ካብ ናይ ዓለም ነገራት ከምዝሞተ ኰና ክንፍለ ክንክእል ኣሎና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ሓደ ጓሳ ክሰናበት እንከሎ ነቲ ተልእኮኡ ንጒስነቱ ንካልኦት ከምዘረክብ እሞ ከኣ ብጽቡቅ መንፈስ ከረክብ ከምዘለዎ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ዝሰናበቶም ጓሶት ዝብሎ ንስማዕ። ‘ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ’ (20.28) እዚ ማለት ከኣ ሓልው ተጋደሉ ደጊም ክንዲሰብ ኣኺልኩም ኢኹም በይንኹም እየ ዝሓድገኩም ዘሎኹ ኣይትሕመቁ ንቅድሚት ገስግሱ ከም ማለት እዩ።

ትንቢትን ጸሎትን!

ሓደ ጓሳ ክሰናበት እንከሎ ትንቢታዊ እውን እዩ። ነቲ ድሕሪኡ ክኸውን ዘለዎ ብመንፈስ ቅዱስ ይግለጸሉ ነቲ ጒዕዞ ብከመይ ክቅጽልዎ ከምዘለዎም ከመይ ገሮም ክከላኸሉ ከምዘለዎም ይገልጽ። ክጥንቀቁ ይሕብር። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ኣግሂዱ ንሱ ምስ ከደ እኩያት ተዃሉ ክመጽዎም ከምዝኾነ ዘይኮነ ዝምህሩ ክመጹ ከምዝኾነ ኣግሂዱ ይነግሮም። ኰይኑ ግን ተስፋ ክቈርጹ ክፈርሁ ከምዘይብሎም ናብ እግዚአብሔር ከምዘማዕቊቦም ይነግሮም።

ተስፋ!

ቅዱስነቶም ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምስንባት ኣብታ ናይ ኢየሱስ ይሳገሩ እሞ ነታ ናይ ኢየሱስ ፍሉይ ዝገብራ ተስፋ ዘለዋ ደስ ትብል ምዃና ነቲ ኢየሱስ ‘ልብኹም ኣይሸበር! ኣጆኹም እመኑ! ከይደ ቦታ ከሰናድወልኩም እየ!’ ክብሎም እንከሎ ሕይወት ተሰናቢትካ ምኽኣል ከምእትምህር እዚ ከኣ ካብ ናኣሽቱ ነገራት ጀሚርካ ክሳብ እታ ናይ መጨረሻ ምስናባት ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም። ንዓና ንኩልና ጐይታ ነዛ ጸጋ እዚኣ ይዓድለና! ተሰናቢትካ ንምኽኣል ክንመሃር! እዚ ጸጋ ናይ ጐይታ እያ! ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 June 2019, 13:20