ድለ

ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን፥ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ተቐባልነት ንዘለዎ ምዕባለ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተስፋ ዝህብ ንተሓዳስን ተቐባልነት ዘለዎ ጸዓት ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕርን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ይረአይ ምህላዉን እዚ ኸኣ ዓለምን ሕዝብን ብዛዕባ ክንክን ምህዳር ይስቆሮ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኩነት እዩ

ምዕተ ዓመት ናይ ረድኤት ትካል ዘሰናደዎ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕብረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ፥ ካብ እናስር ናብ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዘመንን፡ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ከመይ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዝብል ኣርእስቲ ዘሰናደዎ ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ዓበይቲ ሰብ ትካላትን ኣሳቲፉ ካብ ዕለት 6 ሰነ ክሳብ ዕለት 7 ሰነ 2019 ዓ.ም.  ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ሎሚ ዕለት 8 ስነ 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ተዛዚሙ።

ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን፥ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ተቐባልነት ንዘለዎ ምዕባለ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብፍሉይ ዘሳቕይ ጥምየትን ዘይምርግጋጽ ውሕስነት መግባውን ከምዝዀነን፡ ቀጻሊ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሽግርን ጸባብን፡ ምንቁልቋል ምህዳራዊ ስልትን ሰብ ከም ተረፍ መረፍ ምጉሓፍ ባህልን ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ምእተ ዓመት ናይ ረድኤት ትካል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፡ ስለዚህ ነዚ ትርኢት ደረት’ዚ ንምቕያር ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ፡ ምልዋጥ ልብን ኣእምሮን ዝብል ምዃኑ የመላኽቱ።

ኵለንተናዊ ምህዳር

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ምእምተ ዓመት ትካል ረድኤት ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝተሳተፉ፡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ናይ ሓምላይ ምንቅስቓስ ዘይከነስ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ኵለንተናዊ ምህዳራዊ ምዕባለ ወትሩ ብውልቅን ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ወትሩ ቀዳምነት ከወሃቦ ዝግብኦ መደብ ክኸውን ከምዘለዎ የዘኻኽሩ።

ዘተባብዑ ምልክታ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተስፋ ዝህብ ንተሓዳስን ተቐባልነት ዘለዎ ጸዓት ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕርን ምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ይረአይ ምህላዉን እዚ ኸኣ ዓለምን ሕዝብን ብዛዕባ ክንክን ምህዳር ይስቆሮ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኩነት እዩ፡ ብዙሓት ሃገር ተሓዳስን ጹርይን ጸዓት ኣብ ምጥቃም ዘካይድኦ ዘለዋ ጻዕሪ ይበል ዘብል እዩ፡ እዚ ዅሉ ጻዕሪ ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሸቶኡ ክወቅዕ ዓቢይ ደገፍ ምዃኑ የብርሁ።

ብድሆታትን ጸገማትን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለግስዎ ቃል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለዉ ብድሆታትን ጸገማትን፡ እዚ ኸኣ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዘንበሮም ፍጻሜታት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ወይ ዳርጋ የለን ክበሃል ዝከኣል እውን እዩ እንክብሉ ጠቒሶም፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቀጥዒ ኣልቦ ንኣይነትን ኢጐነትን ኣህላኽነትን ኣባኽኖትን ምኽንያት ንሓደጋ ዝቃላዕ ዘሎ ናይ ሓባር ጥቕሚ እናሓሰቡ፡ እዚ ዅሉ ኤኮኖሚያውን ምህዳራውን ማሕበራውን ምትሕብባር ንምንቕቓሕ ዝግበር ጻዕሪ የሰናኽል፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ውሽጢ ተቐባልነት ዘለዎ ሰብኣውነት ዘማእከለ ሕጹጽ ውጻኢታቱ ጥራሕ ዘይኰነ ንመጻኢ ትውልዲ ዝሓስብ ከይዲ እውን ዘሰናኽል ምዃኑ የረድኡ።

ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን መንነትና ዳግም ምልላይ

እዞም ኣዚዮም ዓበይቲ ዝዀኑ ብድሆታትን ጸገማትን ተስፋ ዘቑርጽን ንዘይውሕስነትን ጭንቀትን ቦታ ዝሓድጉ ኰይኖም ከምዝርከቡን፡ እቲ ክሳብ ሕሉፍ ዝዀነ ምንቁልቋልን ውድቀትን ንምብጻሕ ዘኽእል ሰብ ካብዚ ዅሉ ፈንጺጉ ብምውጻእ ሰናይ ብምልላይን ብምስዓብን ዳግም ንምንቕቓሕን እውን ዝከኣሎ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ንምኽዋን እውነተይና ምልዋጥ መሰረት ዝገበረ ዳግም ውልደትን ሕዳሴ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

እቲ ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ምቕያር/ምሕዳስ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ምእተ ዓመት ትካል ረድኤት ኣብ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ፥

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ምስ ናይ መጻኢ ጥዕና እንነብረሉ ዓለም ዝዛተይ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ምትካእ ዝብል ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ኣሎ፡ ብእተካይድይዎም ዓውደ መጽናዕትታትን ጉባኤታትን ኣቢልኩም ነቲ እዋናዊ ዓለምን ሕብረተሰብን ንውልቅን ንትካላትን ተቕዋማትን ፖለቲካን ክልውጥን ክሕድስን ዝኽእል ኣበርክቶ ከተቕርቡ እላበው፡ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ሰማያዊ ኣቦ ኣብ ዝጸንዕ ተስፋ ከይትቦኽሩ ሓደራ እብል።

ጐይታ ንበይንና ኣይሓድገናን

ኣብ ልቢ እዚ ዓለም’ዚ እቲ ናይ ሕይወትን ወትሩ ዘፍቅረና ጐይታን ወትሩ ህልው እዩ፡ ፈጺሙ ኣይጥንጥነናን፡ ስለምንታይ ብርግጸይናነት ምስ እንነብረላ መሬት ውሁድ ስለ ዝዀነ፡ ፍቕሩ ሓደስቲ ኣንፈት ንኽንረክብ ይመርሓና፡ ንሱ ዝተኸብረን ውዱስን ይኹን፡ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ቅድሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ

እቶም ተጋባኣያን ቅድሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምርኻቦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን፡ ቀጺሉ እውን ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእክቲ ኣተኵይሩ ዝተቐርጸ ናይ ምስማዐ ርእየት ሰነዳዊ መልእኽቲ ከምዝቐረበን ተጋባእያን ድሕሪ ቐትሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምእተዛዘመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን፥ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ተቐባልነት ንዘለዎ ምዕባለ

Photogallery

ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን፥ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ተቐባልነት ንዘለዎ ምዕባለ
08 June 2019, 17:02