ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሰሜን መቀዶኒያ፥ ናይ ሕውነት ዘርኢ ሒዘ ናባኹም እመጽእ

መልክዓ ምድራዊ ጽባቔ መሬትኩም ኣብቲ እትሓቑፎ ብዝሓ ባህልን ዓሌትን ሃይማኖትን ዘሎ ዝጸንዔ እዩ

ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ሕውነት ባህሊ ምምዕባል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ናብ ሰሜን መቀዶኒያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናብታ ሃገርን ሕዝባን ሎሚ ዕለት 4 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ነዚ መገሻ’ዚ ነማላድነት ነታ ተወላዲት እታ ሃገር ንዝዀነት እናቴ ቅድስቲ ተረዘ ዘካልኵታ አወክፍል ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ሰሜን መቀዶኒያ ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ቅርበቶምን ፍቕሮም ሓጐሶምን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን መቀዶኒያ ስኮፕየ ንኽልተመዓልቲ ኣብ ቡልጋርያ ድሕሪ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 7 ግንቦት ዘካይድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡

ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ሕውነትን ምርኻብን ብህሊ ምምዕባለ የድሊ፡ ኣነ ከም ናይዚ ባህል’ዚ ዘራኢ ናባኹም እመጽእ፡ መሬትኩም ነዚ ዘርኢ እዚ ዝቕበል ሰናይ መሬት ብምዃኑ ክቕበሎን ፍርያም ከምዝገብሮ እውን ርግጸይና እየ፡

 መልክዓ ምድራዊ ጽባቔ መሬትኩም ኣብቲ እትሓቑፎ ብዝሓ ባህልን ዓሌትን ሃይማኖትን ዘሎ ዝጸንዔ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ብዝሓነት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን፡ ይኹን ደኣ እምበር ዘድክም እውን እንተዀነ እቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብቲ ቀንሰላዊ ዘሎ ጽባቔ ዝገልጽ ብምዃኑ ምንባሩ ዝበለጸ ጽቡቕን ሰናይን እዩ።

ንኣማላድነት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝተወከፈ መገሻ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ተክለ ሰብነት እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ጓልታ ሃገር ዘኪሮም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ቅዱስነቶም ኣብቲ ንዝኽሪ ቅድስቲ ተረዛ ዝቖመ መዘክራዊ ስፍራ ክበጽሑን ብሓባር ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ጸሎት ከዕርጉ እዮም፡ ኣስዒቦም እውን ምስ ድኻታት ክፍሊ ሕብርተሰብ ክራኸቡ ከምዝዀኑ ድሮ ኣብቲ ናይቲ ምብጻሕ መርሃ ግብሪ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንእናቴ ቅድስቲ ተረዛ ከወክፉ እንከለዉ፥

እናቴ ተረዛ ኣብ  ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ተወሊዳን ኣብኡ ንእስነታ ዘሕለፈት ክትከውን እንከላ፡ ብጸጋ እግዚኣብሔር ከኣ ተባዕ ልእኽቲ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ኣብ መላእ ዓለም ኰይና ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ንዝተጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምጽንናዕን ሰብኣዊ ክብሮም ክኽበረሎም ዘገልገለት እያ፡

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ናብ ሰሜን መቀዶኒያ ንዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ዝቀራረብሉ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ ምብጻሕ ንመላእ ሕዝቢ እታ መሬት ፍርያም ሰላምን ሰናይ ዘበለ ኩሉ ዘፍርይ ክኸውን መታን ስሌኦም ክጽልይ ሓደራ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ንሰሜን መቀዶኒያ፥ ናይ ሕውነት ዘርኢ ሒዘ ናባኹም እመጽእ
04 May 2019, 17:25