ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ብድኽነት ዝልለ ዘሎ ዓለም ናይ ተስፋ መልእኽተይና ምዃን የድሊ

እቲ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕብባር ኣብ መደብ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ተጸሚዱ ነቶም ኣዚዮም ዝተጠቕዑን ገዛእ ርእሶም ንምእላይ ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም መእሰያት ድዮም ብዕድመ ንዝደፍኡ ዝህቦ ሓገዝ

ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉብኤ ኣዳራሽ ንጳጳሳዊ ትካል ምትሕግጋዝ ማሕበር ካብ ዝቐውም ልዕሊ 20 ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘካይድዎ ግብረ ሰናይ ዝድግፍ ኣብ ሕቡራት መንስታት ኣመሪካ ናይ ዝቖመ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ዝለገሱ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብዚ ብድኽነን ብምስፋሕ ድኽነት ዝልለይ ዘሎ ዓለም ናይ ተስፋ መልእኽተይና ኰይንና ምርኻብ የድሊ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ማርኰ ጉወራ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ካብ ዝቐውም ሕውነትን ሰላምን ዘነቓቕሕ ኣገልግሎት ዘቕርብ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቲ ዘቕርቦ ድጋፍን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ግብረ ሰናይ ስሉጥ ክኸውን ዝህቦ መሰረታዊ ምትሕብባር ዝነኣድ ጥራሕ ዘይከነ ካብታ ቅድሚ 28 ዓመት እቲ ማሕበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዓለማውያን ምእመናን ተነቓቒሑ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ መደባት ግብረ ሰናይ ናይ ሮማ ጳጳስ ክረጋገጽ ኣብ ዝፍጽሞ ምትሕብባር ዝነኣድ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሓቢሮም፥

ምዕባለ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምንቕቓሕ

እቲ ጳጳሳዊ ትካል ምትሕብባር ኣብ መደብ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ተጸሚዱ ነቶም ኣዚዮም ዝተጠቕዑን ገዛእ ርእሶም ንምእላይ ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም መእሰያት ድዮም ብዕድመ ንዝደፍኡ ዝህቦ ሓገዝ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፥

ብዝተፈላለዩ ናይ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባት ኣቢልኩም ንብዙሓት ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ደናግልን ብፍላይ ካብ ድኻታት ሃገራት ንዝተዋጽኡ ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን ነዚ መሳለጥን ዘድልን ድጋፍ ብምቕራብ እተሳልጥዎ ግብረ ሰናይ ብቤተ ክርስቲያን ኣቢልኩም ኣብ ዓለም ሰብኣዊ ስድራ ቤተ እተነቓቕሑ ኢኻትኩም

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጉወራ ኣስዒቦም፥

ብግጭትን ዓመጽን ኣብ ዝልለይ ዘሎ ዓለም

ነቲ ኣብ ልዕሊ ዕዋናዊ ሕብረተሰብ ምኽንያት ኣቝሳል ዝዀነ ንምውጋድን ንምፍዋስን እቲ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ዘቕርቦ ጭቡጥ ድጋፍ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ፥

ኣብዚ ብግጭትን ዓመጽን ብቁሳውን መንፈሳውን ድኽነትን ብዙሕ እዋን ብዘይተገዳስነትን ብምንጻልን ዝልለይ ዘሕዝን ዓለም እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ነቶም ካብ እተቕርብዎ ድጋፍን ለጋስነትኵምን ተጠቃሚ ንዝዀነ ኵሉ ናይ ተስፋን ምሕረትን ወንጌል እተበስሩ ኢኻትኩም፡

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውህደት ምሕናጽ

እቲ ጳጳሳዊ ናይ ረድኤት ትካል ምስ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ሕውነት ዝምስክር ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስ ኣቦና በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ኣመስጊኖም፡ እዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቲ ማሕበርን ብሓፈሻኡ ኣብቲ ማሕበር ክሕደስ ክጽልዩን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትን  ኣብ ምፍቃር ነቶም ዝተናዕቁን ኣዚዩም ብድኽነት ንዝተጠቕዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክትዓብይ ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ጉወራ ገሊጾም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ ብድኽነት ዝልለ ዘሎ ዓለም ናይ ተስፋ መልእኽተይና ምዃን የድሊ
11 May 2019, 16:17