ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንኻልእ ምንሻው ዝብል ባህሊ ብሰቂለ ሕልና እዩ ዝስነፍ ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንኻልእ ምንሻው ዝብል ባህሊ ብሰቂለ ሕልና እዩ ዝስነፍ 

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንኻልእ ምንሻው ዝብል ባህሊ ብሰቂለ ሕልና እዩ ዝስነፍ

ናይ ቡልጋርያ ኤን ቲቪ ጋዜጠይና ፐታስ ናነይ፡ ከም ሰብ እትረኽብዎ ሓይሊ ካብ ኣካል ድዩ መንፈስ? ንዝብል ሕቶ ክምልሰኡ እንከለዉ፡ ኩሉ ሓዲገ ኣብታ ዝርከበላ ሃገር ክርከብን ኣብ ውሽጣ ምእታውን እዩ ባህ ዝብለኒ፡ ዝረኽቦ ሓይለይ ካብ እግዚኣብሔር እዩ….

ቅዱስነቶም ካብ ስኰፒየ ናብ ሮማ ኣብ ዝነቐሉላ ነፋሪት፡ ብሓቂ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ናይ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ለወሃትን ርህራሄን ሓልዮትን ብተግባር ከምዝረአዩን፡ ደናግል ደቂ እናቴ ተረዛ ንዝተናዕቁን ድኻታትን ኣብ ምግልጋል ዝነብርኦ ልዕሉል ክብሪን፡ ዝተራኸብዎም ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካት ብሓቂ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ምዃኖምን ብዛዕባ ኣዋጅ ቅድስትና ካርዲናል ብፁዕ ስተፒናክ ዝምልከትን ዛዕባ ማዕርገ ድቁና ንደቀንስትዮም ዝብል ሓሳብ ዘጽንዕ ዘሎ ድርገት ዕዮታቱን ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣድረያ ቶርኒየሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሱነቶም ድሕሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ነቶም ጋዜጠይናታት ሕቶኦም ንቐቕርቡ ምስ ዓደሙ፡ ናይ ሰሜን መቀዶኒያ ኤም ኣር ቲ ናይ እተሰምየ ተለቪዥን ጣቢያ ጋዜጠይና ቢጋና ዝሀረቭስካ፥ ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዓቢይ ጦብላሕታ ዝፈጠረሎም እንታይ እዩ እንክብላ ንዘቕረባሎም ሕቶ፥ ቡልጋርያ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ሰሜን መቀዶኒያ እውን ከም ምቛም ሃገር እውን እንተዘይኰነ ከም ሕዝቢ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ሰሜን መቀዶኒያ ንባህሊ ክርስትና ዓቢይ ኣፍልጦ እትህብ ጳውሎስ ዝሓለፈላ ሃገር እያ፡ … ቡልጋርያ ከም ሃገር ኣብ 1877 ዓ.ም. ብርቱዕ ቃልሲ ዘሕለፈት ክሳብ 200 ሺሕ ዝግመቱ ወትሃደራት ሩሲያ ዝሓለቕሉ፡ ካብ መንግስቲ ኦታማን ናጻ ወጺኣን ናጻ ሃገር ኰይና ከምዝቖመትን፡ መንነትና ንምርግጋጽ ዝሓልቕ ሕይወት ሰብን ዝፈስስ ደምን ዘኪሮም፡ ኣብ ቡልጋሪያ ኰነ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ኦርቶዶክሳውያን ካቶሊካዋን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰብን ቤተ እስላምን ኣይሁድን፡ ኩሎም ብሰላም ተሰማሚዖም ክነብሩ ምርኣይ ክንደይ ደስ የብል። ሰዓቢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብላጺ ዝዀነለን ሃገራት እውን ይኹና እቲ ውሑድ ካቶሊካውን ቤተ እስላምን ብሰላም ዝነብረለን ማሕበራዊ ስኒት ዝረኣየለን ሃገራት እያተን። ኣቲ ምክብባርን ብዘይ ኣድልዎ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ክትርእይ ደስ ዘብል እዩ፡

ናይ ቡልጋርያ ኤን ቲቪ ጋዜጠይና ፐታስ ናነይ፡ ከም ሰብ እትረኽብዎ ሓይሊ ካብ ኣካል ድዩ መንፈስ?  ንዝብል ሕቶ ክምልሰኡ እንከለዉ፡ ኩሉ ሓዲገ ኣብታ ዝርከበላ ሃገር ክርከብን ኣብ ውሽጣ ምእታውን እዩ ባህ ዝብለኒ፡ ዝረኽቦ ሓይለይ ካብ እግዚኣብሔር እዩ….

ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ሰናይ እዩ፡ ኩሎም ፓትሪያርክ ብሓቂ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት እያቶም፡ ብርጠለመዎስ ቀዳማውን ኪሪል ካልኦት እውን ንምጥቃስ ይከኣል፡ ኣብ ቡልጋሪያ ዝተረኸብዎም ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊትን ኣብ መቀዶኒያ ኤሊያ ዳግማውን… ኩላትና ካባይ ጀሚርኩም ይብሉ ቅዱስነቶም ግድፈታት ኣሎና፡ … ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ምግምማዕ ዝተበገሰ ኣብ መቀዶኒያ እዩ ስለዚህ ናይ ሮማ ጳጳስ ነዚ ክዕርይ ናብ መቀዶኒያ መጸ ክበሃል ይከኣል፡ ቅድስቲ ስላሴ ንጽልይ እንተድኣ ኰይንና ሰላም ከይተበሃሃልና ክንጽልዮ ብሓቂ ዝከኣል ኣይመስለንን፡ ….  ነቲ ብዛዕባ ካርዲናል ስተፒናክ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድርገት ክቐውም ከምዝገበሩን፡ ቅድስና ንኽእወጀሎም ዝቐረበ ሓሳብ ዘይዓሞቐ ጉዳይ ስለ ዝነበረ ክጸንሕ ከምዝሓተቱ እውን ሓቢሮም፡ እቲ ዘገድስ ሓቒ ምፍላጥ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እቲ ዘፍሓኒ ሓቂ ዘይኰነ ፍርዲ እግዚኣብሔር እዩ ኢሎም።

ኣብ ቡልጋርያ እቲ ጥንታዊ ባህሊ ዝዓቀበት ንሱ ኸኣ ደቀንስትዮ ዱቁና ምስ እትህብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተራኸቡን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ መሰረት ዝገበረ ድቁና ንደቀንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስትያን ክህሉ ትደልዩ ዶ? ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፡ ነዚ ጉዳይ ዘጽንዕ ፍልዩ ድርገት ከምዘቖሙን እቲ ጉዳይ እውን ይጽናዕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ካብቶም ጋዜጠይናታት ቅድሚ ምስንባቶም፥ ኣብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምልስ ቢሎም ብምሕሳብ፡ እቲ ኣዚዩ ልቦም ዝተንከፎም ቤተ መዘክር እናቴ ተረዛን፡ ህልው ዝካረኤን ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብዘይ ውናኔን በዓል ቤታውነትን ንድኻታትን ንዝተናዕቁን ብደቂ እናቴ ተረዛ ክእለዩ ምርኣይ፡ እትህቦ እውን ኣይለኻ ቀርቢባ ሓልዮትካ ምግላጽ እውን ዓቢይ ጸጋ ከምዝዀነ ተስተውዕል፡ ኩሉ ክጸራረፍን፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ጐረባብትን ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ኩሉ ክጸራረፍ ትርእይ፡ እዚ ተጻራፋይ ባህሊ ብሰቂለ ሕልናውነት እዩ ዝስገር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ከምዝዀነት ምምስካርን ምንባርን የድሊ፡  ሰሜን መቀዶኒያ ዘደንቕ ውርሻ እናተ ተረዛ ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም።

ኣብ ቡልጋርያ ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዑሎም ሕጻናት ነታ ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበሉላ ዕለት 8 ጥቅምቲ 1944 ዓ.ም. ክዝክሩ ከምዝገበሮም ድማ ገሊጾም፡ ኣብቶም 245 ናይ መጀመሪያ ቅዱስ ቁርባን ዝሰራዕኩሎም ሕጻናት ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ከማዕድዉ ከምዝገበሮም ሓቢሮም።

(Andrea Tornielli)

ር.ሊ.ጳ.፥ እቲ ንኻልእ ምንሻው ዝብል ባህሊ ብሰቂለ ሕልና እዩ ዝስነፍ
08 May 2019, 16:24