ድለ

ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ንጸልይ ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ንጸልይ 

ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ንጸልይ

ናይቲ በዓል ናዝሬት ትሑት ሰራሕተይና ቅዱስ ዮሴፍ ተክለ ሰብነት ናብ ክርስቶስ ንኸነመስርቕ ይሕግዘና፡ ንሰናይ ናይ ዘገልግሉ ጻዕሪ ይደግፍ፡ ስለ እቶም ብምስጓግ ድዩ ወይ ስራሕ ስለ ዘይረኽቡ፡ ስለ ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑን ኣማልድ

ብናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ሎሚ ዕለት 1 ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ከምእተበዓለን፡ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኢየሱስ ምድራዊ ኣቦ ብጽርበት ሙያ ዝመሓደር ዝነበረን፡ ኣብቲ እዋን ብትሑት ሙያ ዝመሓደር ዝነበረ ዮሴፍ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ ክዋሳእ ዝተሓርየ ኰይኑ፡ ቅዱስ ሓላዊ ናይ መላእ ክርስቲያን ሰራሕተይናታት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዮሴፍ ሕጹይ ማርያምን ናይ ኢየሱስ ምድራዊ ኣቦ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጸራባይ እውን ከምዝነበረ ወንጌላውያን ይሕብሩ፡ ብትሕትናኡን ቅንዕናኡን ጻድቕነቱን እውን ነቲ ገዛእ ርእሱን ስድራ ቤቱን ዘመሓድረሉ ዝነበረ ናይ ኢድ ሙያ ዕዮ ክቡርነቱ ገለጸ፡ በዚ ኣቢሉ እውን ንሱታፌ ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ጸዋዕታኡ ነበረ።

ዮሴፍ፥ ጻድቕ ሰብ

ዮሴፍ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጻድቕ ብዝብል ቅጽል ስም ይግለጽ፡ ጻድቕ ዝብል ስም ኣብ ቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ሕጊ ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ መግለጺ ምዃኑ ኣሚኑ ዘኽብርን ዝነብርን ማለት እዩ፡ ዮሴፍ ነዚ ዝነብር ክኸው`ን እንከሎ፡ ካብ ዘርኢ ቤተ ዳዊት ዝመጸን ሕጹይ ማርያምን፡ ከም ማርያም እግዚኣብሔር ብመልኣኹ ኣቢሉ ንዘቕረበሉ ጸዋዕታ፡ እነኹ ከም ፍቓድካ  ዝበለን፡ ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ስራሕ ከምዝጸነሰትን ነዚ ብመልኣኽ ዝተገለጸሉ ድላይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዘግዘአ እዩ፡ ብዕድመ ዝደፍአ ብምንባሩ ይኸውን ድማ ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወቱን ተልእዀኡ ብወግዓ ካብ ቃና ዘገሊላ ከበግስ እንከሎ ወንጌላውያን ብዛዕባ ዮሴፍ ኣይዛረብን፡ ስለዚህ ኣብቲ እዋን ብሕይወት ኣይነበረን ዝብል ትንታነ የውህብ።

ተዋሳእነት ስራሕ ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ

ወለዲ ሙያኦም ንደቃቶም የመሓላልፉ ከምዝነበሩን ሎሚ እውን ሳሕቲ ዝረኣይ እንተዀነ እናተወራረሰ ዝከይድ ናይ ኢድ ሙያ ኣሎ፡ ኢየሱስ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ ወዲ ጸራባይ እንክብሉ ዘሰምይዎ ዝነበሩ፡ ዮሴፍ ነቲ እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ብረሃጽካ ክትበልዕን ፍጥረት ከተመሓድርን እንክብል ንዝሃቦ ሓላፍነት ፍጹም መግለጺ እዩ። ብከበድ ስራሕ ዘየማርር እኳ ደኣ በቲ ዕለታዊ መነባብርኡ ኣቢሉ ኣብ መደብ መድሓን ኣምላኽ ይዋሳእ፡ ብእትነብሮ ዕዮ ኣቢልካ መጋበርያ ድሕነት ናይ ምዃን ኣብነት እዩ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር እውን ከይተረፈ ዘራእን ጓሳን በዓል ግራት ወይኒ ኰይኑ ይግለጽ።

በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ ጸራባይ

ዕለት 1 ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይና ተባሂሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክበዓል ዝወሰኑ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 እዮም፡ ናይ ስራሕ ክርስቲያናዊ መዳይ ንቡር መታን ክኸውን፡ ቅድም ክብል እውን ፒዮስ ታሽዓይ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሓላዊ እንክብሉ ክሰምይዎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ኣብታ ሰብኣዊ ዕዮ እትትንትን ዓዋዲት መልእኽቶም ዕዮ ኣብ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ዘለዎ ሱታፌ የብርሁ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እውን እዩ ናይ ወንጌል ስራሕ እንክብሉ ዝገልጽዎ፡ ዮሓንስ መበል 23 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዮ ዮሴፍ ዝብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳዊ መጸውዕ ስም ክሓርዩ ድላይ ከምዝነበሮም ይንገር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ንቕዱስ ዮሴፍ ዘለዎም ኣኽብሮት ዓቢይ ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ ጽሞናን ካብ ቃል ተግባር ኣዚዩ ዝዛረብ ምዃኑ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነት እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንእሽተይ ሓወልቲ ቅዱስ ዮሴፍ ከምዘለዎም ይፍለጥ።

ቅዱስ ኣቦና፥ ስለ እቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ንጸልይ
01 May 2019, 16:31