ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እንነብረሉ ዓለም ካብ ዘይተገዳስነትን ካብ ጣዖት ሃብቲ ገንዘብን ነድሕን ር.ሊ.ጳ.፥ እንነብረሉ ዓለም ካብ ዘይተገዳስነትን ካብ ጣዖት ሃብቲ ገንዘብን ነድሕን 

ር.ሊ.ጳ.፥ እንነብረሉ ዓለም ካብ ዘይተገዳስነትን ካብ ጣዖት ሃብቲ ገንዘብን ነድሕን

ምዕዳን፡ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓት ዝብልን እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ብዛዕባ ክንክን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ዝብሉ ስምምዓት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም፥ ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ንብረት ኣየርን ሓደስቲ ምልክታ ካብ ስነ ምርምርን ስነ ህንደሳን መርሓን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን መሰረታዊ መርሓ መጽሓፍ ዝብል ኣፍልጦ ክወሃቦ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን መኽሰብን ክስራንን ዝብሉ ካብ ንሕይወትን ናይ ሞት ሓደጋን ዘጋጠሞም ካብ ዝግለጽሉን ንናይ ካብቲ ኢታእላው ክብሪ ሰብኣውነት ንላዕሊ ንናይ ትካላት ኪደት መግለጺ ከምዝዀነ፡ ብዘይ ቀለዓለም ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጉባኤ ኣቦ መንበርን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ጉዳይ ሚኒስትራት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 27 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣመልኪቶም፡ ነቶም ብምኽንያት ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ንብረት ኣየርን ሓደስቲ ምልክታ ካብ ስነ ምርምርን ስነ ህንደሳን መርሓን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንኽመክር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥

ንስኻትኩም ሎሚ ዛዕባ እቲ ናይ ግብረ ገብን ቁጠባን ጸብጻባትና ዘለዎ ምድጋራት ዝፈጥሮ ዓሚዩቕ ቅልውላው ንኸተስተንትኑ ኣብዚ ትርከቡ፡ እቲ ዓለም ናብ ዕንወት ዝመርሕ ዘሎ ቅልውላው ገታኢ ድጋፍ ንምቕራብ ኣብዚ ትርከቡ፡

ቀዲሞም ዝተሓንጸጹ ተበጽሖታት ንኽብጽሑ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓት ዝብልን እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ብዛዕባ ክንክን ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየርን ዝብሉ ስምምዓት ዘንበሮም ሸቶ ተወኪሶም፡

ከም ናይ ሃገራትኩም ናይ ስነ ቁጠባን ኤኮኖምን ሓለፍትን ኣካየድቲ ሰብ ሙያን እቲ ብነፍሲ ወከፍ መንግስታትኩም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንናይ ሎምን መጻእን ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ዝብል ዝተሓንጸጸ መደብ ክሰዓብን ክብጻሕን እተነቓቕሑ ኩኑ፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ እቲ ዝተሰማማዕናሉ ክንበጽሖ ይግባኣና፡ ስለምንታይ ህልውናን ናይ ሓባር ጥቕምን ናይዚ ጽግዕተይና ስለ ዝዀነ።

ኣገዳስነት ሕጹጽ ተግባራዊ ውሳኔ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓለም ለኻዊ ድስክልና ዘስዕቦ ዘሕዝን ፍጻሜታት መፍትሒ ብዝዀነ ተግባርን ብቑልጡፍ ተግባራዊ ውሳኔን መልሲ ክወሃቦ ከምዘድልይ እንክሕብሩ፥

እቲ ኣብ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዝፍነው በካሊ ጋዝ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን መፋርቕ ምሉእ ብምሉእ ደው ንምባል ቆራጽ ተግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እንተዘይኰነ መላእ ሕይወትን ናይ ሓባር ቤትናን ንሓደጋ እዩ ዝቃላዕ ከምዚ ብምዃኑ ቆራጽ ውሳኔ ብዘይ ውዓል ሕደር ክረጋገጽ ሓደራ እብል፡ ምጥቃም ዘይብክል ከይዲ ልምዓት ምድሃብ ንሕይወትን ናይ ሓባር ቤትናን ውሕስነት እዩ፡ ካብ ኰነ ንጹሕ ጸዓት ኣብ ምጥቃም ምትጋህ የድሊ።

ሓሙሽተ መሰረታውያን ቃላት

ክብጽሑ ዘለዎ ሓሙሽተ ተበጽሖታት ከመላኽቱ እንከለዉ፥

-       ነቲ ዘገድስ ኣምበር ንዘየገድስ ዘይምድናቕ ኣገዳስነት

-       እቲ ንእነብረሉ ዓለም ዘዕንው ንጥፈታት ኩሉ ንምውጋድ ናይ ሃገራትናን ናይ ዕማምናን ምጽብጻብ

-       ካብ ተጠቃምነት በካሊ ነዳዲ ናጻ ምዃን

-       ሓድሽ ጽሩይ ጸዓት፥ ንፋስ ጻሃይን ማያትን ምጥቃም

-       ሰብኣዊ ክብርን ንምንቕቓሕን ድኻታትን ንምድጋፍን ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ዘስዕብ ጣዖት ሃብቲ ገንዘብ ናጻ ንምዃን ኣብ ዝመርሕ መገዲ ንኽንርከብ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ኪደትና ብሓላፍነትን ብጥንቃቔን ምኽዋን

ዝብሉ ሓደ ብሓደ ገሊጾም፡

ሰዓቱ ሕጂ እዩ

እቶም ተጋባእያን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ጻዕርታትን ዝውክሉ ኰይኖም ክርከቡ፡ ናይ ኵሉ ሕዝቢ ዓለም ድምጺ ክዀኑ፥

ንብጾትኩም ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሚስትራት መላእ ዓለም ኣብቲ ጻዕርዅምን መደባትኵም ንኽሓብሩ ሕተትዎምን ኣተባብዕዎምን፡ ምስ ተመራመርትን ሰብ ሙያን እደ ጥበባውያንን ምስ መላእ ሕዚቢ ብፍላይ ምስ ድኽታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብምዃን እቲ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ናይ ፓሪስ ውዕሊ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ዘንበሮም ተበጽሖታት ንኽዕተሩ ኣበርቲዕኩም ንኽትዓዩ እላበው፡ እቲ ዝቕጽል ርክባትና ብነፍሲ ወከፍ መንግስታትኩም እቲ መደባትኩም ከይደንጐየ ቅቡል ኰይኑ ኣብ ግብሪ ውዒሉን ከምዚ ብምዃኑ ንእግዚኣብሔር ብምሕረቱ ኪደታትና ብዓንተውኡ ክተኻኸል ስለ ዝገበረ እነመስግነሉ ክኸውን ተስፋ እገብር። ግዜ ኣገዳሲ እዩ እሞ፡ ንናይ ኩሉ ረብሓ እተመሓላልፍዎ ውሳኔ ንጽበይ

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ እንነብረሉ ዓለም ካብ ዘይተገዳስነትን ካብ ጣዖት ሃብቲ ገንዘብን ነድሕን
28 May 2019, 17:17