ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንቡልጋርያውያን ምሳኹም ከም ናይ እምነትን ሓድነትን ሰላምን ትእምርቲ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኤውሮጳ እቲ ናጻ ዘውጽእ ናይ ክርስቶስ ሓይሊ ንኸተስተውዕልን ብኽልተ ሳንብእ ንኸተተንፍስን ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋያን ሰሜን መቀዶኒያን ንዘካይድዎ ንመበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምቃሎም ክልተ መዓልቲ፥ ሎሚ ዕለት 3 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናብ ቡልጋርያውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ዘካይድዎ ሓዋያዊ ምብጻሕ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዮሓንስ መበል 23 ዝስዕብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብእምነትን ሓድነትን ሰላምን ዝተመልከተ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ ዝኽሪ ዮሓንስ መበል 23 ዝተነብረ መንፈሳዊ ንግደት፡ ነዞም ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ከምዝኣወጁሎም ዝዝከር ኰይኑ፡

ናብ ቡልጋርያ “ክመጽእ” ንዓይን ንናይ ቀረባ ተሓባበርተይን ናይ እምነትን ሓድነትን ሰላምን ምልክታ ዝተነብሮ መንፈሳዊ ንግደት እዩ፡ መሬትኩም ካብ ጥንቲ ካብቲ እዋን ቀርሎስን መጠዲዮስን ቅዱሳት ኣሕዋት ኣትሒዛ ናይ እምነት መሰኻኽር ስፍራ ዝኸነን፡ ወንጌል ዝዝርኣሉን፡ ፍርያማ ዝዀነን ኣብቲ ጽንኩር ኣዋን እውን ከይተረፈ ፍድፋድ ወንጌላዊ ፍርያማነት ዝረኣየሉ እዩ።

ኤውሮጳ ብኽልተ ሳንቡእ እተተንፍስ ክፍለ ዓለም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኤውሮጳ እቲ ናጻ ዘውጽእ ናይ ክርስቶስ ሓይሊ ንኸተስተውዕልን ብኽልተ ሳንብእ ንኸተተንፍስን ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዕለት 23 ግንቦት ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2002 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያ ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡

ኣብ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ቅዱነቶም ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ንኽራኸብ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ብሓባር  ኣብ ናይ መላእ ክርስቲያን ናይ ሕውነት ጉዕዞ ንኢየሱስ ጐይታ ንምስዓብ ዘሎ ድላይ ክንገልጽ ኢና

ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቡልጋያን ደሓር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23፡ ናይ እምነትን ሰላምን ሰብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ 1925 ዓ.ም. ኣብ ቡልጋርያ ሓዋርያዊ በጻሒ ከይኖም ዝተላእኩን ደሓር እውን ካብ 1931 ክሳብ 1934 ዓ.ም. ቀዳማይ ሓዋርያዊ ሉኡኽ ኣብ ቡልጋርያ ኰይኖም ዝተላእኩን ኣብ መንጐ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ቡልጋርያን ምትእስሳር ክህሉ ዝገበሩን ደሓር ር.ሊ.ጳ. ኰይኖም ዝተሓርዩ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዘኪሮም፡

ኣብ ቡልጋርያ ዝፍጽሞ መፈሳዊ ንግደት ኣብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ቡልጋያን ምስ ሕዝቢ ቡልጋያ ጽኑዕ ምትእስሳርን ኣኽብሮት ንሕዝብን ሃገርን ቡልጋርያ ዘለዎም ናይ እምነትን ሱታፌን ናይ ሰላም ሰብ ኣብ ዝዀኑ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝኽሪ ዝጸንዕ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ናይቲ ኣብ ቡልጋርያ ዘካይዶ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፡ ሰላም ኣብ ምድሪ (ሚር ና ዘምያታ ብቛንቋ ቡልጋርያ) ዝብል ክኸውን ዝሓረኹ፡

ቅዱስነቶም ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶ፥ ሕዝቢ ቡልጋርያ ኣብ ጸሎቱ ክዝክሮምን እግዚኣብሔር ንቡልጋርያ ሰላምን ምዕባለን ክጽግዋ ንጸልይ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም።

ር.ሊ.ጳ. ንቡልጋርያውያን ምሳኹም ከም ናይ እምነትን ሓድነትን ሰላምን ትእምርቲ
03 May 2019, 18:29