ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡካሬስት ቤተ መንግስቲ ንወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንባህልን ሕዝብን ሩመንያ መጻእተይና ዘይኰነት ኣካሉ እያ

ቅዱስ ኣቦና ንኽብሪ ሃገረ ሩመኒያን ሕዝብን ርእሰ ብሔርን ናብ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ከምዝኸዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ብርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮሃኒስን ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ኣብ ኣፈት ቤተ መንግስቲ ኣቀባላ ተገይርሎምን ካብ ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ምስ ቀረበ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሩመኒያ ሰንደቐ መዛሙር ምስ ተሰምዔ ቅዱስነቶም ብርእሰ ብሔር ሩመንያ ተሰዮን ናብ ቤተ መንግስቲ ምስ ኣተዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ቤተ መንግስቲ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ምስ ኣንበሩ ናይ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓትን ሌላ ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔርን ኣካይዶም ናይ ሓባር ወግዓዊ ስእሊ ምስ ተሳእሉ ብርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮሃኒስ ተሰንዮም ምስ ናይ ሩመኒያ መራሒት መንግስቲ ቫሲሊካ ቪዮሪካ ዳንቺላን በዓል ቤተንን ስድራ ቤተንን ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ድሕሪ ሓጺር ግላዊ ርክብ ብርሰ ብሔር ተሰንዮም ምስ ናይ ሩመኒያ ናይ መንግስትን በርገሳያን ማሕበራትን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሩመኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ተራኺቦም፡ ርእሰ ብሔር ክላውስ ወነር ዮሃኒስ …

ቅዱስነትኩምን

ብፁዓንን ክቡራትን ክቡራንን

ብስም መላእ ሕዝቢ ሩመንያ ክቕበለኵም ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ኣብዛ መሬት ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ኣብ እትካይድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ መላእ ህዝቢ ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝገበርልኩም ርግጸይና እየ….

ምስታ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምብጻሕ ዘካየዱላ ናይ እመ ኣምላኽ ኣታኽልቲ ስፍራ እንክብሉ ምስ ዝሰመይዋ ሃገር ክትላለዩ ኢኹም … ንናይ ሮማ ጳጳስ ከነእንግድ ዓቢይ ሓጐስ እዩ ዝስምዓና … ኣብ ሩመኒያ ምብጻሕ እተካይድሉ እዋን ኣብ መንጐ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተብዕሎ በዓለ ዕርገትን በዓለ ጰራቅሊጦስን እዋን ዝርከብ ብምዃኑ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ … ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 9 ግንቦት 1999 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዶም… ኣብ ናይ ሃገርናን ኤውሮጳን መጻኢ ኣመኔታ ክህልወና ኣተሓሳሲቦምና ከምዝነበሩን። ሎሚ እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ተፈጺሙን ንነብሮ እውን ኣሎና …

ጳጳሳውያን ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ሕቶታት ሰላማውን ምዕሩይን መፍትሒ ንኽርከቦም ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ እዩ፡ …. ኣብ ቅድሚ እቲ ሃገረ ሩመንያን ሕዝባን ዘሎ ብድሆ እቲ ናትኩም ምብጻሕ ንነካይዶ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዕዮን ህርኩት ጻዕርን ዘበራትዑ እዩ …

ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ሩመኒያ ኣብ እትርከቦ  ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተረይና ናይ ኣቦ መንበር ስልጣን ኣበርቲዓ ከምእተዓዪ ከረጋግጸልኩም እፈቱ .. ሕብረት ኤውሮጵ ከምቲ ኣብ ሩመኒያ ከተማ ሲቢዩ ዘካየዶ ዋዕላ ዘውጽኦ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኤውሮጳ ብሓባር ንውህድትን ሰላማዊትን ደሞክራሲያዊትን ክትዓዪ ምዃኑ ዘመላኸቶ ሓሳብ በቲ ናይ ኤውሮጳ ዕሴታትን ናጽነታን ዝምራሕ እዩ …

ብፅዕና እትእውጁሎም ሸውዓተ ጳጳሳት ናይ እምነት ሰማዕታት ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣብ ሩመኒያ፡ ንናጽነትን እምነትን ዝኸፈልዎ መስዋዕትነት ዘቃልሕ እዩ … ክትበጽሑና ምምጻእኩም ነቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ዝበዓል ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ብጋሴ ስነ ሜላዊ ርክብ ሩመንያን ቅድስቲ መንበርን ኣቐዲሙ ዘዘኻኽርን ነቲ በዓል ዘሰናድውን እዩ …

ንሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ሩመንያ ኣብነት እያ፡ 20 ንኡሳን ዓሌታት ዘለዋ ሃገር እያ፡ ኩሉ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘስተማቕረላ ሃገር እያ። … እቲ ንስኹም እተቃልሕዎን እትነብርዎን ምትሕብባርን ሓልዮትን ዝብል ኣብ ዓለም ዓቢይ ተፈላጥነት ዘለዎ፡ ኣብ ሩመኒያ እውን ዓቢይን ንኡድን ምዃኑ ከረጋግጸልኩም እፈቱ …

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንሩመናውያን እተበርክቶ ደገፍን ሓልዮትን ልዕሉ ምስጋናይ ከቕርብ እፈትው። ዓመጽን ድኽነትን ጸኣት ስደተይናታትን ብከላ ምህዳርን ኩሉ ከም ናትኵም ኩነት ገርኩም ትነብርዎን ትገልጽዎን ትውሳኤ ገርኩም እትጣበቕሉ ማሕብራዊ ኩነት እዩ … ሰብኣዊ ሕውነት መፍትሒ ምዃኑ ትሕብሩ። እቲ ስለ ሓልዮትን ምትሕብባርን እተቕርብዎ ጻውዒት ኣብ ህዝቢ ሃገረ ሩመኒያ ዝቃላሕ እውን እዩ።

ቅዱስነቶም ሰላም ዝዓሰሎ ዓለም ንምሕናጽ ናይ ምራኽ ብድልድ ክቐውን ኣብ እተቕርብዎ ጻውዒት ምሳኹም ንሓብር፡ ንዅሉ ናይ እመ ኣምላኽ ኣታኽልቲ ዝዀነ ዓለም ኣብ ምህናጽ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብሓባር ንጓዓዝ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠቓሊሎም።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቡካሬስት ቤተ መንግስቲ ንወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ስነ ስርዓት
31 May 2019, 14:32