ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ እናቴ ተረዛ ናይ ድኻታት ገዓር ሰማዕቲ ንኽንከውን ትደግፈና

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ እናቴ ተረዛ ዝተወለደትሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮፕይጀ ናብ ዝርከብ ስፍራ ብምኻድ ኣብቲ ቦታ ዝቖመ ሓወልቲ እናቴ ተረዛን ቤተ መዘክር እናቴ ተረዛን ምብጻሕ ኣካይዶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሰሜን መቀደኖያ ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ኣብ ዝተወለደትሉ ርእሰ ከተማ ስኮፕጀ ናብ ዝርብ ንዝኽራ ናብ ዝቖመ ሓወልቲን ቤተ መዘክርን ምብጻሕ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኵላትና ናይ ቤተ ክርስቲያን ብስራተ ወንጌል ንድኻታት ኣብ ምቕራብ ተኣማኒ ምስክርነት ዝዀነ ናይ ፍቕሪ ትእምርቲ ክንከውን መታን እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ትደግፈና ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙን፡ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ብደናግል ማሕበረ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ምስ ዝእለዩ ሚእቲ ድኻታትን ምስ ደቂ ኣናቴ ተረዛ ደናግልን ተራኺቦም ኣብቲ ስፍራ ናይ ዝሕነጽ እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ቅዱስ ስፍራ መሰረተ ኣምን ከምዝባረኹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ እናቴ ተረዛ ዝተወለደትሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ስኮፕይጀ ናብ ዝርከብ ስፍራ ብምኻድ ኣብቲ ቦታ ዝቖመ ሓወልቲ እናቴ ተረዛን ቤተ መዘክር እናቴ ተረዛን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብኡ ዝተሓንጸ ቤተ መዘክር ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኩሉ ኣብኡ ዝተዓቀበ ዝተፈላለዩ ኣሳእልን እናቴ ተረዛ ዝጥቀማሉ ዝነበራ ግኡዝ ነገራትን ቅዱሳት ትሩፋትን ሓደ ብሓደ ተመልኪቶም፡ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ እናቴ ተረዛ በጺሖም ብግሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዶበራ ኣስዒበን፡ ኣብቲ ናይ እናቴ ተረዛ ቅዱሳት ትሩፋት ዝተንበረሉ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሓሙሽተ ሃይማኖታት ዝውክሉ ሓሙሽተ ሽምዓ ናብ ዝተነብሮ መንበረ ታቦት ቀሪቦም፡ ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮፖሊታ ኣብ ስኮፕይጀ፡ ብፁዕ ኣቡነ ስተፋኖን ናይ ሃይማኖት ምስልምና ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ መምህር ሱለይማን ረክሰፒን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት መጠዶሳዊት መጋቤ ሚካኢል ቸኮቭን ካብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ በርታ ራሞኖ ኒኮሊች ብሓባር ከምዘጸለዩን። እታ ናብቶም ዝተናዕቁ ኣብራኻ ዓጺፋ ድንን ዝበለት ኣብነት ናይቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ ዝኸነት፡ ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ይኹን ዘየኽብር ሃደ’ኳ የሎን።

ኣብ መስቀል ኰይኑ ጸሚኤ ንዝበለ ኢየሱስ ጽምኡ ዘርወየት

ማድረ ተረዛ እብ 2016 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስና ዝተኣወጀላ ምዃና ዝዝከር ኰይኑ፡ ቅዱስነቶም እግዚኣብሔር ንእናቴ ተረዛን መንፈሳዊ ዕላማኣን ስለ ዝዓደለና ነመስግን፡ …. ኣብ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ወጅሂ ኢየሱስ ዘለለየት፡ ናይቶም ድኻታትን ድምጺ ዘይብሎምን ናይ ጸሎት ድምጺ ኰነት፡ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ጸማእኩ ንዝበሎ ቃል ብጥልቂ ዝተቐበለትን ዘርወየትን፡ ኣብ መስቀል ንጽምኢ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ሕይወታ ንመሓሪ ፍቕሪ ኣገልግሎት ብምውፋይ ዘርወየት፡

ከም እናቴ ተረዛ፡ ናይ ፍቕሪ ትእምርቲ

ኣብቲ ሓወልትን ቤተ መዘክር እናቴ ቅድስቲ ተረዛ ዝቖመሉን ዝተሓነጸሉን ስፍራ ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝዓነወ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ልቢ ዘኢየሱስ ዝነበረሉ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን እናቴ ተረዛ ጸጋ ጥምቅት ዝተቐበለትሉን ጸዋዕታ ንምንኩስና ሕይወት ኣስተንፍሶ ዝረኸበትሉ እውን ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘዕረግዎ ጸሎት፡ ንናይ ድኻታት ገዓር ጽን ዝብሉን ጽምዒ ዘርውዩን ንሑሙማንን ዝተናዕቁን ሕሩጋትን ዝበጽሑ ንኽንክውን በማላድነታ ይምሕጸኑ፡

ኣንሕና እውን ኣብ እዋንና ናይ ፍቕርን ተስፋን ትእምርቲ ንኽንከውንን ንብዙሓት ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ነቲ ንዘድልዮም ቀረባ ኰይንና ንኽንርከብ ጸጋ ተዕድላና፡ … ናይቲ ናይ ድኻታትን ናጽነት ንኡሱራት ንሕዙናትን ኣብ ስቓይን ንዝርከቡ ናይ ሓሴት ናይ ድሕነት ጸጋኡ ዝዀነ ወንጌል ናይ እተቕርብ ተኣማኒት ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር ንኽንከውን ጸጋ ተዕድለና፡

ቅድስቲ ተረዛ ነዛ ከተማ እዚኣ ትጽልይ፡ ነዚ ሕዝቢ’ዚ ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣን ነቶም ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ - ከምኡ ንኸገልግሉ እምበር ንኽግልገሉ ኣይፋል ቢሎም ንዝዕብዎ ትጸልይ እንክብሉ ዘዕረግዎ ጸሎት ከምዘጠቓለሉ ዶኒኒ ሓቢረን።

እቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ምስ ኣብቅዔ ቅዱስነቶም ምስቶ ብደናግል ደቂ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ምስ ዝድገፉ ድኻታትን ምስ ናይ ማሕበር ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ናይቲ ቦታ ገዳም ሃለቓ እናቴ ተክላን ደናግልን ተራኺቦም፡ ከምቲ እናቴ ተረዛ እትብሎ፡ ምስቶም ድኻታት እንርከብ ድኻታት ኢና ቢለን ገዛእ ርእሰንን ደናግል እናቴ ተረዛን ገሊጸን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጻእናን ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተስፋ ዝሓበርና ኢና እንክብላ እናቴ ተክላ ንቕዱስ ኣቦና ከምዝገለጻሎምን ስዒቡ እውን ካብቶም በተን ደናግል ዝሕገዙ ድኻታት ስድራ ቤትን ምዉቕ ቤትን ዝምነያ ዝነበራ ደሓር ግን ምስ ጓለን ኣብ ጐደና ዝተሓድጋ ኣደ ምስ ጓለን፡ በዘን ደናግል ኣቢሉ እግዚኣብሔር ቅርበቱን ፍቕሩን ከምዝገለጸለንን ሞት መሪጸ ኣብ ቤት ካብ ዝቕመጥ ሕይወት መሪጸ ኣብ ጐደና ዝተሓደግኵ ኣብ ዝዀንኩሉ ኣዋን እግዚኣብሔር በዘን ደናግል ደቂ እናቴ ተረዛ ኣቢሉ ቀረባይ ኰነ እንክብላ ልቢ ዝትንክፍ ዘቕረብውኦ ቃለ ምስክርነት ጽን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም ሓደ ብሓደ ሰላም ቢሎምን ባሪኾም ተፋንዮም። 

ር.ሊ.ጳ.፥ እናቴ ተረዛ ናይ ድኻታት ገዓር ሰማዕቲ ንኽንከውን ትደግፈና
07 May 2019, 17:09