ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት የርህው

ፍቕሪ ኢየሱስ እቲ ካልእን ካባና ዝተፈልየን ክዉን ወይ ንመጻኢ ኣባል ማሕበረሰብና ከምዝዀነ የነጽረልና፡ ንክንዛተን ጽን ንኽንበሃሃልን ንሓድ ሕድና ንኽንላለይን ይድግፈና፡ ገዛእ ርእስና ንኻልእ ንኸነርህው ዝገብረናን ናይ ሰብኣዊ ርክባትና መሰረት ዝዀነ ናይ ፍልልያትን ድኻምነትን ቅድመ ፍርድታትን መናድቕ ንኽሰግር ዘብቅዓና ፍቕሪ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማያት ምስቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ ምእመናን መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ፥

         ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 21 ክሳብ 27

         ዮሓንስ ራእይ ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 5

         ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 35

ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኢየሱስ ብናይ ገዛእ ርእስና ፍቕሪ ዘይኰነስ በቲ ሓደስቲ ፍጥረት ዝገብረና ናቱ ፍቕሪ ኣቢልና ንኸነፍቅር ይጽውዓና፡ እቲ ናቱ ፍቕሪ ንጸላእትና እውን ከይተረፈ ክንምሕርን ከነፍቅርን ዘራኽብ ድልድል ንኸነቕውምን ሓድሽ መገዲ ዘመላኽተና ፈላላይ መናድቕ ንኽንሰግሮ ዘብቅዓና እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እግዚኣብሔር ካብቲ ኣንሕና ንገዛእ ርእስና ምፍቃርና ንላዕሊ የቅረና፡ እዚ ፍቕሪ እዚ እዩ ከኣ ሓደስቲ ፍጥረት ዝገብረና፡ ስለዚህ እዩ ድማ እቲ ርካባት ዝሕድስን ሓደስቲ ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት ዘርህው ናይ ፍቅሪ ዘርኢ ኣብ ኩሉ ነኸነስፍሕ እንኽእል ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ሓድሽ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ይሕድሰና፡ ማለት እታ ኵላትና ንኢየሱስ ንኸነፍቕርን ኣብቲ ናቱ ፍቕሪ ንሕድሕድና እንፋቕረላ ቤተ ክርስቲያን ንኽንከውን የብቅዓና።

እቲ ኣብ መስቀል ዝተገልጸ ናይ ኢየሱስ ፍቕርን ንሱ ንኣና ምፍቃሩን፡ እቲ ደንጐላ ዝዀነ ልብና ህያው ልቢ ንኽከውን ዝልውጥ እንኰ ሓይሊ እዩ፡ ልብና ክልውጥ ዝኽእል ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ፡  እዚ ዝኸውን ግና ኣንሕና እውን በዚ ፍቕሪ’ዚ እነፍቅር እንተድኣ ኰይንና እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍኵም ሓንቲ ሕቶ ከቕርብ፥ ብልብኹምን ኣብ ልብዅምን እትምልስዎ፡ ጸላእተይ ናይ ምፍቃር ብቕዓት ኣሎኒ ዶ? ኵላትና ወገንና ዝዀነ ሕዝቢ ኣሎና፡ ይዅን ደኣ እምበር ምሳና ዘይሰማማዕን ካባና ዝተፈልየ ወይ ዝበደለናን ነፍቅር ዶ? እቲ ዝበደለንን ነታ ዝበደለትንን የፍቅር ዶ? ምሕረት ናይ ምሃብ ብቕዓት ኣሎኒ ዶ? ነፍሲ ወከፍና ኣብ ልቡ ንግዛእ ርእሱ መልሲ ይሃብ።

ፍቕሪ ኢየሱስ እቲ ካልእን ካባና ዝተፈልየን ክዉን ወይ ንመጻኢ ኣባል ማሕበረሰብና ከምዝዀነ የነጽረልና፡ ንክንዛተን ጽን ንኽንበሃሃልን ንሓድ ሕድና ንኽንላለይን ይድግፈና፡  ገዛእ ርእስና ንኻልእ ንኸነርህው ዝገብረናን ናይ ሰብኣዊ ርክባትና መሰረት ዝዀነ ናይ ፍልልያትን ድኻምነትን ቅድመ ፍርድታትን መናድቕ ንኽሰግር ዘብቅዓና ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ኢየሱስ ኣባና መራኽቦ ድልድል የቕውምን ሓድሽ መገዲ የቕንዕን ናይ ሕውነት ሕድሕዳዊ ድርኽቶ ይውልዕ፡

ሓድሽ ትእዛዝ (ሓድሽ ቃል)

ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖ ካብቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ሕማማቱ ሓድሽ ትእዛዝ ወይ ሓድሽ ቃል ከምዝሃቦም ዝነግር ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ ወንጌል ምንባብ፡ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንሓድሕድኵም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሕድሽ ተእዛዝ እህበኩም ኣሎዅ እንክብል ኢየሱስ ዝሃቦም ሕድሽ ቃል ኣሞርኵይዞም፡ ቅድም ኣብ ኦርቲ እግዚኣብሔር ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ከምዝሀበ ይንገር። እቲ ሕድሽ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩዅም ኣብ ዝብል ቃል ኢየሱስ እዩ ዘሎ፡ ገዛእ ርእሱ ምእንታና ኣሕሊፉ ንኽህብ ዝደረዀ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኵላውን ደረት ኣልቦን ኣልቦ ቅድመ ኵነትን እዩ፡ ናይዚ ፍቕሪ ፍጹምነት ኣብ መስቀል ዝረጋገጽ እዩ፡ እቲ ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ምውራድን ብዘይ ዕቃበ ገዛእ ራስኻ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምውካፍን ዝብል ፍቕሪ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ንዓለም ምልኣተ ፍቕሪ ኣወፈየ፡ ገዛ እርሱ!

እግዚኣብሔር ካብቲ ኣንሕና ንገዛእ ርእስና ምፍቃርና ንላዕሊ የፍቅረና

ኢየሱስ እዩ ቀዲሙ ዘፍቀረና፡ ሓጢኣተይናታትን ተኣፋፍያንን ኢፍጹማንን እውን ንኹን፡ ቀዲሙ ዘፍቀረና ንሱ እዩ፡ ናይቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነን መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ ዝግብኦም ንኽንከውን ዘብቅዓና ንሱ እዩ።

ሓድሽ ትእዛዙ ብምሃብ፡ ንሓድ ሕድና ንኽንፋቕር ይዕድመና፡ እቲ ምፍቓርና ግና ኣብ ፍቕርና ዘይኰነ ኣብቲ ንሱ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዝቖመ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ኣብ ልብና ከውሕዞ ብእምነት ንለምኖ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ እዩ ንሓድሕድና ከምቲ ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእሱ ከም ዘፍቅራ ገይርና እንፋቐር፡ በዚ ኣቢልና እውን እዩ እቲ ርካባት ዝሕድስን ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት ዘርህው ናይ ፍቕሪ ዘርኢ ኣብ ኩሉ ከንስፍሕ እንኽእል፡ ኢየሱስ ወትሩ ናይ ተስፋ ደረት ትርእቲ የርህው፡

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንኖ ዛዚሞም ጸሎተ ንስግተ ሰማያት ደጊሞም።

 

20 May 2019, 11:40