ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስክርነት እምበር ኣስዳዕነት ኣይኰነን

እዚ ማሕበርኩም 19 ናይ እምነት ሰማዕታት ደቂ ዘለዎን ገዛእ ርእሶም ከይበቐቝን ውልቃዊ ርብሓ ከይተጸባጸቡ ምእንቲ ኢየሱስ ንሕዝቦም ሓለፋ ዝበሉ ዝሓቍፍ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ላዕልዎት ኣካላት ካብ ዕለት 23 ግንቦት ክሳብ ዕለት 28 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካይድዎ መበል 15 ሓፍሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤ፡ ተጋባእያን ዕለት 20 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ኩሉ እቲ ናይቲ ማሕበር መዋቕር ኣብ እዋናዊ ዓለም ንኣስፍሆተ ወንጌል ብቑዕ መትረብ ኰይኑ ክርከብ መታን ተልእዀ ወንጌል ሕመረት ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባኬ ወንጌል ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ጸዋዕታ እዩ፡ እዚ ጸዋዕታ’ዚ እንተድኣ ዘይብልካ ኣብ ቤትካ ምትራፍ እዩ ዝሓይሽ፡ ሰባኬ ወንጌል ኣብ ንሱነቱ ክርስቶስ ንኽረአይ ዝገብር እዩ፡ ስለዚህ ክርስቶስ ምህላው እዩ እምበር መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ከምዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ፈሩቾ ብራምቢላስካ ዝተሰነዩ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ መበል 15 ጠቕላሊ ጉባኤ ንዝሳተፉ ናይ ጳጳሳዊ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ላዕለዎት ኣሕሉቕ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ኣብቲ እዋን ናይ ፓቪያ ጳጳስ ዝነበሩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ሓሳብ ብዘአንገዱ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ራማዞቲ ኣብ 1850 ዓ.ም. ዝተመስረተ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ኵለን ሰበኻታት ኣብ ተልእዀ ወንጌል ክዋስኣ ዘነቓቕሕ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ተልእዀ ወንጌል ናብ ወጻኢ ብዝተፈላለያ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን እምበር ብናይ ስበኻ ካህናት ዝካየድ ኣይነበረን፡ ናይ ሰበኻ ካህን ኣብ ሰበኻኡን ከተማኡን ምግልጋል ዝብል ሓላፍነት እዩ ዘለዎ፡ ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሰበኻ ካህናት ኣብ ናይ ወጻኢ ተልእኾ ወንጌል ክሳተፉ ኣሚቱ ዝቖመ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡

ቀዳማይ ተልእዀኡ ኣብ ኦቻይና እስያን ስዒቡ ናብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ቀጸለ

ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ከም ገዳማውያን ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራትን ቃለ ማሕላ ዝፍጽሙ እውን ኣይዀኑ፡ ልኡካነ ወንጌል ናብ ወጻኢ ምግልጋል ዝብል ናይ ሕይወት ውሳኔ ዝገብሩ እዮም፡ ብቐዳምነት ኣብ ኦቻይናን ህንድን ባንግላደሽን ምያንማርን ሆንግ ኮንግን ቻይናን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ብራዚልን ሃገራት ከባቢ ኣማዞንን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጃፓንን ጊኒ ቢሳውን ፊሊፒንስን ካመሩንን ኣይቮርይ ክሶትን ታይላንድ ካምቦጃን ፓፑዋ ነው ጊኒን መክሲኮን ኣልጀሪያን ጫድ ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።

19 ናይ ደም ሰማዕታት ዝሓቁፍ ስድራ ቤተ ሓዋርያት

እዚ ማሕበር’ዚ ከም ቅዱስ ኣልበሪኮ ክረሺተሊን ብፁዕ ጆቫኒ ባቲስታ ማዙኮኒን ብፁዕ ማሪዮ ቨርጋራን ኣናዛዝያን ብፁዓን ፓውሎ ማናን ክለመንተ ቪስማራን ዝወለደ ማሕበር ምዃኑ ቅዱስነቶም እናሓሰቡ፥

እዚ ማሕበርኩም 19 ናይ እምነት ሰማዕታት ደቂ ዘለዎን ገዛእ ርእሶም ከይበቐቝን ውልቃዊ ርብሓ ከይተጸባጸቡ ምእንቲ ኢየሱስ ንሕዝቦም ሓለፋ ዝበሉ ዝሓቍፍ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ኣብ ተልእኰ ወንጌል ዘሳትፍ ናይ ሓዋርያት ስድራ ቤት እዩ

እንክብሉ ነቲ ማሕበር ገሊጾም፡

ንተልእዀና ትርጉም ዝህብ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ

ቅዱስነቶም ነታ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዘርእስታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተደርሰ ዓቢይ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ሰነድ እንክብሉ ገሊጾም፡ ሕይወትናን ተልእዀናን ትርጉሙ ካብ ክርስቶስ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ትምህርትን ሕይወትን እትወት ቃልን መንግስትን ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ናዝራዊ ተልእዀን እንተድኣ ዝይተበሰረ ወንጌላውነት ባዶ እዩ፡ …. ጸዋዕታዅም ናትኵም ኣይኰነን ጸጋ እዩ …

ኣብሳሪ ወንጌል ንምዃን ዘብቅዕ ቤት ትምህርቲ የሎን፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ጸዋዕታ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትተርፍን ክትዓጽዎን እትቕበሎ ጸዋዕታ የሎን፡ ንቕድሚት ክትብል እንተዘይኰይኑ።

መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይ ተልእዀ ወንጌል ፍሉይ ወርሒ ክኸውን እዩ

ቅዱስነቶም ነታ ለምዘበን ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ዘብዕል ብበነዲክቶስ መበል 15 ዝተደርሰ እቲ ዝበለጸ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉን ልኡካንን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ልእኽቲ ወንጌል ዝብል ሓሳብ እተብርህ፡ ነቲ ተልእዀ ናብ ኣሕዛብ ዘተነጽር፡ ሕይወትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝልውጥን ዘተባብዕን ምዃኑ ኣብሪሆም

         … ኣባይ ኢየሱስ ክግለጽን፡ ንኣኡ ምቕራብ ብሕይወተይ ኣቢለ ንኢየሱስ ቦታ ምሃብ፥ ኣስፍሆተ ወንጌል ማለት እዚ እዩ

ወንጌል እንተደኣ ዘየበሰርኩ ወይለይ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ናይ ዘካይዶ መበል 15 ጠቕላሊ ዓውደ ጉባኤኡ ርእሰ ጉዳይ፡ ወንጌል እንተደኣ ዘየበሰርኩ ወይለይ፡ ሰባት ቦታን ሜላን ተልእዀን ንጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሎምን ጽባሕን ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፡ ተልእዀ ወንጌል ሕበረት ክኸውን ከምዘለዎ ንምዝኽኻርን፡ እቲ ናይ ማሕበርኵም ቅዋሜ ምኽንያት ንሱ እውን ምዃኑ ንምዝኽኻር እዩ፡ ተልእዀ ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኵሉ እዩ፡ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን፡ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓሴት

ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ንዅሎም ኣባላት ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡኡካነ ወንጌል በቶም ላዕለዎት ኣካላት ኣቢሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ተልእዀዅም ወትሩ ብሓሴት ይኹን፡ ዋላ ድኻም እውን ይሃልዎ ቢሎም እታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሓደራ ዳግም ኣንብብዋ እንክብሉ ምዒዶም ከምዘጠቓለሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ነቶም ኣባላት ምስ ቅዱስ ኣቦና ነኸላልዩን ሰላምታ ዘቕረቡ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ካብ 2013 ዓ.ም. ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ንኻልኣይ ጊዜ ተሓርዮም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ፈሩቾ ብራምቢላስካ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣባ ፋቢዮ ሞታ ንናይ ጊኒ ቢሳው ተልእዀ ኣባ ኻቪየር ሉርድሕ ንናይ ጃፓን ሓው ማሲሞ ካታነዎ ንናይ ባንግላድሽን ኣባ ራፋኤል ማነንቲ ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ኣበ ነፍስ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ጠቕላሊ ሓለቃ መማኽርቲ ጉባኤ ኰይኖን ንኸገልግሉ እቲ ማሕበር ከምዝሓረዮም ኣፍሊጦም።

 

21 May 2019, 17:24