ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም.ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ምእንቲ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰብ መረበባዊ ዓለም ሓቆፍ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ማሕበር ካብቲ ዝዘርገሖና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ክፍለጥ

እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣፍሪካ ስለ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ካህናትን ደናግልን ኰሎም ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ምእንቲ ዘገልግሉ ክጽልየይ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣባላታ ኣቢላ ምባዅዕቲ ንናይ ኣሕዛብ ሓድነትን ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ትእምርትን ኰይና ክትርከብ ንጸልይ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራቸስኮ ኣስዒቦም ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልግሉ ካህናትን ዘገልግላ ደናግልን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ዝተፈላለዩ  ክፍልታት ናይ ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ዘተን ዕርቅን ክህሉን ንዝገብርዎ ህርኩት ጻዕሪ የመስግኑ።

ዓሚዩቕ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያን

ብሓደ ሸነኽ ቅዱነቶም ንመላእ ኣፍሪቃውያን ካቶሊክ ማሕበረሰብ ብልጭታ ተስፋ ኣብ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ክደልን ክረክብን ክምዕዱን ብኻልእ መዳይ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ናብቲ ተበጻሒ ዘይመስል ደጋዊ ክፍልታ ናይ መንግስቲ ትካላት ክበጽሖ ናብ ዘይተኸኣሎ ርሑቓን ከባቢታት ብምኻድ እተሳልጦ ዓቢይን ጥልቅን ኣገልግሎ ጠቒሶም ኣብ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም የመስግኑን።

         ዓሌትን ቋንቋን ዘውገውን ምኽንያት ዝገበረ ፍልልይ ኣብ ኣፍሪቃ ተሰጊሩ ኣብ ፍልልይ ሓድነት ክነቓቓሕ

ምዕዶ የቕርቡ።

ናይቲ መርበባዊ ርክባት ምእንቲ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ፥ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ምስማዐ ርእየት ከብርሁ እንከለዉ፡ ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክዀኑ ዝብል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቡኡ ዘዕረጐ ናይ ልመና ጸሎት (ዮሓ. 17.21) ዘማእከለ መልእኽቲ ምዃኑ ገሊጾም፡

ካቶሊካውያን ኣብ ኣፍሪቃ

ብዝሒ ካቶሊክ ኣብ ኣፍሪቃ 220 ሚሊዮንን ካብ መላእ ብዝሒ ካቶሊካዊ ኣብ ዓለም 17.6 ሚእታዊ ዝሽፍን ከምዝዀነ  ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ግጽዊ ኣብ ናይ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ ከመላኽት እንከሎ፡ ምስ 2010 ዓ.ም. ዝነበረ ብዝሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ 23 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ የረጋግጽ። ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ካቶሊካውያን 44 ሚሊዮን ከምዝዀኑን ስዒባ ናይጀሪያ ብ 28 ሚሊዮን ብዝሒ ክትጥቀስ እንከላ ኣብ ኡጋንዳን ታንዛኒያን ከንያን ብዝሒ ካቶሊክ ምእመናን ክብ ይብል ከምዘሎ እቲ ናይ ግጽዊ ጸብጻብ 2018 ዓ.ም.  ይረጋጾ።

ሓድነት ናይ ኣሕዛብ ተስፋ እዩ

ኣብተን ብዓመጽ ዝደምያ ሃገራት ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ተስፋ ትእምርቲ እዩ (ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋያዊ ምዕዳን) እዚ ምስ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ኣተሓሒካ ከተንብቦ እንከለኻ ይብሉ ኣባ ፎርኖስ ኣፍሪቃዊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝገብሮ ጻዕሪ ንሓድነት፡ ነታ ክፍለ ዓለም ናይ ኣሕዛብ ናይ ሓድነት ተስፋ ምዃኑ ይረጋግጽ ይብሉ።

ግደ መራኸቢ ብዙሓን

ወንጌላዊ ሓሴት፡ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ዘመላኸትዎ ሓሳብ መሰረት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ነቑጣ ንሓድ ሕዱ መራኽቦ ዘይብሉ ገርካ ምቕራብ ብዙሕ ግዜ እቲ ብሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም መራኸቢ ብዙሓን ዘቕርቦ ኣናባቢ ኪደት ናይ ኣፍሪካ ቅርጸ ባህሊ ዘኽብርን ግምት ዝህብን ከምዘይኰነ ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ
03 May 2019, 11:02