ድለ

ንቕሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሩመኒያ ንቕሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሩመኒያ 

ንቕሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሩመኒያ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ዳኒኤል ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ክራኸቡን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ክራኸቡን ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ካቴድራል ድሕንት ሕዝቢ ብሓባር ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ክደግሙን

ሎሚ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ልክዕ ሰዓት 08.16 ደቓይቕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሮማ ካብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝነቐሉን ኣብ ጉዕዞኦም ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም ንኢጣሊያ ሰላምን ቅሳነትን ከምእተመነዩን፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ሮማ ምስ ዝቕመጡ 15 ግዳም ሓደር ዜጋታት ሩመኒያ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሩመኒያ ንመበል 30 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከምዝነቐሉን፡ ናብታ ዝሳፈሩላ ንብረት ናይ ኣሊታሊያ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዎም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚችኖ ምስ ዝተረኽቡ ናይ ሮማን ክፍለ ሃገር ላዚዮን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ሰላምታ ከምእተለዋወጡን፡ ናብታ ኣየር ምስ ኣተዉ ነቶም ኣብ ኣፈት እታ ነፋሪት ንዝነበሩ መራሕቲ ነፋሪትን ሰራሕተይናታትን ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ መርሓ ፍጻሜታት ቅዱስነቶም

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ቡካረስት ኣብ ዝርከብ ሀንሪ ኮኣንዳ ኦቶፐኒ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ክበጽሑን ኣብኡ ብናይ ሩማኒያ ርእሰ ብሔር ክላውስ ወርነር ዮሃኒስን ክብርቲ በዓልቲ ቤቶምን ኣቀባላ ክምእተገበረሎምን ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ንኽብሪ ሃገረ ሩማንያን መንግስትን  ሕዝብን ምብጻሕ ከካይዱን ኣብኡ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ስነ ስርዓ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ምስ መራሔ መንግስቲ ሩመንያ ግላዊ ርክብ ምስ ምስ ናይ ሩመንያ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሩማኒያ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግስታትን ተራኺቦም ራሰ ብሔር ክላውስ ዋርነር ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ ቅዱስነቶም መደረ ከምዘስምዑን ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ዳኒኤል ኣብ መንበረ ፓትሪያርክን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ክራኸቡን ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ካቴድራል ድሕንት ሕዝቢ ብሓባር ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ክደግሙን ካብኡ ተሰናቢቶም ቅዱስነቶም ኣብ ካቶሊካዊት ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ስብከት ለጊሶምን ምስ ኣብቅዑ ናይ ዕለት 31 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ቀዳማይ ውዕሎ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሩመኒያ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ተራኺቦም ክዛዝሙ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

31 May 2019, 10:30