ድለ

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፓትሪያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፓትሪያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን 

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፓትሪያርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን

ብሓገዝ እግዚኣብሔርን ናይ እግዚኣብሔር ንሓልዮቱ ብዘንብሮ ግዜ እቲ ርክባትና ኣብቲ ኣነካይዶ ርክባትናን ዘተን እወታዊ ተጽእኖ ከምዝህልዎ እምነተይ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሃገረ ቡልጋርያ ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስትን በርገሳውያን ማሕበራን ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ካብ ዘካየድዎ ርክብ ተፋንዮም ናብቲ ዝቕጽል መደብ፡ ማለት ምስ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስን ናይ ሶፊያ መጥሮፖሊታን ናይ መላእ ቡልጋርያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ንኽራኸቡ ናብ ናይ ሕንጻ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ በቶም ኣሰነይቶም ዓበይቲ ኣካላት ኵላዊት ቢተ ክርስቲያን ተሰንዮም ምስ ናይ መላእ ቡልጋርያ ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊትን ቅዱስ ሲኖዶስን ከምእተራኸቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኢየሱስ ተንስኣ እሙንታን ብዝብል ፋሲካዊ ሰላምታ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ ቃል ኣበጊሶም፡ ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ክራኸቡ ዝተሰምዖን ሓጐስ ገሊጾም።

ልቢ ዝስንጥቕ ቃንዛ

ቤተ ክስርቲያን እትነብሮ ቁስልን ቅብኣ ፈውሱ እቲ ነፍሲ ወከፍ ጉድለቱ ተኣሚኑ ዝሓቶ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ

እቲ ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ቁስሊ፡ ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዝሰንጠቐ ዘቐንዝው ቍስሊ እዩ፡ ሎሚ ሳዕቤናቱ ዝረአይን ዝትንከፍ እውን እዩ፡ ብሓባር ኣእዳውና ናብቲ ቁስሉ ብምእታውን ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ቢልና ምስ እንናዘዝ ንጐይታና እግዚኣብሔር ክንእውጅ ግድፈታትና ተኣሚንና ናብቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣቝሳሉ ገዛእ ርእስና እንተደኣ ኣእቲና ናይ ምሕረት ሓሴትን ብሓገዝ እግዚኣብሔር ብሓባር ኣብ ሓደ መንበረ ታቦት ምስጢረ ፋሲካ እነብዕለሉ መዓልቲ ከነስተማቕር ንኽእል።

ናይ ደም ውህደት (ክርስቲያናዊ ውህደት)

ቅዱስነቶም ናይ ቡልጋርያ ማሕበረ ክርስቲያን ስቓይን መከራን እናሓሰቡ፥

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣሳዶ ዘመን ኣብዛ ሃገር ቡዝሓት ክርስቲያን ብስም ኢየሱስ ብዙሕ ተሳቕዮም እዮም። ናይ ደም ውህደት! እዚ ዝተኸፍለ ናይ ደም ሰማዕትነን ኣብታ ናይ ጽገሬዳ መሬት ኣብ ዝዀነት ሃገር ጥዑም መኣዛ ዘለዎ ቅዶት ኰነ፡ ብኣሿኽ ዝሓለፈ ናይ ወንጌል ጥዑም መኣዛ … ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝዀኑ እቶም መሰኻኽር ፋሲካ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሰማይ ሓቢሮም ንኣና ፍርያም ንኽዀኑ ኣብ መሬት ዝተዘርኡ ዘርኢ ኣብ ምዃንና እዮም ዝጥምቱና፡ ዕጹዋት ንኸይንኸውን ይሓቱና፡ ስለምንታይ ዝተኸፍቱ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ ብዙሕ ፍረ ዘፍርዩ እንኸውን።

ናይ ድኻ ውህደት (ክርስቲያናዊ ውህደት)

ቅዱስነቶም ሓውኻ ናይ ምንፋቕ ጦብላሕታ ከምዝስምዖምን እዚ ምንፋቕ’ዚ ምስቶም ደቂ እቲ ሓደ ኣቦ ዝዀኑ ሓድነት ንኽህልወካ ዝድርኽ ሰናይ ምንፋቅ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ቡልጋርያ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ዝስምዖም ዝነበረ ምንፋቕ ከምዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡

ብሓገዝ እግዚኣብሔርን ናይ እግዚኣብሔር ንሓልዮቱ ብዘንብሮ ግዜ እቲ ርክባትና ኣብቲ ኣነካይዶ ርክባትናን ዘተን እወታዊ ተጽእኖ ከምዝህልዎ እምነተይ እዩ፡ ንጐይታ ንኸነገልግል ብፍላይ ንሕዋት ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ዝተረስዑን ህላዌኡ ኣብ ዝግለጸሎም ኣብ እንፍጽሞ ኣገልግሎት ብሓባር ንኽንጓዓዝ ዝተጸዋዕና ኢና፡

ናይ ተልእዀ ውህደት (ውህደት ክርስቲያን ኣብ ተልእዀ)

ነቲ ቀዳማይ ብስራተ ወንጌል እሙናት ቢዛንታውያን ንቅዱስ መጽሓፍ ዝተርጐሙ ቀርሎስን መጠዲዮዎስን፥ እዞም ካብ ኣለዳ ቀዳማይ ሽሓዊ ዘመን ዘጣመሩና ዝኽሮም ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያንና ህልው ዝዀነ ሎሚ እውን ምንጪ ኣስተንፍሶታትና እያቶም፡ ሎሚ እውን እንተዀነ ንሓድሽ ወለዶ ብቛንቁኡን ህልው ኩነታቱን ብምቕራብ ናይቲ ዘፍቕር እምላኽ ሓሴትን ጸዋዕታን ንኸስተማቕሩ እምነት ንኸነመሓላልፍ ብርሃን እያቶም። በቲ ዘታልል ናይ ኣህላኺ ህብረተሰብ ድምጺ ፈተና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ንኸይህብ መታን።

ተልእዀን ሱታፌን፡ ኣብቶም ክልተ ቅዱሳት ዝቃልሑ ክልተ ቃላት ኣብ ሕውነት ንኽንዓብይ ብርሃን ይኹነና፡ ናይ ክርስቲያን ውህደት ተልእዀ፡ ሓዋርያዊ ትብዓቶም ንዅሉ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብነት እዩ፡

ናይ ሱታፌ ጥበብ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና

ቀርሎስን መጠዲዎስን ናይ ሓድነት መነቓቕሕቲ ብምንባሮም ንናይ ኤውሮጳ ናይ ሓድነት መጻኢ ሎሚ እውን እንተዀነ ብዙሕ ዝብሉና ኣለዎም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ከምዝብልዎ ናይ ጥልቂ ሰላምን ናይቲ ንሓድነት ዕንቅፋት ዘይኰነ ፍልልያት ብምኽባር፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንፓትሪያርክ ነኦፊት፡ ቡልጋርያ ሎሚ ከም ቀደም ናይ መራኽቦ መሬት ምዃና ብምዝካር ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን እንገዳ ዝረኸባሉን ኣብቲ ፍልልያት ስርዓተ ኣምልዀ እውን ከይተረፈ ዝተመስከረ እንገዳ እዩ ቢሎም ኣመስጊኖም።

ቡልጋርያ ድልድል ዝዀነት ሃገር

ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ቡልጋርያ ግሪካውን ሩሲያውን ስላቫውን ባህልታት እተራኽብ ድልድል ምዃና ዘኪሮም፡ እዚ ናይ መራኸቢ ድልድል ምዃና ዘብቅዓ ናይ ኩሉ ሰናይ መተሓላለፊ ዝዀኑ በራታ ከይዕጸው፡ ስለ ናይዚ ቅዱስ ሕዝቢ ልዑል ጸዋዕታን ምእንቲ ናብ ናይ ክርስቲያን ናይ ደምን ናይ ድኻን ናይ ተልእዀን ሓድነት እንገብሮ ጉዕዞ ጸሎተይ ዘየቋርጽ እዩ እንክብሉ ዛዚሞም።

ፓትሪያርክ ነኦፊት፡ ሕብረት ኣብ ምቅዋም ኣሳዶ ክርስቲያን

ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ነኦፊት ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንቡልጋርያ ዘለዋ ሰናይ ኣተኵሮ ኣመስጊኖም፡ እዚ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር፡ ሓድነት ኣብ መቅዋም ኣሳዶ ክርስቲያን ዝግለጽ እዩ፡ ሓድነት ዓለም ኣብ ክርስቶስ ክረጋገጽ ብዘይ ምቁራጽ ንጽልይ ምዃንና ሓቂ እዩ፡ ስለምንታይ ክርስቲያን ብርታዔኦም ኣብ ሓድነቶም እዩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ብዘሕዝን ክትዓትን ምግምማዓትን ዝተመልኤ እዩ፡ ስለዚህ እዚ ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ መልሲ ክረክብ ተስፋ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ፓትሪርክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን
06 May 2019, 10:03