ድለ

ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ 

ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ

ካብ ዝንጽል ዝጽንብር ካብ ዝቐትል ዘሕውይ ካብ ኢሰብኣዊ ዝገብር ዘሰብእው ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘይምዝምዝ ከይዲ ኤኮኖሚ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምስዓብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓተ ቁጠባ ክመክር ዝቕረብዎ ጻውዒት ዝሓለፈ ቀዳም ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቐዔ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ዕለት 14 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2020 ዓ.ም. Economy of Francesco - ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 500 መንእሰያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ውዕሊ ንሓድሽ ኤኮኖሚ ዝፍጽምሉ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣሲዚ ከምዝካየድን፡ ናይ ኣሲዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ ቅዱስ ኣቦና ምናልባት ኣብቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዛዘሚ ዕለት ተረኺቦም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ መንእሰያት ናይ ኢኰኖሚ ሊቃውንትን ተመራመርትን ሰብ ትካላትን ብሓጺሩ ካብ ሞንጐ ግረታ ቱምበርግ ክሳብን ሓያላት እዛ ምድርን ዘለዉ ዘራኽብ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ፖሊቲካ መምህርን ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልዮ ላዕለይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ናይ ስነ ፖለቲካን ስነ ኤኮኖምን ሊቅ ልዊጂኖ ብሩኒ ሓቢሮም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 26 መጋቢት ክሳብ ዕለት 28 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዝምል ኣርእስቲ ተመሪሑ ከምዝካየድ ዕለት 14 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግልጺ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ስርዓት ቁጠባ ፍልይ ዝብል ኣመኻኽታ ምስ ዘለዎም ክራኸቡ ይደልዩ

ንፈለማ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ፍራቸስኮ ዘኣሲዚ ስም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳጳሳዊ መጸውዕ ክኸውን ዝሓረዩ ኣብታ ናይ ኡምብሪያ ከተማ ኣብ ዝዀነት ኣሲዚ፡ ካብቲ ዓለም ዝስዕቦ ካልእ ዓይነት ስርዓት ቁጠባ ኣሎ ዝብልን ዘጽንዕን ዝትግብርን ኣብዚ ከይዲ ኤኮኖሚ ሕዝቢ ዓለም ክጓዓዝ መታን ንዓለም ከላልዮን ዝብል ድላይ ክነቓቕሕ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዝንጽል ዝጽንብር ካብ ዝቐትል ዘሕውይ ካብ ኢሰብኣዊ ዝገብር ዘሰብእው ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘይምዝምዝ ከይዲ ኤኮኖሚ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበራዊ ጠመቕ ትምህርቲ ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምስዓብ እዚ ናይ ኣሲዚ ጉባኤ ክካየድ ካብ ዘነቓቕሑን ዘሰናድዉን ፕሮፈሰር ብሩኒ ካብቶም ነዚ መደብ ዘሰናድዉ እውን ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤት ንኣሳታፊ ኤኮኖሚ ዝርከቦ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኣሲዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ብዛዕባ መንእሰይ ኣብ ዝዘተየ ሲኖዶስ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ምስ ቅዱስ ኣቦና ከምእተመያየጡሉ እውን ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም

ንእዋናዊ ስርዓት ቁጠባ ንምቕያር ዝሓቀነ ውዕሊ

ዕለት 25 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ እዚ ሓሳብ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ ምስ ፕሮፈሰር ብሩኒ መኺሮምን ብዛዕባኡ ቅዱስ ኣቦና እውን ብዙሕ ከምእተሓጐሱን ኣገዳሲ እውን እዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡሉ ምስ ገለጹ፡ ነቲ ዘሎ ከይዲ ኤኮኖሚ ብሓድሽ ንዅሉን ናይ ኵሉን ብዝብል ስርዓት ክትካእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ጥራሕ ዘይኵነ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እውን እንከለዉ ዘቃልሕዎ ዝነበረ ኣምር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ የዘኻኽሩ።

ፕሮፈሰር ብሩኒ፡ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ምሉእ ድጋፍ ካብ ቅዱስ ኣቦናን፡ ብኣካል ተሳታፍነቶምን

ኣብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 28, 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ካብ 35 ዓመት ዕድመ ንታሕቲ ዝዀኑ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ተመራመርትን ሰብ ዓበይቲ ትካላት መንእሰያት ብጠቕላላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣስታት 500 ሚእቲ ዝግመቱ መንእሰያት ክሳተፉ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎን፡ እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ሓድሽ ዓይነት ቁጠባዊ ስርዓት ክኡል ምዃኑ ብስነ መጽናዕቲ ዝተደገፉ መብርህታት ዝቐርበሉ ከምዝኸውን ሓቢሮም፡ ምርኻብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ክኸውን ዝክኣል እዩ፡ ብኣካል ተረኺቦም ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እውን ምዃኖም ከምዝሓበሩ ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን  ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ናይቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታን ትእምርቱን ከምእተደርሰን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይቲ ኣብ ኣሲዚ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ www.francescoeconomy.org ብዝብል ኣድራሻ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበባዊ ገጽ ከምእተደርሰን ዝገልጾ ወግዓዊ ናይ መለለይ ትእምርቲ እውን ከምእተሰርሐ ክሕበር እንከሎ፡ ሓልዮ ምህዳርን ፍትሒ ንድኻታትን ዘይፈላለዩ ዕሴታት እያቶም፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኣብቲ ዝመረጾ ድኽነትን ገዛእ ርእሱ ካብ ኩሉ ምድራዊ ሃብቲ ቀንጢጡ ንዝነበሮ ኩነት ዘንጸባቕ እዩ፡ እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ትንቢት፡ ፍትሒ ንተፈጥሮን ፍትሒ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ዘተሓሳስ ክኸውን እንከሎ እዚ ፍራንቸስካዊ ዕሴትን ንስነ ምሕዳር ኰነ ፍትሒ ንድኻታት መሰረት ምዃኑ ፕሮፈሰር ብሩኒ ከምዘብርሁ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ፡ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም

ናይ ኣሲዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ እውን ካብ ጋዜጠይናታ ንዝቐረበሎም ሕቶ መሰረተ ገይሮም ቅዱስ ኣቦና ከምዝርከቡን እቲ ዝርከብሉ  ዕለት 28 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ መዕጸዊ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኸውን እግምት፡ ስለዚህ ቃለ ምዕዳን ክልግሱ ዝብል ትጽቢት ኣሎ ቢሎም፡ ናይዚ ዓውደ ጉባኤ ኣስተንፍሶ፡ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምዕዳንን ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶምን እያቶም። ዝቐትል ኤኮኖሚ ዝንጽል ኤኮኖሚ፡ ፍጠረትን ተፈጥሮን ዝቐትል ኤኮኖሚ፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ መጻኢ ዝቐትል እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ምዕዳኖምን ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶምን ብሰፊሕ ዘብርህዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝትንተነሉ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኸውን የዘኻኽሩ።

በቲ መደብ ዓውደ መጽናዕቲ ምኽንያት ኣብ ኣሲዚ ፍራንቸስካውና ዘነቓቕሕዎ ተበግሶታት

ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ገዳም ዓቃቢ ኣባ ማውሮ ጋምበቲ፡ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣዚሲ ንኽካየድ ዝሰናደው ዘሎ ናይ ፍራንቸስኮስ ኤኮኖሚ ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ ምኽንያ ንቕዱስ ኣቦና ኣመስጊኖም፡ ብዙሓት ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ መናብርተ ጥበብ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ኤኮኖሚ ኣብቲ ናይ ኣሲዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዘመእከለ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ክካይድ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዝገለጹ ዲ ቦሶሎ ኣተሓሒዞም ኣባ ጋምበቲ ወዲ ሃብታምን ኣቦኦም በዓል ዓቢይን ውሩይን ትካል ክነሶም ነዚ ውርሻ እዚ ሓዲጐም ፍራንቸስካዊ ሓው ንኽዀኑ ዝመረጹ ምዃኖም ዲ ቦሶሎ ይገልጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ቅዱስ ኣቦና ዝተባብዕዎ ኤኮኖሚ፡ ማሕበራውን ጸንባርን ኤኮኖሚ እዩ

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ኮዶዎ ኣፒያ ታርክሶን እውን ብወገኖም፡ እቲ ኣብ ኣሲዚ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ፡ ቅዱስ ኣቦና ዝድግፍዎን ዘተባብዕዎን ኤኮኖሚ ዝድህስስ ከምዝኸውንን፡ እዚ ማሕበራዊ ተባጻሓይን ተመቓርሓውን ስነ ምግባር ዝዓሰሎ ንኹሉ ዝጽንብር ዝብል ኤኮኖሚ ዝትንትን ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ስለዚ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘቕርቦ ማሕበራዊ ኤኮኖሚ ምስ ማሕበርነት ፖለቲካዊ  ጽንስ ሓሳብ ምስ ዝኽተሎ ከይዲ ኤኮኖሚ ኣደናጊርካ ክረአይ ከምዘይብሉ ገሊጾም፡ ማሕበራዊ ኤኮኖሚ ኣብ ኣገላልጻ ቅዱስ ኣቦና፡ ሰብኣውነት ዘማእከለ ኤኮኖሚ ማለት እዩ፡ ኣብቲ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዘመልክትዎ፡ ጸንባሪ ንዅሉ ሓቛፊ ኤኮኖሚ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ናብቲ እውነተይና ናይ ኤኮኖሚ ወይ ናይ ስነ ቁጠባ ስርዓት ንምምላስ ዝጸውዕ እዩ፡ ማለት ከኣ ናይ ሓባር ቤትና ናይ ዝዀነ ተፈጥሮ ሃብቲ ንናይ ሓባርን ንናይ ኵሉ ተቐማጢ እዛ መሬት ናይ ሓባር ጥቅሚ ዝብል እዩ፡ ማንም ዘይንጽል ጥራሕ ዘይኰነ ንድሕሪት እውን ዘይሓድግ ምሕደራ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ማለት ምዃኑ ከምዘረድኡ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ናይ ከተማ ኣሲዚ ከንቲባ ስተፋኒያ ፕሮየቲ፡ ኣሲዚ ናይቲ ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ኣብነታዊት ከተማ ምዃና ትምስክር

ኣብቲ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ ኣሲዚ ከተማ ከንቲባ ስተፋኒያ ፕሮየቲ፥ እቲ ኣብ ኣሲዚ ንኽካየድ ዝተጸውዔ ዛዕባ ናይ ፍራንቸስኮስ ኤኮኖሚ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ፡ ብሓቒ ታሪኻዊ መዋእል እዩ፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ብዓይነቱ ሓድሽን ካብቶም ኣብ ዓለም ኣብ ኩሉ መድረኻት ብዛዕባ ኤኮኖሚ ካብ ዝዘትዩን ዝዝትዩን ዓውደ ጉባኤታት ዝተፈልየን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ናይ ስነ ምሕዳር ሓላዊ ቅዱስ ተባሂሉ ካብ ዝስመይ መበል 40 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ዝካየድ እውብ ብምዃኑ ብሓቂ ፍሉዩ ዓውደ ጉባኤ እዩ፡ ንኣሲዚ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንዓለም ዓቢይ ብድሆ እውን እዩ፡ ኣሲዚ፡ ናይቲ ብሉጽን ክኡልን ዝብል ተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለ ኰነ ተቐባልነት ዘለዎ ከይዲ ኢኮኖሚ ክኡል ምዃኑ እትምስክር ናይ ተኻኣልነት ከተማ ምዃና እትምስክረሉ ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ ቢለን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ ንኽካየድ ብምድላዮም እውን ብሓቂ ብስም ከተማ ኣሲዚን ታሪኻን ሕዝባን አመስግን ከምዝበላ ዲ ቡሶሎ የመልክቱ።

ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ
15 May 2019, 17:13