ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ

ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ጥዕና ዝገልጽ ናይ ሕክምና ወረቐት እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እውን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓባሪ ጥዕና እዩ

ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን ህዳሴ ንናይ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያ ቤት ፍርዲ ኪደትን ኣብ መንጐ ጳጳስን ካህናትን ክህሉ ዘለዎ ርክባት ዝብሉ ስለሰተ መርሓ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክሳብ 23 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዘካይዶ መበል 73 ሓፈሻዊ Teቕላሊ ጉባኤ ንምብጋስ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን ከምዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዚና ቫቲካን ሚኪኤለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርአያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱነቶም እቲ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሕይወትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝልለየሉ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ ብፁዓን ጳጳሳትን መላእ ተጋብእያንን ኣብ ኢጣሊያ ተልእዀኦም ኣብ ምፍጻም ዕለት ብዕለት ዘካይድዎ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ መጻእን ርክብ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መጐኦምን ምስ ካህናቶምን ምእመናንን ዝብሉ ነጥብታት ኣመልኪቶም፥

ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን

ሲኖዶሳውነትን ጉባእያውነትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ጥዕና ዝገልጽ ናይ ሕክምና ወረቐት እዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እውን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓባሪ ጥዕና እዩ፡ ስለዚህ ናይ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሒር ሱታፌ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ እንኰን ኵላዊትን ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ውህደትን ምትሕብባርን ዝብል ሓሳብ ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ በዚ መሰረት ምናልባት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ክካየድ ከየድለየ ኣይክተርፍን ይኸውን። … ዓቢይ ሲኖዶስ ንምክያድ ሰበኻታትን ቍምስናታትን ዓለማውያን ምእመናንን ዘጠቓልል መታን ክኸውን ካብ ታሕቲ ዝብገስ ክኸውንን ከምቲ ኣብ ፊረንዘ ኣb 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ዘመልከቶ ብሓቂ ካብ ላዕሊ ዝተገበገሰ ንኽኸውን መታን ካብ ታሕቲ ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ፡ ግዜ ከድልይ እዩ፡ ኣብ ጭቡጥ ኣምበር ኣብ ፍካሬ ዝገበር ጉዕዞ ስለ ዘይኰነ።

ሕዳሴ ዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ኪደት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት Mitis Iudex Dominus Iesus e Mitis et Misericors Iesus - ምእዙዝ ዳይና ኢየሱስ ጐይታን ምእዙዝን መሓርን ኢየሱስ ብዝብል እርእስቲ ዘጽደቕዎ ዛዕባ ናይ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ዓንቀጽ ስርዓተ ሕጊ ኣባይቲ ፍርዲ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ዝተኣሰረ ምስጢረ ተክሊል ፍሩስ ክኸውን ዘጽንዕን ውሳኔ ዝህብን ኪደቱ ምኽንያታዊ ናይ ጊዜ ገድብ ክህልዎን ዘድሊ ኣውን እንተዀነ ብቐጥታ ናብ ጳጳሳ ዝሓልፍ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ወሲዀም ክሕደስ ከምዝገበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡

እቲ ናይ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዳዊ ኪደት ኣብ ቅርበታውነት (ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ቀረባ ምዃን) ናጻ ኣገልግሎትን (ዘይኽፈሎን)፡ ነታ ዝቖሰለት ስድራ ቤት ቁስሊ ቀረባ ካብ ምዃን ዝነቐለ ዝወሃብ ፍርዲ ብምዃኑ እቲ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ኣብ ሰበኻ ዘሎ ቤት ፍርዲ ነቲ ኪደት ብዘይ ዘየድሊ ናይ ግዜ ምንዋሕ ፍርደ ውሳኔ ክህበሉ ኣለዎ፡ …. እቲ ዝተኣሰረ ምስጢረ ተkሊል ፍሩስ ዝብል ውሳኔ ንኽወሃቦ ዝግበር ቤት ፍርዳዊ ከይዲ ምኽንያታዊ ጊዜ ክህልዎ ይግባእ፡

ምስ በሉ ይኹን ደኣ እምበር ድሕሪ እቲ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ሕጂ እውን እቲ ናይ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዳዊ ከይዲ ኣብ ገለ ገለ ሰበኻታት ኢጣሊያ ኣብቲ ዘለዎ ክጓዓዝ ምስ ኣትርእይ ብሓቂ የሕዝን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ምዃናን እቲ ኣብ ልባ ናይ ደቃ ሰናይነት ዝብል ምዃኑ ብጥልቂ ምስትውዓል የድሊ፡ …

ናይ ኤኮኖሚ ረብሓኦም ንዝገደሱን ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ደያኑ ስልጣኖም ከይስእኑ ንዝብል ድላዮም መሳለጢ ክኸውን ኣይንደልይን፡ …  

ርክብ ኣብ መንጐ ጳጳስን ካህናትን

ከም ሳልሳይ ነጥቢ ቅዱስነቶም ጳጳሳት ንካህናቶም ክህልዎም ዝግብኦም ግብረ ኖላውነት ሓልዮ ብምምልካት ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኣትሒትካ ብዘይ ምርኣይን ዝፍጸም ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ገለ ገለ ጳጳሳት ምስ ካህናቶም ተቐባልነት ዘለዎ ርክብ ከቑሙ ዝሰኣኖም ኰይኖም ተልእዀኦም ይሃስዩን፡ ብዝገደደ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ የዳኽሙ።

እቲ ኣብ መንጐ ጳጳስን ካህንን ክህልው ዘለዎ ርክብ ከምቲ ብኢየሱስ ኣብ መስቀል ዝተመስከረ ቅድመ ዘይኵነታዊ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ ክኽውን ዝግብኦም። ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ኣርከን ወይ ድማ ሄራርቂያ ውድቂ ዝኸውን መግለጺ ልዕልናን ስልጣናውነትን ወይ ከእ ንርእሰ ርውየት መጋበርያ ምስ ዝኸውን እዩ፡ እቲ ናይ ቤተክርስቲያን ስልጣን ብመንፈስ ምሉእ ትወፋነይነትን ነገልግሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝወሃብ እዩ።

ንቶም እንፈትዎምን ወይ ነቶም ዘምልዅናን መማሳውያንን ቀጥዒ ኣልቦ ወደስትናን ንዝዀኑ ጥራሕ ካብ ምቕራብ ፈተና ንተሓለው፡ ስለዚህ እቲ ሓላፍነት ንዅሎም ነቶም ስንድዋት ዝዀኑን ነቶም ስልጣን ንኽረኽቡ ሃርኰትኰት ዝብሉን ካብ ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ምስ ካልእ ብቐሊሉ ናይ ምርኻብ ብቕዓት ዘለዎም ኣድሃውያን ይዅን ዘይሕዉስን ጸገም ፈጠርትን ይዅኑ ብዘይገድስ ጳጳስ ንዅሎም ካህናቱ ዝደልን ዘገልግልን፡ … ንዅሉ ብማዕርነት ዘገልግል፡ ሓደ ጳጳስ ካህኑ ክደልዮ እንከሎ ግዜ የብለይን ዝብል ክኸውን የብሉን፡ ለጋስን ቀረባ ምዃን የድሊ።

ካህናትና ይብሉ ብፁዕነቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ መጥቃዕቲ ዝፍነዎም ብዙሕ እዋን እውን ከም መላገጺ ተገይሮም ዝቐርቡን ወይ ሓደ ብጻዮም ብዝፈጸሞ ገበን ወይ ጥሕሰት ሕጊ ብድብድቡ ኩሎም ክፍረዱ እንርእዮ ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ጳጳሶም ዓቢይ ሓውን ኣቦን ክረኽቡ ኣለዎም። ናይ ጳጳስ በርን ልብን ወትሩ ንካህናቱ ርህው ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ
21 May 2019, 17:32