ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቡልጋርያ ኣትዮም

ናብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕላማ፥ ብእምነት ኣሕዋት ምስ ዝዀኑን ምስ መላእ እተን ሃገራት ሕዝብታት ንኽራኸቡ ዝብል ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ሓምሳን ደቓይቕ (ብናይ ቡልጋርያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተን ሓምሳን) ኣብ ርእሰ ከተማ ሶፊያ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝበጽሑን ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ነፋሪት ጉዕዞኦም ናይ በረራ ኣየር ዶባተን ንዘቋረጹለን ሃገራት ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ንናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ ተለግራም መልእክቲ ናይቲ ናብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕላማ፥ ብእምነት ኣሕዋት ምስ ዝዀኑን ምስ መላእ እተን ሃገራት ሕዝብታት ንኽራኸቡ ዝብል ምዃኑ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ሶፊያ ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተወተው ናብታ ቅዱስነቶም ዝተሳተፈሩላ ነፋሪት ኣብ ቡልጋሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪን ናይ ክሌኣዊ ስምምዓት ጉዳይ ሓላፊ ብምእታው ንቅዱስነቶም ሰላምታ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ብሓባር ካብታ ነፋሪት ምስ ወረዱ ብናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋሪያ መራሔ መንግስቲ ቦይኮ ቦሪሶቭን በርባዕተ ሕጻናት ናይ ቡልጋርያ ባህላዊ ለባስያን ኣቀባብላ ተገይሩሎም መበል 29 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣበጊሶም።

ቅዱስነቶም ብመራሔ መንግስቲ ቦሪሶቭ ተሰንዮም ናብቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ናይ ኩቡራት ኣጋይሽ መቐበሊ ኣዳራሽ ንሓጺር ናይ ግሊ ክሌኣዊ ርክብ ከምዝኸዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና እዚ ኣብ ቡልጋርያ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ሰላምን ዘተን ምልክት እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቡልጋርያ ኣትዮም
05 May 2019, 12:47