ድለ

ድሕነት ኣይዕደግን እዩ! ውህበት እግዚአብሔር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 29 ግንቦት 2019 ዓምፈ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስትምሃር ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘዋዊሮም ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ምስ ኣቅረቡ እዚ ዚስዕብ ካብ ግሐ 1.3-4 ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ምስ ተነበ ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ግብረ ሓዋርያት ብሰፊሑ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም።

ቃል አምላኽ፥ - ‘ብብዙኅ መረዳእታ ሕያው ምዃኑ እናተገልጸሎምን ክሳብ እታ ብመንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ናብ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ- ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመሮ ዅሉ ኣብቲ ቀዳማይ መጽሓፍ ኣመልኪተልካ ኣሎኹ። ምስኣቶም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኸኣ ‘ዮሓንስ ብማይ እዩ ዘጠመቐ፡ ንስኻትኩም ግን ድኅሪ ቚሩብ መዓልታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ ነቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ኣስተስፍዎት ኣቦ ደኣ ተጸበዩ እምበር ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትርሓቁ` እናበለ ኣዘዞም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ንመጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት ዝምልከት ሓዲስ ዙርያ ትምርህተ ክርስትቶስ ክንጅምር ኢና። እዚ ብሉቃስ ወንጌላዊ ዝተጻሕፈ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ መገሻ ይዛረብ! ኣየናይ መገሻ እንተበልና ጒዕዞ ወንጌል ኣብ ዓለምና ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣደናቂ ርክብ ኣብ መንጎ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ብምግላጽ ምጅማር ስብከተ ወንጌል ኣስፍሖተ ወንጌል የበስር። ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ቀንዲ ተዋሳእቲ ከኣ እዚኦም ጽምዲ እዚኦም እዮም ብሓቂ ሕያውን ከኣልን ጽምዲ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ከኣ እዮም።

መዝሙረ ዳዊት 147.4 ‘እግዚአብሔር መልእኽቱ ናብ መሬት ይሰድድ ቃሉ ከኣ ብልዑል ቅልጣፌ ትጐዪ’ ይብል። ቃል እግዚአብሔር ይጐዪ! ኣብ ውሽጡ ሓይሊ ዝሃዘ እዩ! ኣብ ልዕሊ ዝወደቆ ኩሉ ከኣ ንምድሪ የስቲ። ናይዚ ቃል ሓይሊ ኣበይ እዩ ቢልና እንተሓተትና ቅዱስ ሉቃስ ቃል ሰብ በቲ ሓባሊ ሓይሊ ናይ ክእለት ዘረባ ዘይኮነስ በቲ ሓይሊ እግዚአብሔር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እዩ ከኣልን ሓያልን ዝኸውን ይብለና።  እዚ ሓይሊ እግዚአብሔር እዚ ከኣ እዩ ነቲ ቃል ዘንጽሖን ሕይወት ከምዝህብ ዝገብሮን። ንኣብነት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብቃላት ደቂሰባት ዝዝንተው ታሪኻት ኣለው። ኣብዚ ንቅዱስ መጽሓፍ ካብ ካልእ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ዝፈልዮ እንታይ እዩ ኢልና እንተሓተትና ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወስዱ ኮይኖም ዓቢ ሓይሊ ዝለበሱ እዮም። እዚ ሓይሊ እዚ ፍሉይ ኮይኑ ክሳብ እታ ቃል እቲኣ ኣብ ልብና ኣትያ ዘርኢ ቅድስና ዘርኢ ሕይወት ዘርኢ ጸጋ እትኸውን ይሕግዘና። መንፈስ ቅዱስ ንቃል ደቂሰባት ክበጽሓ እንከሎ ሓይሊ ትለብስ በዚ ከኣ ንልቢ ደቂ ሰባት ክተብርህን ንዘሎ ምምቅቃልን ተቃውሞን ሓጹርን ከምትዘልል ጌራ ሓደስቲ ጐዳናታት ብምኽፋት ንደረት ሕዝቢ እግዚአብሔር ተስፍሕ። ነዚ ብሰፊሑ ኣብቲ ኣብ መጽሓፈ ግብረ ሓዋርያት እንታይ እንታይ ተፈጺሙ ኣብ ዝብል ትምህርቲ ክንምልከቶ ኢና።

ነታ ተኣፋፊት ዝኾነት ዘረባ ደቂሰባት ቃናን ቅላጼን ሂቡ ክሳብ ሓላፍነታ ተሰኪማ ክትምህርን ክትግጽን ሓይሊ ዝህባኸስ እቲ ወልደ እግዚአብሔር ብኣኡ ኣቢሉ ዝተወልደ ኣብ ተልእኮኡ እውን ዝቀብኦን ዝደገፎን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምስጋና ነዚ መንፈስ እዚ ይኹን ኢየሱስ ሓዋርያቱ ሓርዩ ኣብ ተልእኮኦም ንክጸንዑ ከኣ ወትሩ ምሳኦም ኰይኑ ከሰንዮምን ብዙሕ ፍረ ከምዝፈርዩ እውን ገርዎም። ሎሚ ንዓና እውን ኣብቲ እንገብሮ ብሥራት ወንጌል ዋሕስና ንሱ እዩ።

ቅዱስ ወንጌል ብትንሣኤን ዕርገትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይዛዘም። ትርኻ መጽሓፍ ግብረሓዋርያት ከኣ ካብዚ ይጅምር። በቲ ብትንሣኤ ክርስቶስ ዝተረኽበ ምልኣት ሕይወት ዝለበሰት ቤተክርስትያን ይጅምር። ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ቃል ኣምላኽ ቅዱስ ሉቃስ ‘‘ድሕሪ ሕማማቱ ብብዙኅ መረዳእታ ሕያው ምዃኑ እናተገልጸሎምን  ንኣርባዓ መዓልታት ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ከምዝተናገሮም` ይገልጽ። እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሰብኣዊ ነገራት ይፍጽም! ኣብ መኣዲ ምሳኦም ይሳተፍ! ንተስፋ እግዚአብሔር ኣቦ ክጽበዩ ይነግሮም። እዛ ተስፋ ኣቦ እንታይ እያ እንተበልና! እቲ ንሱ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቁ ኢኹም’ (ግሐ 1.5) ዝበሎም ኣዩ።

ከም ሓቁ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቅ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ግላዊ ውህደት ከም እትኣቱ ዝገብርን ኣብታ ኩላዊት ዝኾነት መደብ ድሕነቱ ምስታፍን ኮይኑ ዘድሊ ትብዓት ለቢስካ ከም ውሉድ ኣምላኽ ክተብስር ምኽኣል እዩ። ከም ውሉድ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ከም ውሉድ ኣምላኽ ሓንቲ ንጽርቲ ነጻን ሓያልን ዝኾነት ብፍቅሪ ክርስቶስን ፍቅሪ ኣሕዋትን ዝመልአት ብሥራት ከም ውሉድ ኣምላኽ ተበስር።

ነዚ ጸጋ እግዚአብሔር እዚ ንምርካብ ቃልሲ ወይውን ብቚዕ ኰንካ ምርካብ ዝበሃል የሎን። ኩሉ ብነጻ ኣብ ገግዜኡ ዝዕደል ጸጋ እዩ። ጐይታ ንኩሉ ብነጻ ይዕድል! ድሕነት ኣይዕደግን እዩ! ዝኽፈሎ ነገር የብሉን ነጻ ትዕድልቲ እዩ። ሓዋርያት ኩሉ ተሓዋዊስዎም ንኩሉ ከኣ ብኡ ንብኡ ክፈልጡ ደልዮም ‘ጐይታና ኣብዚ ግዜ እዚ ድኻ ንእስራኤል እንደገና መንግሥቲ እተቚመላ!’ ኢሎም ይሓትዎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ነቲ ኣቦ ብገዛእ ሥልጣኑ ዝወሰኖ ግዜን ዘመንን ምፍላጥ ናታትኩም ኣይኮነን። ግናኸ ኣብ ልዕሌኹም ናይ ዚወርድ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ክትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን መላእ ይሁዳን ሰማርያን ክሳብ ጫፍ ምድሪ ከኣ መሰኻክረይ ክትኮኑ ኢኹም’ በሎም (ግሐ 1.7-8)።

እቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ከስ ነቶም ናቱ ብዛዕባ ዘለውዎ ግዜ ከይጭነቁ እንታይ ደኣ ምስ ግዜ ኪዳን መሥሪቶም ነታ ወትሩ ብዘይምቚራጽ ንቅድሚት እትግስግስ ቅድስቲ ታሪኽ ሕንቅልቅሊተይ ፍታሕ ክጽበዩ ብካልእ ኣዘራርባ ስጉምታት ናይቲ ጐይታ ግዜን ቦታን ዝኾነ እግዚአብሔር ምጽባይ ክመሃሩ ይሕብሮም። ባዕሎም ነቲ ተልእኮ ከይፈጥሩ እንታይ ደኣ ንልባቶም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንዘንቀሳቅስ እግዚብሔር ኣቦ ንክክጽበዩ ይዕድሞም። በዚ ከኣ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚራ ክሳብ ሰማርያን ኣጽናፍ ዓለምን ከንጸባርቅ ዝኽእል ምስክርነት ተልእኮ ወንጌል ክፍጽሙ ከምዝኽእሉ ይገልጸሎም።

ነዛ ትጽቢት እዚኣ ሓዋርያት ብሓባር ይነብርዋ! ከም ሓንቲ ሥድራቤት ይነብርዋ! ከም ሥድራቤት ጐይታ ኮይኖም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ኣብቲ ኢየሱስ ነቶም ናቱ ብቅዱስ ቊርባን ዝተወፈየላ ክፍሊ ኮይኖም ኣሕለፍዋ። ንሓይሊ እግዚአብሔር ከመይ ቢልካ ትጽብዮ! ቢልና እንተሓተትና ከየባተኽካ ብምጽላይ ነዚ ከኣ ከም ብዙሓት ዘይኮነ ሓደ ኰንካ ማለት ሓደ ልቢ ኰንካ ብሕብረትን ከየባተኽካን ምጽላይ የድሊ። ብሕትውናን ፈተናን ምጥርጣርን ብጸሎት ጥራይ እዩ ዝሽነፍ። ልቢ እውን ንውህደትን ሓድነትን ዝኽፈት ብጸሎት ጥራይ እዩ። ኣብ ጽርሓ ጽዮን ናይ ኣደ ኢየሱስ ማርያምን ካልኦት ኣንስትን ምንባር ነዚ ጸሎትን ሕብረትን ሓይሊ ይህቦ። እዘን ኣንስቲ እዚአን ነቲ ተኣማኒ ፍቅሩ ንምምስካርን ንፍርሂ ክተሸንፍ ሓይሊ ውህደትን ሓድነትን ከምዘድሊ ብቀዳምነት ካብ ጐይታ ተማሂሮንኦ።

ንሕና እውን ንስጉምትታት ጐይታ ናይ ምጽባይ ትዕግሥቲ ክህበና እምበር ባዕልና ንሥራሑ ብግምት ካብ ምፍጣር ከድሕነና ተኣዘዝቲ ኰና ብርሃን መንፈስ ቅዱስ እናለመናን ጥበብ  ውህደትን ሓድነትን ቤተክርስትያንና እናኰስኰስናን ብጸሎት ክንጽበ ከኽእለና ንለምና እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
29 May 2019, 15:34