ድለ

2019.05.15 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 2019.05.15 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ!  

ክፍኣት ከም ዚጥሕር ኣንበሳ እዩ ኮይኑ ግን ክርስቶስ ካብ ሥልጣኑ የናግፈና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ኣቀድም ኣቢሎም ብዛዕባ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ብምቅጻል ሎሚ እውን ነታ ‘ካብ ክፉእ ደኣ ኣድሕነና` እትብል ክፍሊ ብምትንታን `ሽሕኳ ኣብ ዓለምና ክፍኣት ገኒኑ እንተሎ ክርስትያን ዘበልና ክርስቶስ ምሳና ምኳኑ ነስተማቅር ከመይ ንሱ ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ንኩልና ምሕረትን ሰላምን ዓዲሉና እዩ’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ምስ ዓደሉ እዚ ዚስዕብ ቃል ኣምላኽ ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ።

ቃለ ኣምላኽ፥ - ‘እግዚአብሔር ብጊዜኡ ኬዕብየኩም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽኑዕ ኢዱ ርእስኹም ኣትሕቱ።  ንሱ ባዕሉ ኪሓልየልኩም እዩ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ኣብ ሓልዮቱ ኣውድቕዎ። ጸላኢኹም ዲያብሎስ፡ ከም ዚጥሕር ኣንበሳ ዚውሕጦ ደልዩ ይዞረኩም ኣሎ’ሞ፡  ጥንቁቃትን ንቁሓትን ኩኑ። እቶም ኣብ ዓለም ተበታቲኖም ዘለዉ ኣሕዋትኩም’ውን እዚ ንስኻትኩም እትዕገሥዎ ዘሎኹም ሓሳረ-መከራ ይረኽቦም ከም ዘሎ ፈሊጥኩም ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ንበሩ።’ (1ጴጥ 5.6-9)

“ብክፍኣት እነመልክቶ ዲያብሎስ ኣብ ዓለምናን ኣብ ልባትናን ኰንኑ እንክፍትነና ንሕና ከም ደቂ እግዚኣብሔር ኦ ኣቦ ካብ ክፉእ ሰውረና ኢልና ክንልምን ዝምህረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብመንፈስ ውልድነት እምበር ሕጻንነት ከይንገብሮ ይምሕጸነና።”

ጸሎትና ጸሎት ውሉድ ይኹን!

ከም ውሉድ ዝጽሊ ይብሉ ቅዱስነቶም ከም ውሉድ ዝጽሊ ናብ ፈተና ከይኣቱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ክፉእ ክስውሮ እውን ነቦኡ ይልምን። በዚ ከኣ ክፉእ ዝበሃል ጸላኤ ሠናይት ዝዘርኦ ብሓቂ ከምዘሎን ከምዝጓዝም ኣምበሳ ኣብ ከባቢና ከምዝዘውር ንዝክር።

“ብክፍኣት እነመልክቶ ዲያብሎስ ኣብ ዓለምናን ኣብ ልባትናን ኰንኑ እንክፍትነና ንሕና ከም ደቂ እግዚኣብሔር ኦ ኣቦ ካብ ክፉእ ሰውረና ኢልና ክንልምን ዝምህረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብመንፈስ ውልድነት እምበር ሕጻንነት ከይንገብሮ ይምሕጸነና።”

ታሪኽና ውድቀታት ዝመልኦ እዩ!

ክፉእ ነገር ኣብ ሕይወትና ዘይከሓድ ህላዌ ኣለዎ። ነዚ ዝጠራጠር ይብሉ ቅዱስነቶም መጻሕፍቲ ታሪኽ ምግንጻል ትኣኽሎ። ታሪኽና ቈጺርካ ዘይውድኦ ውድቀታት ዝሓዘ እሞ ከኣ ብክፍኣተ ግብሪ ዝመልአ እዩ።  ዕንወትን ፍሽለትን ዝመልኦ እዩ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ማዕረ ምሕረት ኣምላኽ ዝወዳደር እንክመስል መጠን እቲ ምሕረት ዝበዝሖ ክፍኣት ከኣ ክዕምብብ ይረኤ። ምሥጢር ኣምላኽ ክሳብ ዝጻረር ኰይኑ ዝረኣየሉ ግዝያት ኣሎ። እዚ ከኣ ክፍኣት ደቂሰባት ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ሰባት ክሳብ ኣብ ልብና ገኒኑ ምስ ረኣኻ እዩ።

“ኣቡነዘበሰማያት እንክንደግም ኣብ መወዳእታ ናብ ኣቦና እነቅርቦ ገዓርከስ ተጻእ እዚ ክፍኣት እዚ ዝድርበ ኣኣማን እዩ። እዚ ክፍኣት እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መነባብሮ ደቂሰባት ጽላሉ ዘርጊሑ ኣብ ሓዘን ደቂሰባት ኣብ ሥቃይ ንጹሓን ሰባት ኣብ ባርነት ኣብ ጭቆናን ምዝመዛን ደቂሰባት ብከምኦም ደቂ ሰባት ኣውያትን ብኽያትን ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ሕጻናት ይግለጽ። እዚ ኩሉ ፍጻሜታት ኣብ ልቢ ወዲሰብ ኮይኖም የዕለብጡ ኣብዛ መጨረሻ ክፍሊ ጸሎት ብዘላ ሓረግ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ናብ እግዚኣአብሔር ዝቀርብ ጸሎት ገዓር ይኾኑ።”

ኢየሱስ ባዕሉ እውን ናይ ክፍኣት ሓይሊ ኣስተማቂርዎ እዩ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ቃልሲ እዚ ተቃሊሱ እዩ። ጥርዙ ኣብ ግዜ ሕማማት በጺሑ ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ዘዕረጋ ጸሎት ኣባ ኣቦየ ኩሉ ይከኣለካ እዩ ነዛ ጽዋዕ ግዳ ካብ ኣሕልፋ እንተኾነ ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኢሉ ክሳብ ምጻላይ በጺሑ። ብሕትውናን ውርደትን ጭካኔን ደቂሰባት ምስ በርተዖ እውን ‘ኤሎሄ ኤሎሄ ለማ ሰበቃትኒ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ` ክሳብ ምባል ኣብጾሖ።

“እነሆ እምበኣር ሰብ እንታይ ምዃኑ ተመልከቱ። ሰብሲ ንሕይወት ዝተጸውዔ ፍቅርን ሠናይ ነገርን ዝሓልም ኮይኑ ግን ብቀጻሊ በዚ ክፉእ እዚ ተፈቲኑ ንገዛእ ርእሱስ ይኹን ንካልኦት እናጐድኤ ካብ ሰብ ተስፋ ክሳብ ንቈርጽ ኣብ እንፍተነሉ ደረጃ ከብጻሓና ዝኽእል ፍጥረት እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ግን ጐይታ ኩሉ ግዜ ኣብ ጐድንና እዩ ሰላሙ ከኣ ይህበና።”

ጐይታ ኩሉ ግዜ ኣብ ጐድንና እዩ ሰላሙ ከኣ ይህበና!

ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ናይ ክፍኣት ሓይሊ ይፈልጦ እዩ ኰይኑ ግን ክርስቶስ ኣብ ጐድኑ ከምዝኾነን ወትሩ ከምዝድግፎን ከኣ ዝነብሮ ሕይወት ይምስክረሉ። ወልደ እግዚኣአብሔር ካብ ክፉእ ኩሉ ሓራ ኣውጺእና እዩ። ንሱ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግኡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ነታ ሰይፉ ኣብ ማሕደራ ክመልሳ ይእዝዞ ነቲ ብጣዕሳ ዝቀረቦ ፈያታዊ ዘየማን መንግሥተ ሰማያት የረጋግጸሉ እታ ዝዓበየት ከኣ ‘ኦ ኣቦ ዝገበርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም` ኢሉ ከኣ ምሕረት ይልምን።

“ካብቲ ኢየሱስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ዝለገሰልና ይቕሬታ ሰላም ይውሕዝ ከመይ ሓቀኛ ሰላም ካብኡ እያ እትመጽእ። እዚኣ ከኣ ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ ክርስቶስ ውህበት ኰይና ኢየሱስ ንኣኣ ይህበና፣ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥኤ ንሓዋርያቱ ዘቅረባ ሰላምታ ንዘክር ‘ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን’ እንክብል ሰላም ንነፍሳትኩም ሰላም ኣብ ልባትኩም ሰላም ኣብ ሕይወትኩም ኢልዎም። ጐይታ ሰላሙ ይህበና ጐይታ ይቅሬታኡን ምሕረቱን ይህበና ንሕና ግን `ካብ ክፉእ ደኣ ኣድሕነና’ እናበልና ናብ ክፉእ ከይንወድቅ ክንልምን የድሊ። ተስፋና እዚኣ እያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህበና ሓልና እዚኣ እያ። እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሤ ክርስቶስ ኣብዚ ኣብ ማእከልና ኣሎ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
15 May 2019, 13:11