ክፍኣት ከም ዚጥሕር ኣንበሳ እዩ ኮይኑ ግን ክርስቶስ ካብ ሥልጣኑ የናግፈና! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ምስ ዓደሉ እዚ ዚስዕብ ቃል ኣምላኽ ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ።
ቃለ ኣምላኽ፥ - ‘እግዚአብሔር ብጊዜኡ ኬዕብየኩም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽኑዕ ኢዱ ርእስኹም ኣትሕቱ። ንሱ ባዕሉ ኪሓልየልኩም እዩ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ኣብ ሓልዮቱ ኣውድቕዎ። ጸላኢኹም ዲያብሎስ፡ ከም ዚጥሕር ኣንበሳ ዚውሕጦ ደልዩ ይዞረኩም ኣሎ’ሞ፡ ጥንቁቃትን ንቁሓትን ኩኑ። እቶም ኣብ ዓለም ተበታቲኖም ዘለዉ ኣሕዋትኩም’ውን እዚ ንስኻትኩም እትዕገሥዎ ዘሎኹም ሓሳረ-መከራ ይረኽቦም ከም ዘሎ ፈሊጥኩም ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ንበሩ።’ (1ጴጥ 5.6-9)
ጸሎትና ጸሎት ውሉድ ይኹን!
ከም ውሉድ ዝጽሊ ይብሉ ቅዱስነቶም ከም ውሉድ ዝጽሊ ናብ ፈተና ከይኣቱ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ክፉእ ክስውሮ እውን ነቦኡ ይልምን። በዚ ከኣ ክፉእ ዝበሃል ጸላኤ ሠናይት ዝዘርኦ ብሓቂ ከምዘሎን ከምዝጓዝም ኣምበሳ ኣብ ከባቢና ከምዝዘውር ንዝክር።
ታሪኽና ውድቀታት ዝመልኦ እዩ!
ክፉእ ነገር ኣብ ሕይወትና ዘይከሓድ ህላዌ ኣለዎ። ነዚ ዝጠራጠር ይብሉ ቅዱስነቶም መጻሕፍቲ ታሪኽ ምግንጻል ትኣኽሎ። ታሪኽና ቈጺርካ ዘይውድኦ ውድቀታት ዝሓዘ እሞ ከኣ ብክፍኣተ ግብሪ ዝመልአ እዩ። ዕንወትን ፍሽለትን ዝመልኦ እዩ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ማዕረ ምሕረት ኣምላኽ ዝወዳደር እንክመስል መጠን እቲ ምሕረት ዝበዝሖ ክፍኣት ከኣ ክዕምብብ ይረኤ። ምሥጢር ኣምላኽ ክሳብ ዝጻረር ኰይኑ ዝረኣየሉ ግዝያት ኣሎ። እዚ ከኣ ክፍኣት ደቂሰባት ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ሰባት ክሳብ ኣብ ልብና ገኒኑ ምስ ረኣኻ እዩ።
ኢየሱስ ባዕሉ እውን ናይ ክፍኣት ሓይሊ ኣስተማቂርዎ እዩ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ቃልሲ እዚ ተቃሊሱ እዩ። ጥርዙ ኣብ ግዜ ሕማማት በጺሑ ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ዘዕረጋ ጸሎት ኣባ ኣቦየ ኩሉ ይከኣለካ እዩ ነዛ ጽዋዕ ግዳ ካብ ኣሕልፋ እንተኾነ ፍቃድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኢሉ ክሳብ ምጻላይ በጺሑ። ብሕትውናን ውርደትን ጭካኔን ደቂሰባት ምስ በርተዖ እውን ‘ኤሎሄ ኤሎሄ ለማ ሰበቃትኒ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ` ክሳብ ምባል ኣብጾሖ።
ጐይታ ኩሉ ግዜ ኣብ ጐድንና እዩ ሰላሙ ከኣ ይህበና!
ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ናይ ክፍኣት ሓይሊ ይፈልጦ እዩ ኰይኑ ግን ክርስቶስ ኣብ ጐድኑ ከምዝኾነን ወትሩ ከምዝድግፎን ከኣ ዝነብሮ ሕይወት ይምስክረሉ። ወልደ እግዚኣአብሔር ካብ ክፉእ ኩሉ ሓራ ኣውጺእና እዩ። ንሱ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግኡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ነታ ሰይፉ ኣብ ማሕደራ ክመልሳ ይእዝዞ ነቲ ብጣዕሳ ዝቀረቦ ፈያታዊ ዘየማን መንግሥተ ሰማያት የረጋግጸሉ እታ ዝዓበየት ከኣ ‘ኦ ኣቦ ዝገበርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም` ኢሉ ከኣ ምሕረት ይልምን።