ድለ

እኖና ድንግል ማርያም ንሃገራት ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶንያን ትሓሉ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናብ ቡልጋርያን ሰሜን መቀዶንያን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ብሰላም ድሕሪ ኣትዮም ሎሚ ዕለት 8 ግንቦት 2019 ዓምፈ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንክልግሱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ሓዋርያ ምብጻሕ ሓጺር ጸብጻብ ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ንዝነብሩ ተዘዋዊሮም ሰላምታን ቡራኬን ድሕሪ ለጊሶም እዚ ዚስዕብ ቃል ኣምላኽ ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳ ተነቢቡ። ‘ኢየሱስ ንኣርድእቱ ከምዚ በሎም። `ስለዚ ብዛዕባ ሕይወትኩም እንታይ ከም እትበልዑ ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም እንታይ ከም እትኽደኑ ኣይትጨነቁ። ከመይሲ ሕይወት ካብ መግቢ ሰብነት ከኣ ካብ ልብሲ ይበልጽ እዩ። . . . ነዚ ነገራት እዚስ ኵሎም ኣሕዛብ ዓለም እዮም ዚደልይዎ። ኣቦኹም ግን እዚ ኩሉ ከም ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ። መንግሥቱ ደኣ ድለዩ እምበር እዚ ነገራ እዝስ ኪውሰኸኩም እዩ። ኦ ንኡስ መጓሰ ኣቦኹም መንግሥቱ ኺህበኩም ደስ ስለ ዝበሎስ ኣይትፍርሁ’ (ሉቃ 12.22.23.30-32)

ኣብ ቡልጋርያ ምስ ኦርቶዶክስ ዝግበር ዘተ ብዙሕ ሰጒሙ!

ቅዱስነቶም ብሃገረ ቡልጋርያ ዝጀመርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዕውት ንክኸውን ካብ ዝሓገዝዎም እቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝተዘርአን ብዙሕ ፍረ ዝተረኽበሉን ተበግሶን ጻዕርን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ኣቀማምጣ ናይታ ሃገር እውን ንማእከላይን ምብራቃውን ደቡባውን ኤውሮጳ ዘራኽብ ተቀባሊት ኩሉ ብምዃና እውን እዩ ኢሎም። ናይቶም ዘይደኽሙ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝኽሪ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገሊጾም።

“‘ወሰላም በምድር’ ብዝብል መሪሕ ቃል ኩሎም ብጐደና ሕውነት ክንጐዓዙ ዓዲሞም! በዛ ጐዳና እዚኣ ከኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ መንጎ ፓትርያርክ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ቡልጋርያን ፓርትርያርክ ኖፊትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ሕውነታዊ ርክብ ከምዝካየድ ገሮም። ከም ሓቑ እኳ ከም ክርስትያን መጠን ጸዋዕታናን ተልእኮናን ምልክትን መጋበርን ሓድነት ክንከውን ስለዝኾነ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክንኮኖ ንኽእል ኢና። ነዚ ከኣ ነቲ ዝፈላልየና ወጊድ ኢልና ነቲ ሓደ ዝገበርና እናኣቀደምና ክንገብሮ ንኽእል።”

ሎሚ ዓለምና ቀናኣት ሰበኽቲ ወንጌል የድልዮ!

ንሃገረ ቡልጋርያን ምሥራቅ ኤውሮጳን ወንጌል ዝሰበኹ ቅዱስ ቄርሎስን መቶድዮን ዝበሃሉ ዓበይቲ ቅዱሳንን ቀናኣት ሰበኽቲ ወንጌልን ከምዝኾኑ በዚ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ቅዱስ በነዲክቶስ ናይ ኤውሮጳ ጠበቃታት ክኾኑ መረጽዎም። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ካተድራ ሶፍያ ንክብሪ እዞም ቅዱሳን ኣብ ዝቆመ ሓውልታት ጸልዮም ነሮም ብዛኦባኦም ከኣ ሎሚ ነዚ ዚስዕብ ኢሎም።

መበቆል እዞም ክልተ ኣሕዋት ግሪኽ ብምዃኑ ንእስላቭ ዝበሃሉ ኣሕዛብ ናይዚ ከባቢ መልእኽቲ ክርስትና ንምብሳር ፈጠራዊ ክእለት ባህሎም ተጠቂሞም። ንቋንቋ ናይቲ ሕዝቢ መጽሓፊ ዝኸውን ሓዲስ ፊደል ምሂዞም ከኣ ንቅዱስ መጽሓፍን ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ መጻሕፍትን ኣብ ቋንቋኦም ተርጐሙዎ። ሎሚ እውን እንተኾነ ነዛ ዓለምና ወናማትን ክኢላታትን ጥበበኛታትን ሰበኽቲ ወንጌል የድልዩና ኣለው። በዚ ከምዚ ከኣ ወንጌል ናብቶም ገና ዘይሰምዕዎ በጺሑ ከጒላዕልዕ ነቲ ሱር ክርስትና ዘለወን ኮይኑ ግን ሰኣን ሰበኽቲ ወንጌል ቀምሲለን ዘለዋ ሃገራት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዘስፋሕፍሑ የድልዩና ኣለው።

ሰሜን መቀዶንያ ተቀባሊት ጋሻ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ቡልጋርያ ዝበጽሕዋ ሃገር ሰሜን መቀዶንያ ኰይና ኣብታ ዓባይ ናይ ዘመንና ቅድስቲ ማዘር ተረዛ ዝተወልዳላ ዓዲ እስኮፕየ ብሓቂ መንፈሳዊ ነገራት ከምዘስተማቀሩ ገሊጾም። ነቲ ቅድስት ማዘር ተረዛ ‘ቤተክርስትያን ኣብዚ ከባብን ኣብ ካልኦት ኲርናዓት ዓለምናን ናኣሽቱ ማሕበራት እኳ እንተኾና ብጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ብዙሓት ዝጨነቆም ዕረፍትን እንግዶትን ዝቅበሉለን ገዛውቲ እየን’ ዝበላኦ እዛ ሃገር እዚኣ እውን ካብአን ሓንቲ እያ ኢሎም። ልዕሊ ኩሉ ንስደተኛታት ብምቅባልን መስተርሆት ንክፈጥሩሎም ዝተኻእሎም ብምብርካትን ንዘበርክትዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ።

“በቲ ዝፈጸምክዎ ሓውጾተ ኖልዎ ቀንዲ ከተባብዖ ዝደለኹ ናይዚ ሕዝቢ እዚ ጽቡቅ ልማድ ምቅባል ጋሻ ጋሻ ብጋሻኡ ከኣ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉን ካብ ዝተፈላለየ ዓሌታት ዝመጹን እንክኾኑ ንኩሎም ብፍሕሽው ገጽ ተቀቢልካ ምሕጋዞምን ፍታሕ ክተናድየሎም ሓርኰትኰት ምባልን ብሓቂ ዝነኣድ እዩ። ምናዳ ኣብተን ጽንኩራት ዓመታት 2015ን 2016ን ልቦም ሃህ ኣቢሎም ክንደይ ስደተኛታትን ጭኑቃትን ዘይተቀበሉን ዘይሓገዙን። ብሓቂ ኣብቲ ሃገር ዓቢ ተቅባልን ሰፊሕ ልቦናን ኣሎ። ርግጽ ስደተኛታት የጸግምዎም እዮም ኮይኑ ግን ይቅበልዎም ይሕግዝዎም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍቅሮም ይገልጹሎም። ንጸገማቶም መፍትሒ ይረኽቡሎም። እዚ ናይቲ ሕዝቢ ዓቢ ነገር እዩ። ሃየ ብጣቅዒት ምስጋናና ንግለጸሎም ኢሎም ብሓባር ኣጣቂዖምሎም።”

ርሕራሔ ደናግል ማድረ ተረዛ!

ሃገረ ሰሜን መቀዶንያ ብ1991 ዓምፈ ዝተፈጥረት ንእሽቶ ውልዶ ሃገር እኳ እንተኾነት መሠረታ ከይረሰዔት ጠመተኣ ክተስፍሕን ዘለዋ ሃገር ምዃና ቅዱስነቶም ንመንእሰያታ ኣብ ዝረኸቡሉ ግዜ ከምቲ ኣኘስ ብንእስነታ ዝገበረቶን ደሓር ማዘር ተረዛ ኮይና ንዓለም ምሉእ ብርሃን ዝኾነትን ንኽገብሩ ኣተባቢዖም ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንካህናትን ንሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣተባቢዖም።

“ነተን ምስ ድኻታት ክሠርሓ ዝጸንሓኒ ደናግል እናቴ ተረዛ ክበጽሐን ምስ ከድኩ ልበይ ተተንከረ። ልዕሊ ኩሉ ልበይ ዝተንገፈነ እዘን ደቂ ኣንስትዮ እዚአኤን ርሕራሔ ወንጌል ብሕይወተን ክሰብካ ምስ ረኣኹ እየ። ንሕና ብዙሕ ግዜ ነዚ ርሕራሔ እዚ ነጥፍእ ኣይነስተውዕለሉን እውን ኮይኑ ግን እዚ ርሕራሔ እዚ ካብ ጸሎትን ስግደት ቅዱስ ቊርባንን ስለዝምንጩ ነዚ ምዝውታር የድሊ። እዘን ደናግል እዚኤን ንኩሉ ይቅበላ! ንኩሉ ሓውን ሓፍትን ይኾና ኣደታት ይኾና ልዕሊ ኩሉ ግን ነዚ ኩሉ ብርሕራሔ ይገብራኦ። ንሕና ክርስትያን ብዙሕ ግዜ ነዚ ኣይነስተውዕለሉን። ብዙሕ ንገብር ርሕራሔ ግን ይዝንጋዕ። ርሕራሔ ምስ ዘይህሉ ንደርቅ ንመጽጽ ዳርጋ ነቲ እንገብሮ ኣይረኸብ ዚዓይነቱ ግብረ መልሲ ንረኽበሉ። እዚአን ትሑታት ደናግል እዚኤን ግን ብጥዑም ርሕራሔን ፍቅርን ይገብራኦ። ግብረ ሠናይ ብዘይ ርሕራሔ እንክዝውተር ዳርጋ ሓደ ብርጭቆ ሓሞት ከምምቅባል እዩ። ስለዚ ግብረሠናይ ብርህራሔ እምበር ብምጸት ክከውን የብሉን።”

እኖና ድንግል ማርያም ንሕዝብታት እዘን ክልተ ሃገራት ትባርኽ!

ኣብ ሻውላት እስኮፕየ ዝርከብ ቅርዓት መቀዶንያ ኣብ ዘዕረግክዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ተኣምር ናይ ብቚሩብ እንጌራን ዓሣን ኣሽሓት ዘጽገበ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ እዚ ተኣምር እዚ በቲ እዞም ውሑዳት መጓሰ ዝገብርዎ ግብረሠናይ ክድገም ርእየ ክብል እኽእል። ስለ እዞም ሕዝብታት እዚኦም ንጸሊ ድሕሪ ቢሎም ስለኦም ኩሎም እቶም ኣብ ቅርዓት ዝነበሩን ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ዝስዕብዎም ዝነበሩን ብሓባር ሓንቲ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 May 2019, 16:26