ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ መስቀል መሳቕል ዓለም ነስተንትን

መስቀል ናይቲ ከም ውዳቕ ዝሓስብን ተጠቂምካ ምድርባይን ዝብል ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎ ናይ ዝወርዶም ግፍዕን ጸቕጥን ውላድ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ዝተኻየደ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘሳተፈ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ምስ ተፈጸመ፡ ኢየሱስ ኣባና፡ ናይ ትንሳኤ ተስፋን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይዅን ክፋእን ሕሰምን ሞትን ዝተረጋገጸ ዓወትን ህያው ክገብሮ መታን ዝብል ጸሎት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍኖተ መስቀል ንዅሉ ናይ ዓለም ወሰናስንን ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ኣቝሳል ሰብኣውን ናይ ቤተ ክርስቲያንን የቛርጽ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዝበሉ ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ መዛዘሚ ምዕዳን ዳርጋ ብጸሎት መልክዕ ዘቕረብዎ ኰይኑ፡ ኢየሱስ ጐይታ ኣብ መስቀልካ ናይ መላእ ዓለም መሳቕል ከነስተውዕል ደግፈና፡ ኣብ ሻብዓይ ምዕራፍ ፍኖተ መስቀል ቅድስ ኣቦና መስቀል ተሰኪሞም ባዕሎም ክመርሑ እንከለዉ፡ ቅድም ክብል ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ ናይቲ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣሰንትኖ ብእናቴ ኤውጀኒያ ቦነቲ ዝተደሰ ክኸውን እንከሎ፡ ኣርእስቱ ከኣ ምስ ክርስቶስ ምስ ኵለን ደቀንስትዮ ኣብ መገዲ መስቅል ዝብል ምዃኑ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ፍትሕን ሰላምን ዝጸመኣኵም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ እንጌራ ዝጠመዮምን ፍቕርን ዝጸመኦምን እቶም ኣብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ብገዛእ ደቃቶምን ዘመድ ኣዝማዳቶምን እውን ከይተረፈ ዝተጠንጠኑን ንበይኖም ዝተሓድጉ ይዝክሩ፡ እቶም ፍትሕን ሰላምን ዝጸመኦም ዝነብርዎ መስቀልን፡ ናይ እምነት ምጽንናዕ ዘይብሎም ዝነብርዎ መስቀልን፡ ንበይኖም ዝተሓድጉ ኣብ ተነጽሎነት ዝነብሩ ኣረጋውያንን ኣብ ናይ ምንባር ተነጺልካ መሳቕል ዝነብሩን ይዝክሩ፡

ናይ ስደተይናታትን ሕጻናትን መሰቕል

መስቀል ናይቲ ከም ውዳቕ ዝሓስብን ተጠቂምካ ምድርባይን ዝብል ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎ ናይ ዝወርዶም ግፍዕን ጸቕጥን ውላድ እዩ፡ መስቀል ዝወልድ ኣሉታዊ ባህሊ፡

ናይ ስደተይናታት መሳቕል፡ ኣብ ምምጻኦም ዝተዓጽዉ በራት ዘጋጥሞም፡ ብናይ ፖለቲክይናታት ቀመር ብዝተኣታትዎ ፍርሒ ምኽንያት ዝተሸገጡ ኣልባባት ዘጋትሞም፡ ናይ ንኡሳን ኣሕዋት ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዕሸልን ኣብ ንጹሕ ዕድመኦምን ዘጋጥሞም ማሕሰይቲ ዝወልዶም መሳቕል።

ናይ ኣባይቲ ስድራን ውፉያንን መሳቕል

ኣብቲ ናይ ዓለም መስቀል ዘይምርግጋእን ዘይርግጸይናነትን ደልሃመት ናይ እዋናዊ ባህሊ ዘስዕቦ ናይ ሰብኣዊ መሳቕል እውን ኣሎ፡ ብኽሕደትን ብናይ ክፋእ መንፈስ ስሕታንን ሰለይ እናበለ ብዝቐትልን ብኢጐነትን ምኽንያት ልቦም ዝተሰብረ ኣባይቲ ስድራ ዝነብርዎ መሳቕል፡ ኣተሓሒዞም እውን ብዙሓት ናይ ጐይታ ብርሃን ንዓለም ንኸብጽሑ ከይተሓለሉ ዝጋደሉ ውፉያን መናንያን ውሉደ ክህነትን ተቐባልነ ክስእኑን ክንዓቑን ካልኦቶ ከባጭውሎም ዘጋጥሞም መስቀል፡ ካልኦት ኣብ ጉዕዞ ጸዋዕታኦም እቲ ናይ ፈለማ ፍቕሮም ዝዘንግዑ ዝወልዶ መስቀል።

ናይ ድኻምነትና መሳቕል

እቶም ካልኦት መሰቓቕል፡ ከም ቃል ናይ ጐይታ ክነብሩ ዝጽዕሩ ከም ቃልካ ዝብሉ ደቂ እግዚኣብሔር ዘጋጥሞም እዩ፡ ቃሉ ዝነብሩ ብምዃኖም ተነጺግካ ምንባር የጋጥሞም፡ ካብ ስድራኦምን ካብ መሓዙቶምን እውን ከይተረፈ ዝንጸጉ፡ ካልእ እውን ናይ ድኻምነትና መሳቕል፡ ምስሉይነትናን ክሕደታትናን ሓጢኣትናን ዝኣተናዮ ቃን ምዕጻፍን መብጽዓና ምኽሓድ ዘስዕበልና መሳቕል እውን ኣሎ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን መሳቕል

እታ ናይ ክርስቶስ መርዓት እውን ከይተረፈት ናታ መሳቕል ኣለዋ፡

እታ እምንቲ ኣብ ቃልካ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያንካ ፍቕርኻ ናብቶም ጸጋ ጥምቀት እውን ናብ ዝተቐበሉ ንምብጻሕ ብዙሕ መተዓናቕፎ ዘጋጥማ፡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቐጻልነት ኣብ ልዕለኣ ዝፍነው መጥቓዕትን ዝወርዳ ህጁምን

ተስፋ ኢየሱስ ኢዩ

ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዝፍነው መጥቃዕቲ ዝወልዶ መሳቕል ኣሎ፡ ኣብ ትሕቲ ኢጐነት ዝተመልኡ የዕንትናን ስስዔን በለጽን ጽምኢ ስልጣንን ምኽንያት ዘጋጥማ ቅምሳሎ፡ እዚ ንናይ ሓባር ቤትና ዘጋጥማ መሳቕል እዩ፡ ስለ እቲ ኵሉ ዝተዘርዘሩ መሳቕልን መሳቕል ኣብ ዓለምን ቅዱስ ኣቦና እቲ እንኵ መድሕን ሰብ ዝዀነ ተስፋ ክምሕጸኑ እንከለዉ፡

         ኦ ኢየሱስ ጐይታ እቲ ናይ ትንሳኤን ናይቲ ወሳኒ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞትን ክፋእን ዝዀነ ተስፋ ኣባና ሓድስ

ብዝብል ጸሎት ቃሎም ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ መስቀል መሳቕል ዓለም ነስተንትን
20 April 2019, 10:26