ድለ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ላትቪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ቅዱስ ኣቦና ናይ ላትቪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን 

ቅዱስ ኣቦና ናይ ላትቪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ናጽነት ላትቪያ ኣብታ ሃገር ኣብ 2018 ዓ.ም. ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ንሕዝቢ ላትቪያ ብዙሕ ከምዘደሰተን ብፍላይ ነቲ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ርክብ ጽኑዕ ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ላትቪኣ ርእሰ ብሔር ራይሞንድስ ቨዮኒስን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጉዳይ ለቶኒያን ብዛዕባ ሰላምን ጸጥታን ከባቢ ምብራቕ ከፍለ ዓለም ኤውሮጳን ከምዝተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 25 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ላትቪያ ርእሰ ብሔር ራይሞንድስ ቨዮኒስ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ናጽነት ላትቪያ ኣብታ ሃገር ኣብ 2018 ዓ.ም. ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ንሕዝቢ ላትቪያ ብዙሕ ከምዘደሰተን ብፍላይ ነቲ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ርክብ ጽኑዕ ምዃኑ ዝመስከረ ምብጻሕ እውን ምንባሩ ከምእተዘከረን ዝሓበረ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ለቶኒያን ሰናይ ምዃኑ ዘረጋገጸ ርክብ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ምስ ቅዱስ ኣቦናን ኰነ ደሓር እውን ርእሰ ብሔር ለቶኒያ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ ኣብ ዝተኻየዱ ርክባት ብዛዕባ ናይ ላትቪያ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጉዳይን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ኣገዳስነት ዘለዎምን ናይ ከባቢ ምብራቕ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ሰላምን ጸጥታን ብማዕቅፍ ናይ ኤውሮጳ መጻእን ክንክን ስነ ምህዳርን ኣብ ዘማእከሉ ርእሰ ጉዳያት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ላትቪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን
26 April 2019, 16:27