ድለ

ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞሮኮ

ኣብ ሓደ ደቒቓ ጸብጻብ ናይ ምስማዐ-ርእየተ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞሮኮ

ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞሮኮ ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ሓደ ደቒቓ ጸሚሩ ብምስማዐ-ርእየት የቕርቦ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰለስተ ኵርናዕ ዘለዎ እቲ ቐዳማይ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን እቲ ካልኣይ ብዛዕባ ስደተይናታትን ድኻታትን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡን እቲ ሳልሳይ ዛዕባ ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ኣብ ሓደ ደቒቓ ናይ ክልተ መዓልቲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሞርኮ የቕርብ።

ዘተን ጉዳይ ዝደተይናታትን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 30 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ራባት ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳለ ብንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ሓሳን ዝተገበረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላን ምስ ሕዝቢ ሞሮኮን ሰበ ስልጣናትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መንግስታት ልኡካንን በርገሳውያን ማሕበራት ልኡካንን ተራኺቦም ቃሎም ኣስሚዖም። ኣብ ሞሓማድ ሓምሻይ ናይ መቓብር ኣዳራሽ ዘካየድዎ ምብጻሕን ንኽብሪ ናይ ሞሮኮ ንጉስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕን ብሓባር ምስ ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኢየሩሳሌም እንኰን ቅድስቲ ከተማ ንኹለን ሃይማኖታት ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔን ፍርርም። ኣብ ተቕዋም ሞሓመድ ሻድሻይ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ተቕዋም ሰባክያንን (ዒማም/መምሃራን) ዘካየድዎ ምብጻሕ። ራባት ኣብ ዝርከብ ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ዘካየድዎ ምብጻሕን ምስቶም ብቲ ናይ ረድኤት ጨንፈር ዝእለዩ ስደተይናታትን ድኻታትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ተራኺቦም።

ኣብ ሞሮኮ ምስ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዘካየድዎ ርክብ

ሰንበት ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ተማራ ኣብ ዝርከብ ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ዝመሓደር መእለይ ህሙማንን ድኻታትን ዘካየድዎ ምብጻሕን ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ርእሰ ሰበኻ ራባት ምስ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገገዳማውያትን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም፡ ብሓባር ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ኣዕሪጐም። ምስ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ብሓባር ራባት ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ምሳሕ ምስ ተቛደሱ፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ልዑል ሙላይ ኣብደላሕ ናይ ስፖርት ሜዳ ካብ ሞሮኮን ወጻኢ ሃገራትን ዝመጹ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ምአመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም መበል 28 ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ምሸት ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም።

02 April 2019, 09:42