ድለ

ጸሎተ ሓሙስ፥ መባእታ ሳልስተ ፋሲካ ጸሎተ ሓሙስ፥ መባእታ ሳልስተ ፋሲካ 

ጸሎተ ሓሙስ፥ መባእታ ሳልስተ ፋሲካ

ዕለት ቅዱስ ሓሙስ ወይ ጸሎተ ሓሙስ ክልተ ዝተፈላለዩ በዓላት ይስራዕ፡ እቲ ቀዳማይ ንጐሆ ኣብ ኵለን ካቴድራላት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ይፍጸም፡ እዚ ኣብ ዕለተ ቅዱስ ሓሙስ/ጸሎተ ሓሙስ ዝባረኽ ዘይት ወይ ቅብኣ ቅዱስ ንምሉእ ዓመት

ጸሎተ ሓሙስ/ቅዱስ ሓሙስ፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክልተ ስርዓተ ሊጡርጊያ ይፍጸሙ፡ እቲ ቀዳማይ ንጐሆ እቲ ካልኣይ ከእ ድሕሪ ቐትሪ ዝስራዕ እዩ፡ ጸሎተ ዘሰርክ ወይ ናይ ምሸት ቅዳሴ እዚ ኸኣ  ድራር ዘእግዚኣነ ዝብል መጸውዕ ዘለዎን ናይ ኢየሱስ ናይ መወዳእታ ህማማት ሞቱን ትንሳኤኡን ዝዝከረሉ ሳልስት መባእታ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ሓሙስ ወይ ጸሎተ ሓሙስ ብኻልእ ኣገላልጻ እውን ናይ ምስጢራት ሓሙስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መባእታ ሳልስተ ፋሲካ፡ እዚ ሊጡርጊያ ሳልስተ ፋሲካ’ዚ ሰንበት ኣብ ዋዜማ ዘትንሳኤ ጫፍ ምስ በጽሔ ኣብ ሰንበት ዘፋሲካ ብካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ይዛዘም፡ ድሕሪ ሊጡርጊያ ድራር ዘእግዚኣነ ክርስቲያን ጉባኤ ብጽሞና ይፋነው፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት እውን ከምኡ፡ እዚ ጽሞናን ጸሎትን ጉባኤ ክርስቲያን ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ይፍታሕ፡ ደወል ኣቢያተ ክርስቲያን ከም ትእምርቲ ሓሴት ኣብ ኩሉ ይስማዕን ማሕበረብ ክርስቲያን ቡራኬ ይቕበልን።

ምብራኽ ዘይት

ዕለት ቅዱስ ሓሙስ ወይ ጸሎተ ሓሙስ ክልተ ዝተፈላለዩ በዓላት ይስራዕ፡ እቲ ቀዳማይ ንጐሆ ኣብ ኵለን ካቴድራላት ባርዀት ቅብኣ ቅዱስ ይፍጸም፡ እዚ ኣብ ዕለተ ቅዱስ ሓሙስ/ጸሎተ ሓሙስ ዝባረኽ ዘይት ወይ ቅብኣ ቅዱስ ንምሉእ ዓመት ምስጢረ ጥምቀትን መሮንን ንምስጢረ ማዕርግን ንምስጢረ ቅብኣ ፈውስ ወይ ንምስጢረ ቀንዲልን ንቅብኣ ንኡሳን ክርስቲያን የገልግል። ነዚ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ብውሉደ ክህነት ተሰንዩም ምብራኽ ቅብኣ ዝሰርዕ ጳጳስ እዩ፡ ኵሎም እቶም ውልደ ክህነት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁምስናኦም ናይ ጐይታ ናይ መወዳእታ ድራር ስርዓተ ሊጡርጊያ ይሰርዑ።

ድራር ዘእግዚእነ፥ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍጹም ዓቢይ ገዛእ ርእሱ የትሕት/የንእስ

ኢየሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡ ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ። ደሓር ማይ ኣብ ሒላብ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ (ዮሓ. 13. 3-5)

ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱ በዓለ ኣዚሚ ወይ ከኣ እቲ ብሃይማኖት ኣይሁድ ዓብይ በዓለ ተባሂሉ ዝንገረሉ በዓለ ፋሲካ ንምብዓል ብሓባር ኣብ መኣድ ድራር ይቕመጡ። ብዘይ መባዅዕቲ ዝተሰናደው ህብስትን መሪር ኣሕምልትን ስጋ ዕየትን ልክዕ ከምቲ ኣይሁዳዊ ባህሊ ብዝሓቶ መሰረት ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ድራር ንኢየሱስን ንደቀ መዛሙርቱን ዝተፈለየ ኣገባብን ዘለዎ ይኸውን፡ ናይ መወዳእታ ድራር እዩ ዝኸውን፡ እቲ ኵሉ ናይ ኣይሁድ ትእምርቲ ዝሕድስ ድራር፡ እቲ ዕየት ባዕሉ እቲ ንመላእ ድሕነት ዓለም ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ንዅሎም ኣብቲ መዓዲ ዝሓብሩ ዝፍተት ሕብስቲ ትእምርቲ ቅዱስ ቁርባን ወልደ እግዚኣብሔር ዝዀነ ኢየሱስ መላእ ዓለም ዘድሕን ገዛእ ርእሱ ንድሕነት ኵሉ ዝወሃብ እንጌራ ብዝኸውን ኢየሱስ ይትካእን ምልኣተ ትርጉም ይዕደልን። እቲ ካልኣ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ንኢየሱስ ፍልይ ዘብሎን ብፍሉይ ዝገልጾ፡ ሰብ ኣብ መንጐ ሰባት ምዃኑ እዩ፡ ካብ ኵሎም ዝነኣሰ፡ ሕጽበተ እግር ዝፍጽም ኰይኑ ይቐርብ፡ ኣብቲ መዓድ ድራር ነጺሕካ ንምቕራብ እዩ ዘድልይ፡ ምእንቲ’ዚ ኣእጋሮም ይሓጽቦም፡ ክተርፍ ዘይግብኦ ግድን ዝዀነ ሕጽበተ እግር በዓል ቤት ንቤቱ ክኣትው እንከሎ ጸሪዩ ኣብ መዓዲ ድራር መታን ክቕርብ በዓልቲ ቤት እትፍጽሞ ስርዓት እዩ ዝነበረ፡ ውላድ ነብኡ ብፍላይ ከኣ ጊልያ ንዋንኡ፡ እቲ ትእምርቲ’ዚ ኢየሱስ ብዝህቦ ሓድሽን ምሉእን ትርጉም ንሰዓብቱ ተልእዀ እዩ ዝኸውን፡ ብምልኣት ገዛእ ርእስካ ምውፋይ፡ ምእንቲ ብጻይ ክሓልፍ ዝብል፡ ንመላእ ዘርኢ ሰብ። እዚ እቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኩለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸም ስነ ስርዓት እዩ፡ ሕጽበተ እግር።

ኽሕደትን ድሕነት

ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር - ናይ ጐይታ ድራር፡ ካልእ ዝውሰኽ ረቛሒ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ይሁዳ ተክለ ሰብነት እዩ፡ ኢየሱስ ብወግዒ ልክዕ ከምቲ ኣብ መኣዲ ኵሉ ቅድሚ ምምጋቡ ዋና ገዛ ነጋይሹ ክብሪ ቁራስ ህብስት ወሲድ ጠሚዑን ከምዝህቦም፡ እየስስ ከምኡ ገይሩ ንይሁዳ ይህቦ ሓደ ካብኦም ኣሕሊፉ ከምዝህቦ ይነግር፡ ኵሎም ደቀ መዝሙር ይድንጽዎም፡ ጴጥሮስ ከምቲ ናይ ወትሩ ህውኽ ወይ ርቡጽ ባህርይኡ፡ ህውኽ ቢሉ፡ ንመምህር፡ ኣነ ዶኾን እኸውን (ማቴ, 26. 17-25 ረኣ) እንክብል ይሓትቶ፡ እየሱስ ግና ህብስቲ ፈቲቱ፡ ነቲ ወይኒ ዝሓዘ ጽዋዕ ኣልዕሊ ንዀሎም የቕርበሎም፡ እዚ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ትእምርቲ’ዚ ኣመክንዮ ስርዓት ቅዱስ ቁርባን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኣ ኣኪባ፡ እትደግሞ ጸሎት እዩ፡ ኢየሱስ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ኣብ ድሕነት ጐዳና ንዝጓዓዝ ኵሉ ኣብዚ መኣዲ’ዚ ንኽሓብር ይዕድም፡ ቤተ ክርስቲያን፡ እቲ ድራር ዝስርዓላ ነፍሲ ወከፍና ኣገዳስን ክቡርን ጋሻ ኰይኑ ዝኣትዋ ከምታ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብሓባር ናይ መወዳእታ ድራስ ዝተመገቡላ ቤት ኰይና ትቐርብ፡ ኰይና ጥራሕ ዘይከን እያ እውን፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት እትጽበይ፡ ኵሉ ዕዱሙ ዝዀነላ መኣዲ።

እዚ ንተዝካረየ ግበርዎ

ኢየሱስ ድሕሪ እታ ናይ መወዳእታ ድራር ካብ 11 ደቀ መዝሙርቱ ይሰናበት፡ እቲ ናቱ ምስንባት ድማ ድሕሪ እቲ ንተዝካረይ ግበርዎ ዝብል ቃል ዘረጋግጽን፡ ቅዋመ ምስጢረ ክህነት ዘመላኽትን እዩ፡ ደቀ ምዝሙር ምስጢረ ቁርባን ዝሰርዑ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ጸሎተ ሓሙስ ወይ ቅዱስ ሓሙስ በዓለ ክህነት ክርስቲያን ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ነዚ ዅሉ ዘዘኻኽር ስርዓት ሊጡርጊያ ምስ ተፈጸመ፡ ስዒቡ እቲ ኣብ ማእከል ልዕሊ መንበረ ታቦት ዘሎ ቅዱስ ቁርባን፡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ናብ ዝርከብ ንእሽተይ ቤተ ጸሎት ይውሰድ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ጸሎት ኣስተንትኖ ይፍጸም።

ጸሎተ ሓሙስ፥ መባእታ ሳልስተ ፋሲካ
18 April 2019, 17:18